ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ማሪዮ ድራጊ ዘይተመርጸ መራሒ ናይቲ ጥሙር መንግስቲ ኰይኑ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምግልጋሉ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ተፈሊጡ።

ነዚ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ሰለስተ ሰልፍታት እቲ ጥሙር መንግስቲ ከምዘይድግፍዎን ድምጺ ከምዘይህብዎን ምስ ኣረጋገጸ፡ ንፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ነጊርዎ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀውዒ ምርጫ ክሳዕ ዝግበር መራሒ ኰይኑ ንኽጸንሕ ሓቲትዎ ኣሎ።

መራሒት ሰልፊ የማናዊ ክንፊ እታ ሃገር፡ ጆርጅያ ሜሎኒድሮ ከምእትዕወት ትጽቢት ይግበር።

ነቲ ኣብ 'ዩሮዞን' {ዞባ ኤውሮጳ] ዘጋጠመ ቕልውላው፡ ከም መራሒ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ኰይኑ ዝተጻወቶ ግደ፡ ‘ሱፐር ማሪዮ’ ብዝብል ክጽዋዕ ዝበቕዐ ወዲ 74 ዓመት ማርዮ ድራጊ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ለካቲት እዩ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድን ዓበይቲ ቝጠባዊ ተሃድሶታትን ንኢጣልያን ክመርሕ ሓላፍነት ዝተዋህቦ።

ሚስተር ድራጊ ናብቲ ኲሪናለ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕረዚደንታዊ ቤተ - መንግስቲ ቅድሚ ምእታው፡ ታሕተዋይ ባይቶ ብድሙቕ ጣቕዒት እዩ ተቐቢልዎ።

ንሱ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንንግድን ስድራ ቤታትን ዝኸውን ቍጠባዊ ኣሰራርሓ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ውጥን፡ ብሓደ ካብቶም ኣብቲ ጥምረት ዘለው ሰልፍታት ምስ ተነጸገ እዩ ካብ ስርሑ ክሰናበት ምዃኑ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ማታሬላ ስርሑ ንኽቕጽል ሓቲቱዎ እዩ። ሚስተር ድራጊ ግን ንዝተወሰኑ መዓልትታት ስቕ ድሕሪ ምባል ንላዕለዋይ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ፖለቲካውያን ሰልፍታት ድልዱልን ጥሙርን መንግስቲ ንምድጋፍ ድሉዋት እንተድኣ ኰይኖም ከምዝቕጽል ተዛሪቡ።  "እቶም ሰልፊታትን ንስኻትኩምን ነዚ ዳግም ንምህናጽ ድሉዋት ዲኹም?" ክብል'ውን ሓቲቱ።

ኢጣልያውያን ነቲ መልሲ ክፈልጡ ንዝተወሰነ ሰዓታት ትንፋሶም ሒዞም ተጸብዮም። ኰይኑ ግን ሰለስተ ካብቶም ሰልፍታት ከም ዘይድግፍዎ ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ማታሬላ፡ እቲ መንግስቲ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጕዳያት ንምፍታሕ ኣብ ስልጣን ከም ዝቕጽል ብምግላጽ ንኽልቲኡ ባይቶታት ኣፍሪሱ።

እቲ ቐጻሊ ምርጫ ኣብ መፋርቕ 2023 ክግበር እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ውሽጢ 70 መዓልቲ ምናልባት'ውን 25 መስከረም ክግበር ይኽእል እዩ።

እቶም ካብቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክኸስቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ሊግ የማናዊ ክንፊን ማእከላይ የማን፡ ፎርዛ ኢታልያን ክዀኑ እንከለው፡ ክልቲኦም ኣብቲ ረቡዕ ምሸት ዝተገብረ ምሃብ ድምጺ፡ ንሚስተር ድራጊ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም።

ይዅን እምበር ኣብቲ ምርጫ ዝለዓለ ድምጺ ዝወሃቦ ዘሎ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ‘ብራዘርስ ኦቭ ኢታሊ’ (FdI) እዩ።

መራሒት እቲ ሰለፊ፡ ጆርጅያ ሜሎኒ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ከምእትኽእል ይግመት። ንሳ ኣባል ናይቲ ጥሙር መንግስቲ ኣይነበረትን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ቅልጡፍ ምርጫ ንኽግበር ብተደጋጋሚ ጻውዒት ተቕርብ ነይራ።

"እዛ ሃገር እዚኣ ብኸመይ ክትመሓደርን፡ እንታይ ክትገብርን፡ ከምኡ'ውን እንታይ ዓይነት ስትራተጂ ኢንዱስትሪ ከምዝህልዋ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓሳባት ኣለኒ" ትብል።

ኣብ ኢጣልያን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናዕቢ፡ ኣብ ገሊኡ ሰልፊ ንዝነበሩ ምርኡያት ሰባት ከፋፊልዎም እዩ። ኣባል ፎርዛ ኢታሊያ ዝነበሩ ሚኒስተራት ሬናቶ ብሩኔታን ማሪያስተላ ገልሚኒን፡ ንሚስተር ድራጊ ዕሽሽ ንምባል ዝተገብረ ውሳነ ተቓዊሞም ካብቲ ሰልፊ ወጺኦም እዮም።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ነዚ ቕልውላው እዚ ዘለዓዓለ ምንቅስቓስ፡ ‘ፋይቭ ስታር’ እውን ጕድለት ከም ዝረኣየ ገሊጹ እዩ። ሶቭ ኣሌማኖ ነቲ ሰልፋ ኣፍልጦ ከም ዘይትህብን እቲ ሕጂ ንኢጣልያ ዘጋጥማ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከኣ፡ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘውፍዮ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዎን፣ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ተሃድሶ'ውን ከም ዘሰናኽሎን ገሊጻ እያ።