ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት በሰላኣ ከይጸገነት ናበይ ገጻ?

Published

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ "ናዕቢ" ኢሉ ዝጸውዖን ልዕሊ 300 ሰባት ዝቐተለን ዓመጽ ሓደ ዓመት ኣሕሊፋ'ሎ። ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ክሳብ ሕጂ እቲ ዓመጽ ምስ ዘስዓቦ በሰላኣ እያ ዘላ። ሕጂ'ውን ዓሚቝ ፖለቲካውን ቍጠባውን ብድሆታት እናተቓለሰት፡ ከምኡ'ውን ዝያዳ ዘይምርግጋእ ከይህሉ እናሰግአት ትርከብ።

ብሰንኪ'ቲ ዓመጽ ዝነደደ ፋብሪካ ከሚካል፡ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ እቲ N2 ዝበሃል ጐደና ደርባን ከም ጸሊም ኣስከሬን ኣንጸላልዩ ይርአ።

ኣብቲ ገማግም ባሕሪ፡ ብናህሪ ዘስፋሕፍሐን ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለን ናዕቢ፡ ምቅጻል፡ ዘረፋን ቅትለትን ዝሓደጐ በሰላ፡ ሕጂ እውን ኣብ ሓያሎ መገዲታት ይርአ'ሎ።

ኣብ 1994 ዲሞክራሲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተኣታቶ ንነጀው፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተራእዩ እቲ ዝኸፍአ ዓመጽ እዩ ነይሩ። ብኣማኢታ ዝቝጸር ድኳናት፡ ኣደራሻትን ንግድን ዓንዮም፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ካብ ስርሖም ተሰናቢቶም እዮም።

ብሰንኪ እቲ ዓመጽ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ቍጠባው ኽሳራ ከምዘጋጠማ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ ሽዑ ዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ፡ ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ንቤት ፍርዲ ብምንዓቕ ምስ ተኣስረ፡ ደገፍቱ ዘለዓዓልዎ ምዃኑ ይንገር።

ዙማ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ANC) ካብ ዝርከቡ ጸጋማውያን ጕጅለታት ደገፍ ይረክብ እዩ። እዚ ጕጅለ'ዚ ምስቲ ኣብ እዋን ስልጣን ዙማ ተስፋሕፊሑ ዝነበረ ብልሽውና'ውን ዝተኣሳሰር እዩ።

ሰዓብቲ ዙማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ነቶም ናዕቢ ዘለዓዕሉ ሰባት፡ "ኵሉ ይቃጸል" ኢሎም ተማሕጺኖም፤ ሕሉፍ ሓሊፎም'ውን እቲ ዘረፋ፡ "ብጥንቃቐን ብሓላፍነትን" ንኽፍጸም ተላብዮም ነይሮም።

እቲ ዓመጽን ምቅጻልን ኣብ መጀመርታ ብጥንቃቐ ዝተወደበን ዝተወሃሃደን ይመስል ነይሩ።

በዚ ኸኣ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ክምዕብል ዝተራእየ ስርዓተ ዲሞክራሲ፡ ንሒደት መዓልትታት'ውን ይዅን ዘንደልሃጸ ኰይኑ ዝተሰምዖም ሰባት ነይሮም እዮም።

እቲ ዕግርግር ካብ ዘጋጥም ኣትሒዙ፡ ኮቪድን ዕልቕልቕ ማይን'ኳ እንተነበረ፡ ኣውራጃ ክዋዙሉ-ናታል ግን፡ ናብ ዕብየት ገጻ ትኸይድ ከምዘላ ዝሕብሩ ምልክታት ተርኢ'ላ።

ንግዲታት እንደገና ተበራቢሮም፣ ሓያሎ ኣዳራሻት ዕዳጋ ዳግም ተሃኒጾም፣ እንተወሓደ ገለ በጻሕቲ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለው።

ኣብ እዋን ናዕቢ፡ ነታ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ባሊቶ ንምክልኻል ትሕግዝ ኣብ ዝነበረት ናይ ብሕቲ ኩባንያ ጸጥታ ዝሰርሕ ብሬት ሞራን፡ "ንሕና ደቡብ ኣፍሪቃውያን ተጻዋርነት ኣለና" ይብል።

ኣተሓሒዙ፡ "እዚ ሕሉፍ ተጻዋርነት ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ቀልጢፍና ረሳዕቲ ኢና" ይብል።

