እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቤተሰባዊ ምስሕሓብ ዝተዓጀበ ሲመተ ንግስና ደቡብ ኣፍሪቃ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ህልኽን ምስሕሓብን ንጉሳዊ ስድራ-ቤት፡ ንጉስ ሚሱዙላ ካ ዝዌሌቲኒ ንጉስ ህዝበ ዙሉ ብምዃን ብባህላዊ ስርዓት ዘውዲ ደፊኡ።
ገለ ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ፡ እቲ ሕጂ ዘውዲ ዝደፍአ ወዲ 48 ዓመት ሚሱዙላ፡ ወዲ ንጉስ'ኳ እንተዀነ እቲ ትኽክለኛ ተካኢ ንጉስ (ወራሲ ዓራት) ኣይኰነን ብምባል ዳርጋ ንዓመት መመላእታ ክከራኸሩ ጸኒሖም።
ዳሕራይ ግን ኣብ ምርድዳእ ስለ ዝበጽሑ፡ ብቐዳም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ማሕበረሰብ ዙሉ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክዋካንገላ ማንንጋኔ ባህላዊ ጽንብል ንግስነት ኣካይዶም።
እቲ ሓዲሽ ንጉስ ሚሱዙላ፡ ንህልዋንን ምውታንን ንጉስ ህዝበ ዙሉ ኾይኑ ከምእተሸመ ቅድሚ ምብሳሩ፡ ናይ ኣበዋቱ ፍቓድን ምርቓን ንክረክብ ናብ ቅዱስ ደንበ (መሕደር ኩማ ከብቲ ዙሉ) ኣትዩ።
ኣብቲ በዓል ሃዲኑ ናይ ዝቐተሎ ፋረ ኣንበሳ ተኸዲኑ።
ከምኡ ከይገበረ ንጉስ ህዝበ ዙሉ ክኸውን እቲ ባህሊ ኣየፍቅደሉን እዩ። ኣብቲ ድግስ ከኣ ልዕሊ 10 ከብቲ ተሓሪደን - ብላዕ ዎ ስተ ኮይኑ።
ሚሲዙሉ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘአንግዶ ብሄራዊ ስነ ስርዓት ሽመት፡ ንግስነቱ ክጸድቕ እዩ።
እቲ ዝፋን ንግስነት ኣብቲ ንቡር ፖለቲካዊ ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ይኹን ስልጣን እኳ እንተዘይሃለዎ ካብ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ሓደ ሕምሲት ህዝበ ዙሉ ስለ ዝኾነን ዓቢ ጽልዋን ስለ ዘለዎ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምሕደራ እቲ ንጉሳዊ ስርዓትን ዘገልግል ልዕሊ 4.9 ሚሊዮን ዶላር ባጀት ይስልዓሉ።
ንግስነት ህዝበ ዙሉ ብ1879 ኣብ ኵናት ኢሳንድልዋና ንወተሃደራት ብሪጣንያ ብምስዓሩ ኣብ ዓለም ልዑል ስምን ክብርን ተጎናጺፉ እዩ።
ምትኽኻእ ንግስነት ህዝበ ዙሉ ዳርጋ ዝበዝሕ ግዜ ኣካታዒ ኮይኑ ንሓንሳብ እውን ናብ ደምን እምባጋሮን ዘምርሕ ጎነጽ የጋጥሞ እዩ።
እቲ ስሙይ ንጉስ ህዝበ ዙሉ ነበር ሻካ ካ ሴንዛንዛንኮና፡ ንግስነቱ ብዝቐንኣሉ ሓው ብ1816 ተቐቲሉ።
“ኢድ ሸናሒት - ጸናሒት” ከም ዝበሃል ከኣ ንሱ እውን ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ወዲ ሓፍቱ ብዝጠጀኦ ውዲት ተቐቲሉ።
ድሕሪ እቲ ብሽርሒ ዝሰዓበ ምቅትታል ከኣ ኣብ ህዝበ ዙሉ ብዙሕ ቁርቁስን ህልኽን ተራእዩ።
ሓያሎ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ነቲ ነገር ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶሞ ነይሮም።
ሽዱሽተ ኣንስቲ ዝነበራኦ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሞት ዝተፈልየ ዳሕረዋይ ንጉስ ህዝበ ዙሉ ዝዌሊቲኒ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ንህዝበ ዙሉ መሪሑዎ።