እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሰርሖ ህንዲ ዝሸለመቶ ዶክተር ካናን ኣምባላም
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ፡ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ምምሕዳር ህዝብን ልምዓትን ዝዀነ ዶክተር ካናን ኣምባላም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ መንግስቲ ህንዲ ዝለዓለ ሽልማት ተበርኪቱሉ።
ብ2 ጥሪ 2015፡ ካብ መንግስቲ ህንዲ ሽልማት ፕራቫሲ ባራቲያ ሳማን (Pravasi Bharatiya Samman Award) ዝተባህለ ዝለዓለ ሽልማት ዝተረከበ ዶክተር ካናን ኣምባላም'ውን ልዑል ሓጐስ ከም ዝተሰምዖ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ህንዲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታቱ ሕብረተሰብ ንምልዋጥ ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ብምርኣይ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ግዜ ሽልማት ይህብ'ዩ።
ኤምባሲ ህንዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ሽልማት ጠቒሱ ብፌስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንዶክተር ካናን ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢሉ።
ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ዶክተር ሓሰን ዩሱፍ ብወገኑ፡ "ዜጋ ዝዀነት ሃገር ምዃን ብዘየገድስ፡ ኣበርቲዑ ዝሰርሕን ሰናይ ተግባር ዝፍጽምን ወትሩ ዓስቢ ይከሓስ'ዩ" ኢሉ።
ዶክተር ካናን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዞባታት ወልጋን ዞባ ምዕራብ ጉጂን ህይወት ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሰባት ንምቕያር ብዝገበሮ ጻዕሪ ካብ ሚኒስትሪ ሳይንስን ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ሽልማት ወርቂ ሜዳልያን ኣፍልጦን ከም ዝተዋህቦ ይፍለጥ።
እቲ ሚኒስተር፡ ዶክተር ካናን ምስ ተማሃሮኡን ሕብረተሰብን ብምውዳድ ንዝሰርሖም ስራሕቲ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ንካልኦት ፕሮጀክትታት ንምድጋፍ ዝውዕል 25 ሽሕ ብር ብመልክዕ ሽልማት ኣበርኪቱ።
“ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተፈላለዩ ሽልማታት ተቐቢልና ኢና። እዚ ሕጂ መንግስቲ ህንዲ ዝሃበና ግን ፍሉይ እዩ። እዚ ሽልማት ዝያዳ ሓላፍነት ክስምዓና ዝገብር’ዩ” ክብል ዶክተር ካናን ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ጸገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። እዚ ሽልማት ነዚ ኣፍልጦ ዝህብ ስለ ዝዀነ ዝያዳ የተባብዓና" ብምባል ንመንግስቲ ሃገሩ ኣመስጊኑ።
ዶክተር ካናን፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ፋኩልቲ ቢዝነስን ኢኮኖሚክስን፡ክፍሊ ትምህርቲ ምሕደራ ህዝብን ልምዓትን ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ።
ጐና ጐኒ ድማ ንማሕበረሰብ ገጠር ዝጠቕሙ ፕሮጀክትታት ክሰርሕ ፀኒሑ።
ገለ ካብቶም ክሰርሓሎም ዝጸንሐ ፕሮጀክትታት ብትሑት ወፃኢ ድልድላት ምህናፅ፡ ፍልፍላት ማይ ምምዕባል፡ ቁሸታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽባ ከምኡ'ውን ተምሃሮን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ብምስታፍ ግራውቲ ሓረስቶት ማይ መስኖ ክረኽቡ ምግባር ይጥቀሱ።
ብንእሽቶ ድልድል ዝጀመረ ማሕበራዊ ኣገልግሎት
ኣብ ምብራቕ ወለጋ፡ ብትሑት ወፃኢን ኣብቲ ከባቢ ብዝርከብ ሰብኣዊን ንዋታውን ጸጋታት ዝተጀመረ ስራሕቲ ልምዓት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ቄለም ወለጋ፡ ምዕራብ ጉጂን ኣብ ክልል ደቡብ ድማ ናብ ሃድያ ሰፊሑ ይርከብ።
