እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ቅልውላው ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጸቕጢ ይሕይል
ላዕለወይቲ ሚኒስተር (ጸሓፊት) ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ስወላ ብሬቨርማን፡ ኣብ ማእከል ስደተኛታት ኬንት እናኸፍአ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ስደተኛታት መልሲ ክትህብ ጸቕጢ ክግበረላ ጸኒሑዩ።
ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዶቨር ኣብ ዝርከብ ካልእ መጽለሊ ስደተኛታት ዘጋጠመ ሂወት 2 ሰባት ድሕሪ ምቑሳሎም ኣማኢት ስደተኛታት ናብቲ ማእከል ከምዝግዕዙ ተገይሩ ኣሎ።
ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ድሒሩ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ፖሊስ ገሊጾም።
ሚኒስተር ኢሚግረሽን ሮበርት ጀንሪክን ሓላፊ ላዕለዋይ ባይቶ ሰር ሮጀር ገይልን፡ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ብዛዕባ መፍትሒኡ ንምዝታይን ብሰንበት ናብ ማንስቶን ማእከል መጻረዪ ስደተኛታት ድሕሪ ምብጻሕ፡ ሰር ገይል ስደተኛታት ናብ ሆቴላት ናይ ምውሳድ እምቢታ ናይታ ላዕለወይቲ ሚኒስተር ዘለዎ ቅሬታ ብምግላጽ፡ እቲ ሕንፍሽፍሽ ብሰንኪ ግጉይ ውሳነኣ ከምዝሰዓበ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንኵነታት እቶም ኣብ ማንቶን ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ዓሰርተታት ትካላት ሰባኣዊ መሰላት ‘ሓላይን ኣድማዕን መስርሕ” ክትግበር ይጽውዑ ኣለዉ። ከም 'ክርስትያን አይድ' (Christian Aid)፡ ከምኡ'ውን 'ሰይቭ ዘ ችልድረን' (Save the Children) ዝበላ ማሕበራት ግብረሰናይ ድማ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሃጓፍ ሓትተቲ ዕቝባ ንምቕያስ፣ ብብዙሓት ትካላት ግብረሰናይ እተፈረመ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ መሰል ስደተኛታት ከኽብሩ፡ ውሑስ መዋጾኦ ክፈጥሩን ጉዳይ ስደተኛታት ብሚዛናዊ ኣገባብ ክስማዕን ዘገድድ ቅሉዕ ደብዳቤ ሰዲደን ኣለዋ።
እታ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ነቲ ኣብ ማንስቶን ማእከል ስደተኛታት ብዛዕባ ዘሎ ኵነታት ንባይቶ ከተፍልጥ ዝጽውዕ ጠለብ ካብ ላዕለዋይ ባይቶን ካሎኦትን ይቐርበላ ብምህላዉ፡ ሎሚ መልሲ ሂባ ኣላ ።
ኣብቲ ኣብ ወስትሚኒስተር ዝተኻየደ ርሱን ክትዕ፡ ሱወላ ብሬቨርማን ነቲ ኣብ ማንስተን ዘጋጠመ ዕልቅልቕ ንምፍዃስ ስደተኛታት ናብ ሆቴል ከይከዱ ዓጊታ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ።
ይኹን እንበር፡ ነቲ ኣናወሰኸ ዝመጸ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝኣክል ሰፊሕ መዕቆቢ ከተዳሉ ዝቐረበላ ሕጋዊ ምኽሪ ዕሽሽ ከም ዝበለቶ ብምጥቃስ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣማራጺታት መዕቆቢ ከዳሉ ብዘይምኽኣሉ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦ ምንጭታትና ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ንሳ ዝኮነ ይኹን ሕጋዊ ምኽሪ ከምዘይነጸገት፡ እኳ ደኣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራኣ 30 ሓደስቲ ሆቴላት ስደተኛታት ክጥቀሙ ከም ዝተሰማምዐትን ኣማራጺታት ንምርካብን ኣጸቢቓ ከም ዝጸዐረትን ትገልጽ።
ነቲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታትን ንዘሎ ዝተሰባበረ መስርሕን፡ ምስ ሰበስልጣን ፈረንሳ ብምዕያያን ንገለ ካብቶም ሓተቲ ዕቁባ ናብ ሩዋንዳ ብምምላስ ከም እተዕርዮን'ውን ቃል ኣት. ነቲ ብመትረብ ዝመጸእ ስደተኛ ልጓም ከምትገብረሉን ገለ ገለ ፖሊሲታታ ድማ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዘሎ “ወራር” ዝበለቶ ዝገትእ ምዃኑን ተዛሪባ።
ይኹን እምበር ሰልፊ ዕዮ ነቲ ዝሃበቶ ምላሽ ብምኹናን፡ንመዝነታ ኣይብቕዕትን እያ ኢሉ ክኸስስ እንከሎ፣ ሓላፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ዮቨት ኮፐር ብግዲኣ ኣብ ትሕቲ ብሬቨርማን፡ ውሳነ ምሃብ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክፍሊ የለን ክትብል ብምኽሳስ፡ ከመይ ገይሩ ዝኮነ ሰብ ደጊሙ ባኣኣን ውሳኔታታን ክተኣማመን ይኸእል ኢላ።
እታ ሚኒስተር ንዋሕዚ ስደተኛታት "ወራር" ክትብል ምግላጻ'ውን ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡላ'ሎ። ኣቐዲማ፡ ንሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክትወስድ ድሌት ክቱር ድሌት ኣለዋ ተባሂላ ክትንቀፍ ጸኒሓያ።
