እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርማሪ ኮሚሽን፡ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጲያ ንመላእ ‘ቲ ዞባ ከየናውጽ ስግኣቱ ገሊጹ
ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ መርማሪ ኮሚሽን፡ እዚ ዳግማይ ተባሪዑ ዘሎ ኲናት፡ ንመላእ’ቲ ዞባ ከናውጽ ከም ዝኽእል ሻቕሎቱ ገሊጹ።
እቲ ስግኣት፡ ኣብኡ ደረጃ ከይበጽሐ ንምክልኻሉ ዘኽእል ኣድላይ ስጕምቲ ብህጹጽ ክውሰድ ድማ ጸዊዑ።
እቲ መርማሪ ኮሚሽን፡ ትማሊ ረቡዕ 7 መስከረም [02 ጳጕሜን -2014] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሕነት ዜጋታት ክረጋገጽን፡ እቲ ግጭት ኣስፋሕፊሑ፡ ንመላእ 'ቲ ዞባ ከይሕምስን፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብመሰረት ቻርተሩ ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስድ ኣተሓሳሲቡ ።
እቲ ኲናት፡ ናብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ክልሕም ከም ዝኽእል ድማ ስክፍታኡ ገሊጹ።
እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ፡ እቲ ኲናት ንዘስዕቦ ሓደጋ ተገንዚቡ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጲያ ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ምጽውዑ ከም ሓደ ጽቡቕ ተበግሶ ከም ዝቕበሎ ድማ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ኵነታት ብመንጽር ኣጻዊድዎ ዘሎ ስግኣትን ሓደጋን፡ ባይቶ ጸጥታ፡ ጉዳይ ኢትዮጲያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ቀንዲ ኣጀንዳኡ ገይሩ ክቕጽለሉ እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከም ብሓድሽ ዝተላዕለ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ዝገለጸ እቲ ኮሚሽን፡ "ወተሃደራት ኤርትራ ኣብዚ ኲናት ይሳተፉ ኣለዉ" ኢሉ።
ኣተሓሒዙ፡ ኵሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኲናት ደው ኣቢሎም፡ መትከላት ዓለምለኸ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን፡ ናብ መኣዲ ዘተ ክምለሱን ደጊሙ ጸዊዑ።
እቲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዝሓለፈ ነሓሰ ከም ዝጀመረን ኣብዚ እዋን ኣብ ኵሉ ግንባራት ትግራይ ልሒሙ ከምዘሎን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብግንባራት ራማ፡ ጾሮና፡ ዛላምበሳን ዳሉልን መጥቃዕቲ ከም ዝኸፍተሎም ኣመልኪቱ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ ሓበሬታኡ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ መዓልቲ ብኸቢድ ብረት ንከተማ ዓዲግራት ክድብድብ ከም ዝወዓለ'ውን ጠቒሱ።
ነዚ ዝምልከት ብወገን ኤርትራ ዝዀነ ዝተባህለ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኲናት ምስ ሱዳን ናብ ዘዳውብ ምዕራባዊ ከባቢ ከይተረፈ ኣስፊሖምዎ ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።
ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ሓደስቲ ግንባራት ዝኸፍቱ ዘለው፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ከባቢ ቆቦ ዝተለምዎ ውጥን ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለዘይሰለጦም'ዩ፡ ኢሉ።
እዚ ዳግም ዝተባርዐ ኲናት መን ጀመሮ ኣብ ዝብል ጕዳይ ሓደ ነቲ ኻልእ ክካሰሱ እንከለዉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ፡ ዝተፈላለያ ዓለምለኸ ትካላትን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ክልቲኦም ወገናት ግጭት ደው ኣቢሎም ናብ ድርድር ከምርሑ ጻውዒት የቕርቡ ኣለው።
በዚ ክልተ ሰሙን ኰይንዎ ዘሎ ሓድሽ ኲናት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ሰሜን ወሎ እትርከብ ከተማ ቆቦ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ክትኣቱ እንከላ፡ ኣብ ካልኦት ግንባራት ኲናት ይቕጽል ምህላው ይንገር።
ኣብ ሕዳር 2020፡ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምስፍሕፋሕ፡ ጠንቂ ሞት ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ምምዝባል ሚልዮናትን ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኰይኑ እዩ።
ብኽልቲኦም ወገናት ስምምዕ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምግባሩ፡ እቲ ኵነታት ንዝሓለፈ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ’ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ትግራይ ሕጽረት መግብን ነዳድን፡ ከምኡ’ውን ዝተቛረጸ ኣገልግሎታት ተሌፎን፡ መብራህቲ፡ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ክፍትሑ ብዘይምኽኣሎም፡ እቲ ህዝቢ ንዝኸፍአ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝተቓልዐ፡ ነበርትን ትካላት ረዲኤትን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ኲናት ብሰላማዊ ዘተ መዕለቢ ምእንቲ ክረክብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ኣህጕራውያን ትካላትን ጻዕሪ ክገብሩ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ንዘተ ድሉዋት ምዃኖምን፡ በብወገኖም ተዛተይቲ ኮሚተ ምቛሞምን ምግላጾም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምጅማር እዚ ናይ ሕዚ ኲናት ግን፡ ነቲ ሰላማዊ መስርሕ ዘተ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ’ሎ።