ሓንቲ ሃገር "ሕሉፍ ተጻዋርነት ኣለዋ" ዝብል ሓሳብ ስግንጢር ክመስል ይኽእል እዩ።

እዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ኣሰካፊ መጠን ብልሽውና፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሽቕለት ኣልቦነት፡ መቕጻዕቲ ዘየተባብዕ ባህሊ፡ ዝገነነ ዕንወት ትሕተ-መዋቕር ዝኣመሰለ ቅልውላው፡ ንምቕያር ለውጢ ኣብ ኣካይዳ ከየርኣየት ናይ ምጽዋር/ምቕጻል ተኽእሎ ከምዘለዋ ዘመልክት እዩ።

ስለዚ እዮም ኣብ ከባቢ ደርባን ዝርከቡ ማሕበረሰባ፡ት እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ዘይምርግጋእ፡ ሓንሳእ ጥራይ ዘጋጥም ከምዘይኮነን፡ እታ ሃገር'ውን ደቂሳ እንከላ ናብ ከቢድ ጸገም ክወስዳ ከም ዝኽእልን ዝሰግኡ።

"እዚ [ዘይምርግጋእ] በቶም ኣብ ውሽጢ ኤኤንሲ ዘለው ዝጐሃዩ ጭፍራ እዩ ዝውደብ ዘሎ። ሕጂ'ውን ዙማ ፕረዚደንት ክኸውን ድልየት ኣለዎም፡" ይብል ካብታ ብልጽግቲ ከተማ ባሊቶ ስጊሩ ንዝርከብ ማሕበረሰብ ድኻታት ዝተሓባብር ቱላኒ ማትዋ።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ "ግኑን ናዕቢ ንምልዕዓል ዝግበር ፈተነ" ከምኡ'ውን "ኣብ ዲሞክራሲና ደይመደይ ኢልካ ዘነጻጸረ፡ ብግቡእ ዝተወደበን ፈተነ መጥቃዕቲ" ክብል ብትሪ ገሊጽዎ እዩ።

እቶም ንገዛእ ርእሶም ከድሕኑ ዝተኣኻኸቡ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ብምውፋራ እቲ ምትእኽካብን ናዕቢን ክፈሽል ተገይሩ።

እዚ ኸኣ እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዘለዓዕሉ ሓይልታት ግብረመልሲ ንኽፍጽም ዕድል ፈጢሩሉ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት እንታይ ምዕባለ ተራእዩ?

እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ብዛዕባ ብልሽውና ዘመነ ስልጣን ዙማ ኣመልኪቱ ንሓያሎ ዓመታት ዝተገብረ ምርመራ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ምሓዙ እዩ።

እዚ፡ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዝፍጸም ጕዳያት ብዙሕ መርትዖ ክረኽቡ ዝገበረ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን፡ ዞንዶ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምርመራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ዘሎ ጕጅለ ዙማ ብዘደንቕ መገዲ ዘዳኽም፣ ነቲ ምስ ብልሽውና ዝግበር ቃልሲ እንደገና ዘደልድል፣ ከምኡ'ውን ሚስተር ራማፎሳ ናጻ ኰይኑ ዓሚቝ ተሃድሶታት ንኽገብር ዝደፋፍእ መቕልሳዊ እዋን ከምዝዀነ ተገይሩ ክሕሰብ ይኽእል እዩ።

እንተዀነ ክንጠራጠር ዝገብሩ ምኽንያታት ኣለው።

ፈለማ በቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝተኸሰሰ ዋላ ሓደ ምርኡይ ፖለቲከኛ የለን። እዚ ኸኣ ምናልባት እቲ ስርዓተ ፍትሒ ንዓመታት ብዝጸንሐ ፖለቲካዊ ጦብሎቕታን ግጉይ ምሕደራን ስለ ዝተዳኸመ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዙሓት ብኮሚሽን ዞንዶ ዝተቓልዑን ንጥቕሞም ክብሉ ዝቃለሱን ተሳተፍቲ፡ ሕጂ እውን ኣብ ውሽጢ ኤኤንሲ ልዑል ስልጣን ኣለዎም።