ማንስተን፡ነቲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ጌሮም ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ እንዳዓበየ ዝመጸ ዋሕዚ ስደተንኛታት ከም መፈተሺ ነቑጣ፡ ን24 ሰዓት መጽንሒ ተባሂሉ ኣብ ኣብ ለካቲት 2022 ዝተከፍተ እዩ። ኩሉ መስርሕ ምዝገባን ምጽራይን ምስ ወዱኡ ድማ ናብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ማለት ሆቴል ይግዕዙ።
ግናኸ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መርማሪ ጉዳይ ዶብን ስደተኛታትን ደቪድ ኒል ኣብቲ ቦታ ክበጽሕ ምስ ከደ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ መንጸፍ ክድቅሱ ዝቐነዩ ሰባት ረኺቡ። ንሱ ነቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታት ምስ ረኣየ ዝዛረቦ ጠፊእዎ ከም ዝተዓነደ ክገልጽ እንከሎ፡ ሰር ሮጀር ብወገኑ እቲ ግዝያዊ ን1600 ሰብ ተባሂሉ እተሰርሐ ሓይሊ ኣየር ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝነበረ ሎሚ 4000 ስደተኛታት ኣዕቊቡ ከምዘሎ ኣቃሊዑ።
ሰነ ብዝተገብረ ተፍትሽ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣተሓሕዛን ምሕደራን ሓደስቲ ስደተኛታት ብተዛማዲ ከምዝተመሓየሸን ብፕሮፈሽናል ኣገባብ ከም ዝካየድን ግናኸ ዋሕዲ ዓራት፣ ማዓጹኦም ብግቡእ ዘይሰርሕ ዓይኒ ምድሪታት፡ ጽሩይ ኣየር ዝኣትወሎም መሳኹቲ ዘይምህላዎምን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘዘውትርሉ እኹል ቦታን ዝኣመሰሉ ጸገማትን፡ ቀረብ ተርጎምቲ ኩሉ ግዜ ዘየለ ምስ ምዃኑ ግና ዓቢ ስጋኣት ከምዘለዎም ኣረዲኡ።
ጋዜጣ ዘጋርድያን እውን 8 ሰባት ዲፍተርያ ብዝበሃል ተመሓላላፊ ሕማም ጐረሮ ከም እተለኽፉ ኣቃሊሑ።
እቲ ተቖጻጻሪ ኣብያተ-ማእሰርቲ (ኢንስፐክተር) ቻርሊ ታይለር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ተኾናተርትን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብምስራሕ ህጹጽ ፍታሕ ከምጽኡ ተላብዩ።
ብሪጣንያ፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ንናይ ሆቴላት ወጻኢታት መዓልታዊ ከባቢ 7 ሚልዮን ዩሮ ተውጽእ።
በቲ ካብ ፈረንሳ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ዛጊት ኣብዚ ዓመት እዚ 39,430 ሰባት ኣትዮም ኣለው። እቲ መንግስቲ ንዋሕዚ ስደተኛታትን ኣሰጋገርቲን ይቈጻጸሮም ኣለኹ’ኳ እንተበለ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2022 ጥራይ 63,089 ሰባት ዑቕባ ከምዝሓተቱ፣ እዚ ድማ ካብ 2019 ካብ ዝተመዝገበ ብ77 ሚእታዊት ከም ዝዛየደ ወሲኹ ገሊጹ።
“ምስ ፈረንሳ ኣብ ከባቢ መሰጋግሪ መትረብ ዘተኮረ ሓድሽ ስምምዕ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ኣብቲ ቦታ ገበናት ከም ዝበዝሑ ርኢና ኣለና። መንግስትውን ነቲ ዘሎ ኣካይዳ ምሉእ ብምሉእ ክተዓራርዮ ኣለዎ።’ ክትብል ኣብ ሰልፊ ዕዮ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዩቨት ኮፐር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ተዛሪባ።
ኣፈኛ ክፍሎ ውሽጣዊ ጉዳያት እውን፡ “ብሪጣንያ ኣብ መሰል ሕጋውያን ስደተኛታት ምትግባርን ምውሓስን ኣዝዩ ዘሐብን ታሪኽ ኣለዋ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜውን ካብ ሆንግኮንግ፡ ኣፍጋኒስታንን ዩክረይንን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሓንጐፋይ ኢላ ተቐቢላ እያ።
"ንዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእን፡ መስመራት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ በቲኽና ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ክነብሩ መሰል ዘይብሎም ናብ ርዋንዳ ንምምላስን ግን ብዘለና ዓቕሚ ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።
ብሬቨርማን፡ ኣብ ጉዳይ’ቲ ብ19 ጥቅምቲ ከም ኣባል ካቢነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊዝ ትራስ ስልጣና ክትለቅቕ ዘገደደን ጸጥታዊ ሃጓፋት፡ ኣባላት ሰልፊ ዕዮ እውን ጸቕጢ ከገብሩላ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ንሳ፡ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ዳግማይ ዝተሸመት ኰይና፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ጉድለት ከም ዝነበረ ተቐቢላ እያ” ብምባል ተኸላኺሉላ ኣሎ።