እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ስእሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተኰሰ ወተሃደር ነበር ተኣሲሩ
ናብ ስእሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤልጂየም ኣሌክሳንደር ዲ ክሮ ዝተኰሰ ቤልጂማዊ ወተሃደር ነበር፡ ብውዲት ግብረ-ራዕዲ ተጠርጢሩ ተኣሲሩ።
እቲ ወተሃደር ነበር ናብ ስእሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እናተኰሰ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ኣብ ኖርወይ ተኣሲሩ።
እቲ ሳም ኤች ብዝብል ዝፍለጥ ውልቀሰብ፡ ቅድሚ ሕዚ ወተሃደር ከም ዝነበረ ተገሊፁ ኣሎ።
ሳም፡ ኣብ መሰነይታ ፅሑፍ እቲ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ መንግስቲ ቤልጂየም ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ። እንድሕር እዚ ዘይኮይኑ ግና “ደም ምፍሳስ ክህሉ እዩ” ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሌክሳንደር ዲ ክሮ ግና፡ ወጢንዎ ዝነበረ መገሻ ብሰንኪ እዚ ፍፃመ እንተዘየወንዘፈ፡ ፖሊስ ንገዛ እቲ ጥርጡር ፈቲሹ።
ሚኒስተር ምክልኻል ቤልጂየም ሉድቪኒ ዴድንድር፡ እቲ ወዲ 29 ዓመት ወተሃደር ነበር፡ ምስ ጉጅለ ገበን ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ስለዝተኣመነ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምዝተሰጐገን ክትትል ክግበረሉ ከም ዝፀንሐን ገሊፁ።
ወተሃደራዊ መለለይ መንነት ሳም፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2022 ከም ዝተሰረዘ ድማ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ዝተዘርግሐ ፀረ-መንግስቲ ዝኾነ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ኖርወይ ከምዘሎን “ንክነብር ከም ዝወሰነን” ክዛረብ ይስማዕ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሌክሳንደር ዲ ክሮ ኣብ ከባቢ ፔፒንስተር ዑደት ኣብ ዘካይደሉ እዋን’ዩ፡ እዚ መጠንቀቕታ ተዘርጊሑ።
ዲ ክሮ፡ “ኣነ ንናይ ደሕንነት ሰራሕተኛታትና እየ ዝሰምዕ። ብመሰረት ዝገበርዎ ምርመራ ዋላ ሓደ ዘስግእ ከምዘየለን ክሻቐል ወይ ክሕባእ ከምዘይብለይን’ዮም ተዛሪቦም” ኢሉ።
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ቤልጂየም ዝነበሩ ከምዚ ዓይነት ተግባር እንትፍፅሙ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።
ኣብ 2021 እውን ሓደ ጁርገን ኮኒንግስ ዝተብሃለ ሕሉፍ የማናዊ ወተሃደር፡ ብከቢድ ተዓጢቑ ካብ ድፋዕ ብምህዳሙ ከቢድ ስግኣት ኮይኑ ከም ዝነበረ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ይሕብራ።
ፖሊስ ንጫካ ሊምበርግ ዒላማ ብምግባር ወፍሪ ከካይድ እንከሎ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሬሳ ጁርገን ኮኒንግስ ተረኺቡ። እቲ ወተሃደር ነበር ብሽጉጥ ርእሰቅትለት ከምዝፈፀመ ድማ ተረጋጊፁ።