እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣሜሪካ፡ንባይደንን ትራምፕን ዝቐደወት 'ዓባይ ሰሉስ' ንሄሊ ካብ ውድድር ተወጽእ
ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝሳተፉ ቀንዲ ሕጹያት ምዃኖም ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልቲአን ሰልፍታት መጻረዪ መረጻታት ኣረጋጊጾም።
ኣብ ፓለቲካዊ ዓወደ-ኣዋርሕ ኣሜሪካ "ዓባይ ሰሉስ" (‘ሱፐር ቲዩስዴይ’ ተባሂላ እትፍላጥ እዛ ዕለት፡ ኣብ ዝበዝሓ ክፍለሃገራት ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንምሕራይ ዝካየድ 'ፕራይመሪ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መረጻ ዝካየደላ እያ።
ብወገን ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ 15 ክፍለሃገራት፡ ብወገን ሰልፊ ደሞክራሲ ድማ ኣብ 16 ክፍለሃገራት መጻረዪ መረጻ ተኻይዱ።
ትራምፕ ኣብ 14 ካብአን ክዕወት እንከሎ፡ እታ እንኮ መቐናቕንቱ ዝኾነት ሄሊ ድማ ድሕሪ'ቲ ገፊሕ ስዕረት ሎሚ ካብ ውድድር ከምእትወጽእ ተፈሊጡ'ሎ። ኒኪ ሄሊ ኣብቲ ናይ ሰሉስ ውድድር ኣብ ንእሽቶ ክፍለሃገር ቨርሞንት ጥራይ'ያ ተዓዊታ።
ሓደ ካብ ተነሓናሕቲ እቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረጻ ኰይኑ ቀሪቡ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓጎሶም ክገልጹ ንዝተኣከቡ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኣሜሪካ “ናብቲ ሕሉፍ ክብራ ክንመልሳ ኢና” ክብል ተሰሚዑ።
ትራምፕ፡ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝብሃል ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ፡ “እታ እንጽበያ መዓልቲ ቀሪባ እያ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ 2016 ናብ ስልጣን ዝደየበ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጆ ባይደን ምስዓሩ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዋሕጠሉ'ዩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንካልኣይ እብረ ስልጣን ክወዳደር ተመሊሱ ዘሎ።
እቲ እንኮ ሕጹይ ሰልፊ ደሞክራሲ ከምዝኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ባይደን ኣብቲ ቅድመ-መረጻ ዘድልዮ እኹል ድምጺ ክረክብ ትጽቢት ይግበር።
ዋላ'ኳ ዕድሚኦም ኣቓልቦ ብዙሓት ደገፍቶምን ጸላእቶምን ዝሰሓበ እንተኾነ፡ እዞም ወዲ 77 (ትራመፕ) ከምኡ'ውን ወዲ 81 (ባይደን) ዝኮኑ ሽማገለታት ዳግማይ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ንመንበረ ስልጣን ዋይት ሃውስ ፖለቲካዊ ቅልስ ክገጥሙ'ዮም።
ክልቲኦም ፖለቲከኛታት እቲ መረጻ ንህላወ እታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ይዛረቡ።
እቲ መረጻ ግን፡ ከምቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዘጋጠመ ናዕብን ዕግርግን ዘሰነዮ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ክሳብ ሕጂ ዝተኣከቡ ርኢይቶታት ህዝቢ፡ ብርክት ዝበሉ ኣሜሪካውያን ዳግም ንባይደንን ትራምፕን ክመርጹ ኣይደልዩን፤ ግን ክኣ ካልእ ምርጫ ዘለዎም ኣይመስልን።
ክልቲኦም ሰብ ጸጋ ዕድመ ፖለቲከኛታት ቅድሚ እቲ ዓብዪ መረጻ ፍቓድ ዝውክልዎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምርካብ ዘኽእሎም ድምጺ፡ ካብዚ ቅድመ-መረጻ (ፕራይመሪ) እዮም ክእክቡዎ ዝኽእሉ።
ኣብ ሕሉፍ ዓብዪ ትጽቢት ዝነበሮ ‘ሱፐር-ቲዩስዴይ’ ግን ሎሚ ሃሲሱ’ዩ ዘሎ።
መሓዛ ቢቢሲ ዝዀነ ትካል ሚዲያ ሲቢኤስ ትራምፕ፡ ኣብ ግዝኣታት ኣላባማ፣ ኣርካንሳ፣ ካሊፎርኒያ፣ ኮሎራዶ፣ ሜይን፣ ማሳቹሴትስ፣ ኖርዝ ካሮላይና፣ ኦክላሆማ፣ ቴኔሲ፣ ቴክሳስን ቨርጂኒያን ከም ዝዕወት ትጽቢት ይግበር ይብል።
ባይደን’ውን፡ ኣብዘን ግዝኣታት ሓዊሱ ኣብ ዩታን ቬርሞንትን ክዕወት’ዩ ተባሂሉ ይእመን።
ክልቲኦም ተነሓናሕቲ፡ ንሓድሕዶም ስግኣት ኣሜሪካ እናተበሃሃሉ ይካሰሱ።
ትራምፕ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባታት፡ “ኣብዚ መረጻ እንተተሳዒርና ሃገር ኣይክትህልወናን” ይብል።
ፕሬዝደንት ባይደን ብወገኑ፡ መቐናቕንቱ ንሃገሩ ካብ ዘለዎ ሓሳብ ንላዕሊ “ብቑጥዐን ምትላልን” ዝመርሕ ሰብ’ዩ ክብል ንትራምፕ ይነቅፍ።
“ንቕድሚት ክንስጉም ንደሊ ዲና? ወይ ትራምፕ ናብ ድሕሪት ክመልሰና’ዩ ድልየትና? ናብ ዕግርግር፣ ምክፍፋልን ናይ ጸልማት ግዜን ክንምለስ ንደሊ ዲና?” ኢሉ።
ትራምፕ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርአ ዋሕዚ ስደተኛታት ብምልዓል ደገፍቱ ድምጺ ክህቡዎ ሓቲቱ።
ኣብቲ ናይ መጻረዪ መረጻ፡ ክሳብ መወዳእታ ተነሓናሒት ትራምፕ ኰይና ዝመጽአት ኣባል ሪፐብሊካን ኒኪ ሄሊ ኣብ ግዝኣት ቬርሞንት'ኳ እንተ ተዓወተት ካብ መድረኽ ውድድር ከትወጽእ ተገዲዳ'ላ። ሄሊ ኣቐዲማ'ውን ኣብ ርእሰከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ተዓዊታ ነይራ።
እታ ኣብ ሓደ እዋን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ብትራም ዝተሸመት ኒኪ ሄሊ፡ ኣብታ ኣመሓዳሪት ኮይና ዘገልገለትላ ክፍለ ሃገር ሳውዝ ካሮሊና'ውን ክትዕወት ኣይክኣለትን።
ባይደን ድማ፡ ኣብ ኣሜሪካን ሳሞዋ ብዙሕ ብዘይፍለጥ ፖለቲከኛ ጄሰን ፖልመር ተሳዒሩ።
ፕሬዝደንት ባይደን፡ ብፍላይ ብምኽንያት ኲናት እስራኤልን ቓዛን ኣብ ገለ ግዝኣታት ክረኽቦ ካብ ዝግባእ ድምጺ ንታሕቲ’ዩ ዝረክብ ዘሎ።