ቴክኖሎጂ፡ ‘ፋክስ ደሓን ኵኒ’ ትበሃለሉ ግዜ ኣኺሉ ዶ ይኸውን?

Published

ሰብ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክልእኽ ምስ ዝደሊ፡ ፋክስ እቲ ኣዝዩ መሀነን ምርጫ ዝነበረሉ ግዜ ነይሩ’ዩ። ሕጂ ግን እታ ማሽን ንታሪኽ ጥራይ ትቕመጠሉ ግዜ ዝኣኸለ ይመስል ኣሎ።

እዛ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ፋስማየል ማሽን’ እናተበሃለት ትጽዋዕ ማሽን፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ዓዲ እንግሊዝ ሓንቲ ካብ ኣገደስቲ መሳለጥያታት’ያ ነይራ።

ሕጂ ግን እቲ ኦፍኮም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት እታ ዓዲ፡ እታ ማሽን ትህቦ ኣገልግሎት ብኻልእ ዝሰለጠ ስለዝተተክአ፡ ኣገልግሎታ ከምዘብቅዐ ዝሕብር ሕጊ ኣውጺኡ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ፡ እቶም ኣገልግሎት ፋክስ ዝህቡ ትካላት፡ ፋክስ ክጥቀሙ ኣይክኽእሉን እዮም።

ኦፍኮም ነቲ ሓድሽ ሕጊ ኣመልኪቱ፡ “ኣብቲ ዝነበረ ሕጊ ኢና ለውጢ ከምዝህሉ ንገብር ዘለና” ኢሉ።

ኦፍኮም፡ ኣብ 2003 ኵሉ ሰብ ምስ ኢንተርነትን ናይ ጽሑፍ መልእኽትታትን ዝሰደሉ ኢመይልን ካልእ ኣገባብን ስለዘይተላመደ፡ ፋክስ ንብዙሓት ኣዝዩ ተመራጺ ምንባሩ ብምምላይ’ዩ ነቲ ሽዕኡ ዝደንገጐ ሕጊ ንዝሓለፈ 19 ዓመታት ክምርሓሉ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ዳርጋ ኵሉ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘለዎን ኢመይል ስለዝጥቀምን ኣገዳስነት ፋክስ ትሑት ምዃኑ ብምድምዳም’ዮም ኦፍኮም ኣገልግሎት ፋክስ ደው ክብል ዘገድድ ሕጊ ኣተኣታትዩ።

ኦፍኮም ኣብ መግለጺኡ ንዝሓለፈ ዓመታት እዅል መጽናዕትታት ብምክያድ ናብ መደምደምታ ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ “ካልእ ኣማራጺታት ስለዘሎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣገልግሎት ፋክስ’ውን ከምድላይካን ኣብ ድላይካን ዘይርከበሉ እዋን ኢና በጺሓና ዘለና” ይብል።

ማሽን ፋክስን እቲ ዘይርሳዕ ኣገልግሎታን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ፋክስ ሚልዮናት መልእኽትታት ተቐቢላን ኣብጺሓን’ያ፤ ገለ ካብቶም ብፋክስ ዝተመሓላለፉ መልእኽትታት ከኣ ኣብ ታሪኽ እዛ ዓለም እምኒ ኵርናዕ እዮም።

እቲ ኣገባብ፡ ፋክስ ነቲ ከተብጽሖ ዝተወሃባ ናይ ሓደራ መልእኽእትን ስእልን ቅድሑ ከምዘለዎ ናብቲ ዝምልከቶ፡ ሰብ ብመስመር ተሌፎን ተብጽሓሉ።

ሰባት ከኣ ክንዮ ንቤተሰባዊ መልእኽታት፡ ግዙፍ ማል ዝፈሰሶ ውዕላት፡ መሸጣ ውዕላት ገዛን ካልእ ስምምዓት ንግዲን ካብን ናብን ኣብ ምትሕልላፍ፡ ፋክስ ዓለም ዘይትርስዖ ውዕለት’ዩ ነይርዋ።

ወከልቲ ዓበይቲ ተጻወትቲ ዓለም፡ ተጻወትቲ ካብን ናብን ጋንታታት ኣብ ዘሰጋግርሉ፡ ፋክስ እታ ቀንዲ ዋሕስ ውዕላቶምን፡ ቀንዲ እምንቲ ኣበጻጻሒት መልእኽቶም እያ ነይራ።

ሕጂ ግን ቤት ጽሕፈት ፕሪሚየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ከይተረፈ፡ ብፋክስ ዝመጽኦ ሰነድ ከም ሕጋዊ ሰነድ ከምዘይቅበሎ ብምሕባር፡ ከምቲ ተጻዋታይ ምስ ኣረገ ‘ጫማኡ ሰቒሉ’ ዝበሃል፡ ንፋክስ’ውን ‘የእጋራ ሰቒላ’ ብምባል ካብ መሳርዕ ናውቲ ቤት ጽሕፈቱ ኣልዩዋ’ሎ።

ከም መተካእታ ፋክስ ከኣ እቲ ድሮ ቅድሚ ዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ፡ ክለባት ንውዕላት ይዅን ንምዝውዋር ተጻወትተን ‘ስካን’ ዝተገበረ ሰነዳት ብኢመይልን ካልእን’የን ክሳደዳ።

ማይክል ጆርዳን ኣብ 1995 ናብ ክለብ ኩዕሶ ሰኪዐት ‘ቺካጎ ቡልስ’ ካብ ጥሮታ ተመሊሱ ዳግማይ ክጻወት ከምዝወሰነ ንምብሳር  "I'm back"[ተመሊሰ ኣለኹ] ኢሉ ዝለኣኻ መልእኽቲ ፋክስ እታ ኣዝያ ህብብቲ መልእኽቲ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።

ኣብዚ እዋን ፋክስ ኣብ ውሱናት ኣብያተ ጽሕፈት ዓዲ እንግሊዝ ይርከባ’የን።

ኣብዚ ቀረባ ዝተገበረ መጽናዕቲ እቲ ኤንኤችኤስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብ ውሽጡ ንዝግበር ምልእኣኽ ሰነዳት ኣማኢት ማሽናት ፋክስ ይጥቀም ከምዘሎ ይሕብር።

ኤንኤችኤስ ኣብ 2018 ኣብ ዘውጽኦ ዘዋሪ መልእኽቲ፡ ኣብ 2020 ንዅለን ፋክስ ካብ ስራሕ ደው ከብለን ምዃኑ ብምሕባር፡ ሓደስቲ ፋክስ ከይዕደጋ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ዋላ’ኳ ሓደስቲ ፋክስ እንተዘይተዓደጋ ነተን ዝነበራ ፋክስ ግን ክሳብ ሕጂ ይጥቀመለን ኣሎ።

ኦፍኮም ግን ነቲ ኣብ መጀመርታ 2023 ኵሉ ኣገልግሎታት ፋክስ ኣብ መላእ ብሪጣንያ ጠቕሊሉ ደው ንኽብል ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።