ትግራይ፡ 'ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብሄራዊ ሓዘን ክእወጅ እዩ' - ጌታቸው ረዳ

Published

ኣብ ትግራይ ነቶም ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሂወቶም ዝሰኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንምዝካር፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን “ብሄራዊ ሓዘን” ከምዝእወጅ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ትማሊ ኣብ ጎቦ ጮምዓ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ዳሜራ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ ዘረባ፡ በዓል መስቀል ብሄራዊ ሓዘን ንምእዋጅ ምድላው ይግበር ኣብዘለወሉ እዋን ይኽበር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“ህዝቢ ትግራይ ህልውናኡ ንምርግጋጽ ኣብ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ህይወቶም ዝኸፈሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቅና ንኽብሮም ብዝምጥን መንገዲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብሄራዊ ሓዘን ክእውጅ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት መርድእ ናይቶም ኣብቲ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን፡ ብሰራዊት ኤርትራን ሚልሻታት ክልላትን ዝተሓገዘ ሰራዊት ኢትዮጵያን ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ዝሞቱ ተዋጋእቲ ትግራይ ንቤተሰቦም ይንገር ከምዘሎ ቢቢሲ ኣቃሊሑ እዩ።

ምንጭታት ቢቢሲ ካብ ትግራይ ከምዝሓበርዎ ብዘይስሩዕን ብዝተወሰነ ድማ ስሩዕ ብዝመስል መንገዲ ዝንገር ዘሎ መርድእ ስዒቡ፡ ኣብ ከተማ መቐለን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ትግራይ፡ ግፍዒ ወይ ኣገወል ተባሂሉ ዝፍለጥ ስነ ስርዓት ካልኣይ ቀብርን ፍትሓትን ብብዝሒ ይካየድ ኣሎ።

እንተዀነ ሰብ መዚ እቲ ክልል መርድእ ብስሩዕ መንገዲ ብዘይምንጋሮምን ብምድንጓዮምን ስድራቤታት ንጭንቀትን ምንግልታዕን ተቓሊዖም ዝብል ወቐሳ ክቐርበሎም ጸኒሑ።

በቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዝነበረ ደማዊ ኲናት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ከምዝሃለቑ ጸብጻበት ይሕብር።

እንተዀነ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ተዋጋእቲ ከምዝሞቱ ዛጊድ ዝገልጽ ሓበሬታ የለን።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ንኽልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ናብ ሰላማዊ ዘተ ክመጹ ዝሰርሐ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከምዝሃለቝ ተዛሪቡ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኣብ ትግራይ ኣንጻራዊ ሰላም'ኳ እንተሰፈነ፡ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ዛጊድ ናብ መረበቶም ኣይተመልሱን።

ድሕሪ ምውላዕ እቲ ኲናት ኣብ ኢድ ሓይልታት ኣምሓራ ዝኣተወ ሰፋሕቲ ግዝኣታት እቲ ክልል'ውን ዛጊድ ናብ ንቡር ክምለስ ኣይከኣለን።

በዚ ድማ፡ ሕጂ'ውን እንተዀነ ኣብቲ ከባቢ ግፍዕታት ይፍጸም ከምዘሎ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ድሕሪ ምጥፍፋኡን ትካላት ረድኤት ዕደላ ምግቢ ብምቍራጾምን ሰባት ከምዝሞቱ'ውን ሰብመዚ እቲ ክልል ይገልጹ።