"ዋላ ሓደ ዝኽሰስ ሰብ የለን። ደቡብ ኣፍሪቃ ስምዒት ኣልቦ ክትከውን ተገይራ እያ፡" ትብል ቅድሚ ሕጂ ተቓዋሚ ኣባል ባይቶን ክኢላ ሓበሬታን ዝነበረት ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ናብ ፖለቲካ ክትምለስ ትሓስብ ዘላ ፉምዚል ቫንዳም።

"እታ ሃገር ትፈርሳ ኣላ። ቀልጢፍና ናብ ውድቀት ንጓዓዝ ዘለና እመስለኒ" ክትብል ነቲ ኵነታት ትገልጾ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ፕረዚደንት ራማፎሳ እውን ኣሎ።

እቲ ልስሉስ ተዛራባይ መራሒ ሕብረት ሰራሕተኛታት ነቲ ብልሽውና ዘስዓበ ዙማ፡ ኣብ 2018 ካብ ስልጣኑ ምስ ሰጐጎ ደቡብ ኣፍሪቃ እፎይ ኢላ እያ።

ሚስተር ራማፎሳ ንኤኤንሲ ከምኡ'ውን ነታ ሃገር ካብ ቀልቀል ጸድፊ ክምልሳ ዝኽእል፡ ንጹህን ስርዓት ዘለዎን ሰብ ተገይሩ ይርአ ነይሩ።

እቲ ዝነበረ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ግን ሕጂ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ።

ገሊኣቶም ነቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ተሓታቲ ይገብሩ፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ሓባራዊ ውሳነ ዝድረትን ስልጣኑ ንምርግጋጽ ኣዝዩ ከም ዝደንጐየን ይወቕሱ።

ገሊኣቶም ከኣ ብዛዕባ እቲ ብጸላእቱ ዝተወሃሃደ ሓድሽ ፖለቲካዊ ብልሽውና የልዕሉ።

እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ብሕቱ ጎልጎል መጻወቲ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ብልሽውናን ምሽፍፋንን ሕቶታት ክለዓዕልን፣ ንስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ከእቱን ዝኽእል እዩ።

ፕረዚደንት ራማፎሳ ግን ዝዀነ ጌጋ ከምዘይፈጸመ ይገልጽ።

እንተዀነ፡ ንብዙሓት ሰባት እቲ ዕሽሽ ዘይበሃል መደምደምታ ካብዚ ዝሰፍሕ እዩ። ቃልሲ ሓርነት ዝመርሐን ንኣስታት ሰላሳ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ሰልፊ፡ ንኽሕደስ ዝግበር ዕማም ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን።

"ሲሪል ራማፎሳ መፍትሒኡ ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ኤኤንሲ ዘለው ሰባት እንታይ ተሃድሶ ከምዘድሊ ይፈልጡ'ኳ እንተዀኑ፡ ነዚ ንምፍጻም ግን ገዛእ ርእሶም ከዳልው ኣይክእሉን እዮም፡" ይብል ምርኡይ ምሁርን ተቓዋሚን ሶንጌዞ ዚቢ።

ጕድለት ኤኤንሲ ንብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሓድሽን ንጹርን መብርሂ ሂብዎም ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ዘሎ ክሊማ ኣዝዩ ቘራሪ እዩ። ግን ብምልእታ እታ ሃገር ነዊሕን መዓልታውን ምቍራጽ ኤሌክትሪክ የጋጥማ ኣሎ።

ጠንቂ ናይዚ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትካላት ጸዓት ዝነበረ ድኹም ውጥንን ግጉይ ምሕደራን፣ ኢንዱስትርያዊ ዕንወትን (ገሊኡ ምስ ውሽጣዊ ናዕቢ ከምዝተተሓሓዘ ይንገር) ከምኡ'ውን እቲ ብኮሚሽን ዞንዶ ዝተገልጸ ዘደንቕ መጠን ብልሽውና እዩ።

እቲ ምሉእ ብምሉእ ዝቋረጽ ኤሌክትሪክ፡ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተላዕለ ናዕቢ ተደሚሩ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ንኽሃድሙ ድርኺት ገይሩ እዩ።

እሞ ደኣ እዚ ቅልውላው ብምንታይ ደው ክብል ይኽእል?