ዶክተር ካናን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣስኮን ቡራዩን ዝሰርሖም ፕሮጀክትታት ከም ዘለው ይገልጽ።
ምስ ተማሃሮኡ ናብ ገጠራት ተጓዙ ከቢድ ናብራ ናይቲ ማሕበረሰብ ምርኣዩ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ከም ዝደረዀ ይዛረብ።
ምስ ተምሃሮኡ ሓበሬታ ንምእካብ ናብ ሓንቲ ቁሸት ኣብ ዝኸደሉ እዋን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽኣለ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።
እቲ ዝሰርሓሉ ክፍሊ ትምህርቲ፡ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ንምሃብ ምመደብ ምስ ኣውጽአ "ተመሃሮ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ጸገማት እቲ ህዝቢ ከጽንዑ ጌርና። ምስኦም ተጓዒዝና ድማ እቲ ሕብረተሰብ ዘድልይዎ ነገራት እንታይ ምዃኖም ሓበሬታ ኣኪብና" ይብል።
ኣብቲ እዋን ናብ ሓንቲ ቁሸት ምስ ከዱ ኣብ ጥቓ ንእሽቶ ሩባ እትነብር ገለ ኣቑሑት ዝተሰከመት ሓንቲ ኣደ ድልድል ዘይብሉ ሩባ ንምስጋር ክትቃለስ ርእዮም።
እታ ኣደ፡ እቲ ማይ'ውን እናደፍኣ፣እቲ ጭቃ'ውን እናውደቓ ነቲ ሩባ ክትሳገሮ ተዓዚቦም።
“ብኡንብኡ ነቶም ተመሃሮ ኣነቓቒሐ ንምንታይ ድልድል ዘይንሰርሕ በልክዎም። ኣብኡ ንክልተ መዓልቲ ብምጽናሕ፡መስማር፡ ዕንጸይትን እምንን ኣኪብና ድልድል ሰሪሕና ተመሊስና” ይብል።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ተመሳሳሊ ጸገም ናብ ዘለዎም ከባቢታት ብምኻድ ድልድል ምስራሕ ቀጺሎም።
ዶክተር ካናን ምስ ተመሃሮኡን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ብምዃን ክሳብ ሕጂ 93 ድልድላት፡ 55 ፍልፍላት ማይን ከምኡ'ውን ሓረስቶት ዝግልገሉሎም ሰለስተ መስኖታትን ንኣሽቱ ሓጽብታትን ሃኒጾም ኣለዉ።
ሓንቲ ቁሸት’ውን ሓይሊ መብራህቲ ክትረክብ ሓጊዞም’ዮም።
“ብዙሕ ግዜ ናብ ርሑቕ ቁሸታት ከይደ እቲ ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝነብር ክርእይ እንከለኹ፡ ለይቲ ኣይድቅስን። እዚ ድማ ምሸት ይኹን ቀዳመ ሰንበት ዕረፍቲ ከም ዘይህልወኒ ገይሩኒ።"
ንሱ፡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቁሸት ምስ ተመሃሮኡ ሓያሎ ኪሎ ሜትራት ብእግሩ ይጓዓዝ እዩ።
ፍልጠት መምህር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጥራይ ክድረት የብሉን፤ ብጭቡጥ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ጸገም ዘይፈትሕ እንተዀይኑ ትርጉም ፍልጠት እንታይ’ዩ ክብል ዝሓትት ዶክተር ካናን፡“ተራ ሓደ መምህር ናብ መምሃሪ ክፍሊ ኣትዩ ምምሃር ጥራይ ኣይኰነን። መምህራን ናብ ሕብረተሰብ ከይዶም ጸገማት ከለልዩን ክፈትሑን ይግባእ" ኢሉ።
እዚ ድማ ተመሃሮ ኣካል መፍትሒ ንኽዀኑ ብተግባር ክምህር ከም ዝሕግዞ ይዛረብ።
'ጠለብ ህዝቢ ዝያዳ ክንሰርሕ ገይሩና'
ዶክተር ካናን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሰርሖም ፕሮጀክታት ካብቲ ሕብረተሰብ ብዙሕ ጠለባት ከም ዝቐርቡ ይዛረብ።
እዚ ህዝባዊ ሕቶ ድማ፡ "ዝያዳ ክንሰርሕ ገይሩና" ኢሉ።
ነቲ ስራሕ ዝኸውን ገንዘብ ካበይ ይረኽቡ?
እቶም ፕሮጀክትታት ውሑድ ወጻኢታት ዝሓቱን መብዛሕትኡ ግዜ ብሓባር ብምትሕግጋዝ ዝስርሑን ከም ዝዀኑ ይገልጽ።
እቲ ፕሮጀክት ዝስርሓሉ ማሕበረሰብ'ውን ንዋታውን ሰብኣውን ደገፍ ከም ዘበርክት ሓቢሩ።
ከም ሆሳእና፡ ቡሌ ሆራን ደምቢ ዶሎን ናብ ዝኣመሰሉ ርሑቕ ቦታታት ከይዶም ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን፡ ንሱን ተመሃሮኡን ንመጓዓዝያ ልዑል ወጻኢታት ከም ዘውጽኡ ይዛረብ።
"ዩኒቨርስቲ ወለጋ ኣብ ዝምልከቶ ጉዳይ ኣብ ጎንና'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣካላት መንግስቲ’ውን ዝተፈላለዩ ነገራት ብምምችቻው ይሕግዙና’ዮም።"
ኣብዚ ሕጂ እዋን ህንጸት ድልድልን መስኖን ዝርከቡዎም 25 ፕሮጀክትታት ኣብ ኢድና ኣለው ዝብል ዶክተር ካናን፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ መስኖ ትኹረት ዝገበሩ ስራሕቲ ከም ዝሰርሑ ሓቢሩ።