ኣመሓደርቲ ትግራይን ልኡኻት ሚኒስትሪ ፍትሕን እንታይ ዘትዮም?

Published

ልኡኻት ሚኒስትሪ ፍትሕን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ መሰጋገሪ ፍትሒ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ዘተ ሚኒስተር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞትዮስን ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለን ዝርከብዎም ሓለፍትን ሰብ ሞያን ዝተረኸቡ ኰይኖም ብወገን ትግራይ ድማ ኣባላት ካቢኔ ግዝዊ ምምሕዳርን ምሁራትን ተሳቲፎም።

ቺፍ ካቢኔ ሰክረተርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ እቲ ዘተ፡ ንመሰጋገሪ ፍትሒ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብዛዕባ ዝጀመሮ ምንቅስቓስን ብወገን ትግራይ ዝለዓሉ ስክፍታታትን ማእክል ዝገበረ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ መንግስቲ ኣብ እዋን ኲናት ንዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ንምርግጋጽ መሰጋገሪ ፍትሒ ዘፈጽም ኣካል ኣቝሙ ክሰርሕ ምስምማዖም ዝዝከር እዩ።

ኣቶ ኣማኑኤል፡ "ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ንምቕራጽ ሓሳብ ዘተኣኻኽብ ጕጅለ ሞያውያን ኣቝሙ ይሰርሕ እዩ ዘሎ፡፡ ነዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ምስ ሰማዕናዮ ኣብቲ ዝስራሕ ዘሎ ስርሓት ስክፍታ ነይሩና፡፡ ‘ብዙሕ ኣፍልጦ የብልናን፡ ኣብዚ ጉዳይ ኣይተሓወስናን፤ ሰብ ዋና ኢና ክንከውን ዘለና’ ዝብል ሓሳባት እናልዓልናሎም ጸኒሕና፡፡ ስለዚ ኣብዚ ግልጽነት ንምፍጣር ዘኽእል ምይይጥ ጌርና" ኢሉ፡፡

እቲ ዘተ "ሞያዊ ምርድዳእ እምበር ፖለቲካዊ ዝርርብ ኣይኮነን" ዝበለ እቲ ቺፍ ሰክረተርያት፡ ኣብ ቀጻሊ "ንሕና'ውን ኣብቲ መሰጋገሪ ፍትሒ ዘለዉና ሓሳባት ወዲብና ጕጅለ ክነጣይሽ ኢና፡፡ ሞያን ፖለቲካውን ሓሳባት ዝሓዘ ሰነድ ኣዳሊና ከም ብሓድሽ ከንሳተፍ ኢና" ኢሉ፡፡

"እቲ ቀንዲ ስኽፍታ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ዓለምለኻዊ ገበን ኣሎ፤ ስለዚ እዞም ገበናት ብዝዀነ መንገዲ፡ ዕርቂ ገለ ብዝብል፡ ተሸፋፊኖም ከይተርፉ፡ እዩ፡፡"

ኵሎም ተሳተፍቲ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት፡ ምስ ዓለምለኻዊ ገበናት ኲናት ዝዳረጉ ገበናት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራትን ተሓለቕቲ መሰላትን ገሊጾም እዮም፡፡

ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታትነት ንምርግጋጽ ኣብ መሰጋገሪ ፍትሒ እትሰርሕ ከምዘላ እትገልጽ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸሙ ገበናት ከጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ መርማሪ ኮምሽን ስርሑ ከቋርጽ ክትጽውዕ ጸኒሓ፡፡

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝተፈጸሙ ገበናት፡ ብመሰጋገሪ ፍትሒ ዕልባት ክረኽቡ ዝተበጽሐ ስምምዕ ግና ካብ ብዙሓት ተቓውሞታት ከጋጥሞ ጸኒሑ እዩ።

ነቲ ሓሳብ ዝቃወሙ፡ መጠን ዝተፈጸሙ ገበናትን ኣብታ ሃገር ነጻ ትካላት ዘይምህላውን ከም ምኽንያት ብምጥቃስ እቶም ገበናት ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክጻረዩ ይጽውዑ፡፡

ኢትዮጵያ መርማሪ ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት ክፈርስ ዘቕረበቶ ሕቶ ዘሻቐሎም፡ ልዕሊ 60 ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ሕቶ ውዱቕ ክግበር ብሓባር ጻውዒት ምቕራቦም ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተገብረ ዘተ፡ ዝተረኸበ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ‘‘ብደረጃ ሃገር ንዝፍጠሩ ጸገማት ብውሽጣዊ ዓቕሚ ክረኣዩ ከምዝኽእሉ ንኣምን፤ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሓይልታት ወጻኢ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተሳተፉሉ ስለዝዀነ ሃገራዊ ትካላት እዅላት እየን ኢልና ኣይንኣምንን" ምባሉ ተሌቪዝን ትግራይ ጸብጺባ።

ሚኒስተሪ ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞትዮስ ብወገኑ፡ ‘‘እቲ መስርሕ ብዅሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተቐባልነትን ተኣማንነትን ዘለዎ፤ ትካላትን ኣካይዳን ዝፈጥር ክኸውን ንደሊ" ኢሉ፡፡

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላምን ዕርቅን ንምፍጣር ኣብ ተሓታትነት፡ ምትእልላሽ ሓቂ፡ ዕርቂ፡ ካሕሳ፡ ምሕረትን ትካላዊ ምምሕያሽን ዘተኮረ ፖሊሲ ንምምዕባል ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡

ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጐ መንገስታት ፈደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዘረፋን ዝርከቡዎም ከበድቲ ገበናት ከምዝተፈጸሙ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ፡፡

እቶም ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ተጻርዮም ገበነኛታት ተሓተትቲ ክዀኑ ብፍላይ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ከምኡ'ውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም፡፡

ኣብታ ማእከል ዓውደ ኲናት ዝነበረት ትግራይ ሚልዮናት ዝተፈናቐሉን ንሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓልዑን ኰይኖም፡ ህይወት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ጠፊኡ ክኸውን ከምዝኽእል ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ገሊጹ እዩ፡፡

ድሕሪ ነቲ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኣብ ትግራይ ኵነታት ቀስ ብቐስ ይመሓየሹ ከምዘለዉ ጸብጻባት የረድኡ፡፡