ንገሊኣቶም ናይዚ መልሲ፡ ኣብቲ ብ2024 ኣብ ዝግበር ምርጫ ዝተመርኰሰ ክኸውን እንከሎ፣ ንኤኤንሲ ግን ንመጀመሪያ ግዜ ኣብዝሓ ድምጺ ዘስእኖ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ከምዚ እንተደኣ ኣጋጢሙ፡ እታ ሃገር ንንኣሽቱ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝኸውን ኣጋጣሚታት ዝህብ፡ ሓድሽን ዝተባብዕን ሓባራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ክተተኣታቱ ትኽእል እያ።

"ኣብ ማእከል ፖለቲካ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ሓድነት ዘለዋ ሃገርን ጽኑዕ ጸረ-ብልሽውናን ዝደልዩ ማእከላይ ደረጃ ዘለዎም ናይ ከተማ ተሳተፍቲ ዓቢ ጋሕመጥመጥ እዩ ዘሎ።” ትብል ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ኣሊያንስ ዝነበረት ሚስ ቫን ዳም።

ይዅን እምበር ኤኤንሲ ዝገብሮ ቓልሲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይ ጸገም መሰጋገሪ ምርጫ ንኽህሉ ውሕስነት ኣይህብን እዩ።

ብቐዳምነት፡ ነዚ ዝተዳለወ ተቓዋሚ ሰልፊ ዘሎ ኣይመስልን። እቶም ብየማነ ጸጋም ዝህውኹ ሰልፊታት፡ ተዓወትቲ ክዀኑን ነታ ሃገር ናብ ዘይምኽንያታዊ ፍርሒ ወጻእተኛታትን ዝገደደ ዓመጽን ከየእትውዋ ዝብል ሻቕሎት ኣሎ።

'ኣብ ክሕደት ኢና ዘለና'

ሃገራዊ ኮንግረስ፡ ብምርጫ ስልጣን ምሃብ ክኣቢ ይኽእል እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ንገሊኦም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣዝዩ እዩ ዘፍርሆም።

ሚስተር ዚቢ፡ "ክሳዕ ሕጂ ኣብ ክሕደት ኢና ዘለና። ንነዊሕ እዋን መሰረት ብዘይብሉ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንገዛእ ርእስና ከነናግፍ ጸኒሕና ኢና። ኤኤንሲ ኣብቲ ዝስዕብ ምርጫ ብዝተፈላለየ መገድታት ከደናግር ከምዝጽዕር እኣምን እየ" ብምባል ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ጐረቤታ ዚምባብወ ፖለቲካውን ቍጠባውን ውድቀት ከየጋጥማ የጠንቅቕ።

እዚ ግን ውዒሉ ሓዲሩ ዝተርፍ ኣይኰነን።

"ሃገራዊ ኮንግረስ፡ ኣብቶም ምርጫታት [ከደናግር] 'ኳ እንተጸዓረ፡ እተን ትካላት [ምርጫ]፡ ክሳዕ ሕጂ ድልዱላት እየን። እታ ሃገር ክትልወጥ ትኽእል እመስለኒ። እንተዀነ ኤኤንሲ ኣብቲ ሕጂ ዘለዎ ኵነታት ኣይኰነን፡" ይብል ኣብ ጸረ-ኣፓርታይድ ዝተቓለሰን ሓያል ስነ-ምግባራዊ ድምጺ ኤኤንሲ ዝነበረ ማቩሶ ምስሚማንግ። 

ፕረዚደንት ራማፎሳ ስልጣን ክሕዝ እንተኽኢሉ፡ ከም ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዝኣመሰላ ዝተሃስያ ትካላት፡ ዳግም ንምህናጽ ክሰናኸል ይኽእል'ዩ። እዚ ድንጕይ መስርሕ ከኣ፡ ኣብ ብልሹዋት ሰበስልጣን ዘወሃብ ፍርዲ ብኡ መንጽር ከደናጕዮ እዩ።

ብሲቪላዊ ማሕበረሰብን ብናይ ብሕቲ ትካላትን ዝድገፍ ትብዓት ዝመልኦ ሓድሽ ምንቅስቓሳት፡ ንፖለቲካ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ብሓድሽ ከሐይሎ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ካብ መከራ ብምምሃር ዝማዕበለ ተጻዋርነት፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ናብቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ዝጀመረቶ ተስፋ ዘለዎ መገዲ ንኽትምለስ ክሕግዛ ይኽእል እዩ።