ፓውንድ ብመንጽር ዶላር ዋጋኡ የንቈልቍል ከምዘሎ ተገሊጹ

Published

ፓውንድ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተገብረ ገዚፍ ምጕዳል ግብሪ ዝተፈጥረ ኵነታት ዕዳጋ፡ ዋጋኡ ብመንጽር ዶላር ኣሜሪካ ከም ዝነከየ ተገሊጹ።

ኣብ ፈለማ ንግዲ ኤስያ፡ ስተርሊንግ ብልዕሊ 4 ሚእታዊት ብምውራድ ናብ 1.04 ዶላር በጺሑ፤ ሰኑይ ንግሆ ከኣ ቅሩብ ዋጋኡ ክብ ብምባል ናብ 1.05 ዶላር በጺሑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ።

እዚ ዝዀነሉ ቻንስለር ብሪጣንያ ክዋሲ ክዋርተንግ ለቓሕ ኣመና ክዓርግ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝግመተሉ ዘሎ እዋን፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ርእሲ'ቲ 45 ቢልዮን ፓውንድ ፓኬጅ፡ ተወሳኺ ምጕዳል ግብሪ ቃል ድሕሪ ምእታዉ እዩ።

ማእከላይ ባንክ ኣሜሪካ ወለድ ብምውሳኹ ዓቕሚ ዶላር ክውስኽን ፓውንድ ኣብ ጸቕጢ ክጸንሕን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ኣውፈርቲ፡ ምስ ምእታው ሓጋይ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ኣብ ዝሻቐሉሉን ቅልውላው ጸዓትን ወይ ኲናት ዩክረይን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋንን፡ ዩሮ’ውን ኣንጻር ዶላር ድሕሪ 20 ዓመታት ዝወሓደ መጠን ከም ዘመዝገበ ይፍለጥ።

ሓደ ካብ መስረቲ ‘ዌልቲ’ ዝተበሃለ ኣውፋሪ ትካል ዝዀነ ፒተር ኤስኮ፡ "ኵሎም ባጤራታት ኣንጻር ዶላር ኣሜሪካ ዓቕሞም ይወርድ ኣሎ። ስለዚ ሓይሊ ዶላር ኣሜሪካ ይረኣይ ኣሎ። ምስ ፓውንድ ግን፡ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ግብሪ ክቘርጽ እዩ፤ እዚ ድማ ዝቕባበ ዘኸትል’ዩ ብዝብል ዜና እዩ ተጋዲዱ፡” ይብል።

"ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ድጐማ ጸዓትን ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዛዕባ ምውሳኽ ዋጋታት ህጹጽ ኣኼባ ከድልዮ ይኽእል እዩ ዝብል ዜናን ተወሲኽዎ፡ ዝፈጠሮ ናይ ስንባደ ስምዒት'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ገለ ኣውፈርቲ፡ ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ምውራድ ፓውንድ ደው ንምባል ህጹጽ ስጕምቲ ክወስድ ክግደድ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ኣብ ኤስፒኣይ ኣሴት ማነጅመንት መሻርኽቲ ስቲቨን ኢነስ፡ "እቲ ጸገም ዋላ ንግዚኡ ደው ንምባል፡ ባንክ እንግሊዝ ዝቕባብ ንምቁጽጻር ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ። ኣብ ዕዳጋ ተኣማንነት ንምርካብ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ህጹጽ ኣኼባ ወሰኽ መጠን ክካየድ ይኽእል'ዩ። ዋላ’ውን ሎም መዓልቲ ወሰኽ ዋጋ ክንርኢ ንኽእል ኢና”  ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ፓውንድ ከምዚ'ሉ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ እንተቐጺሉ፡ እቶም ብዶላር ተዓዲጐም ዝኣትዉ ከም ነዳዲን ጋዝን ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ነገራት ዋጋኦም ክኸብር እዩ። ናብ ኣሜሪካ ዝገሹ በጻሕቲ ድማ፡ እቲ ዝሕዝዎ ገንዘብ ከምቲ ቅድሚ ምውዳቕ ስተርሊን ዝነበረ ዘይክኣኽሎም ይኽእል።

ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣውሮጳ - ድሒሩ ድማ ሰኑይ - ኣሜሪካ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ኣብ ዝኽፈቱሉ እዋን፡ ኣውፈርቲ ምንቅስቓስ ፓውንድ ብቐረባ ክከታተልዎ እዮም።