ትራምፕ ኣብ ፕረዚንደታዊ ምርጫ ክሳተፍ ከምዝኽእል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ወሲኑ

Published

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝኾነት ክፍለሃገር ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳተፍ ከምዝኽእል በዪኑ።

እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ፡ ክፍለሃገር ኮሎራዶ ብጉዳይ ናዕቢ ካፒቶል 6 ጥሪ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ክፍለግዝኣት ንምርጫ ከይቀርብ ንዘሕለፈቶ ውሳነ ዝስርዝ'ዩ።

ብ6 ጥሪ 2020፥ ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ሕዳር 2019 ዝተኻየ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተሳዕረ ተራምፕ ኣብ ዘካየድዎ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ኮንግረስ ኣመሪካ (ካፒቶል) መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን፡ ገለ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያለ ከምዝቖሰሉን ይዝከር።

ብሰንኪ'ዚ ሰብመዚ ኮሎራዶ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብታ ክፍለሃገር ኣብ ዝግበር ምርጫ ከም ሕጹይ ተወዳዳራይ ከይሳተፍ ዘቕረብዎ ጠለብ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኮሎራዶ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ትራምፕ ናብቲ ኣብ ርእሰከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝርከብ ዝለዓለ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ይግባይ ኢሉ።

በቲ ውሳነ ዝተሓጎሰ ትራምፕ፡ "ዓቢ ዓወት ንኣመሪካ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ብህዝቢ ዝተመረጹ ከም ፕረዚደንት ዝበሉ ሰብመዚ ብክፍለሃገራት ዘይኮነስ ብኮንግረስ ጥራይ ከምዝእገዱ ዝገልጽ'ዩ።

እቲ ብዪን፡ ትራምፕ ኣብ ዝኾነት ክፍለሃገር ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ክወዳደር ንዝዕንቅፎ ሕጋዊ መሰናኽላት ኣልይዎ ኣሎ። ውሳነ ኮሎራዶ እንተዝዕወት፡ ኣብ ሓያለ ካልኦት ክፍለሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ተኽእሎ ምንባሩ ንትራምፕ ዓቢ ሓደጋ'ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ብ"ሕሩያት መራጾ" (ኢለክቶራል ኮለጅ) ዝውሰን ኮይኑ፡ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ኩሎም ድምጽታት ክፍለሃገራት ዝወስደሉ ስርዓተ-ምርጫ እዩ።

እቶም 9 ዳያኑ እቲ ቤትፍርዲ፡ ብሓደ ድምጺ ነቲ ብዪን ከሕልፉ ምስምምዖም'ውን ንኣገዳስነት እቲ ውሳነ ዓቢ ሚዛን ሂብዎ'ሎ።

እቶም ንምሉእ ዕድሚኦም ዝምዘዙ ደያኑ ናይቲ ቤትፍርዲ፡ ብፐረዚደንት ዝሕረዩ ብምዃኖም፡ ዓቃባውያንን ሊበራላውያንን ከምዝኾኑ ይንገረሎም።

ካብዞም ዘለዉ ደያኑ፡ ሰለስተ ገስገስቲ፡ ዶንያ ሶቶማዮር፡ ኢለና ኬጋን፡ ከምኡ'ውን ኬታንጂ ብራውን ጃክሰንን'ዮም ደሞክራስያውያን ፕረዚደንታት ተረቚሖም።

ብዕድመ ምድፋእ ወይ ሞት ካብ መንበረ ፍርዲ ምስዝእለዩ ጥራይ ስለዝትክኡ፡ ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ እታ ሃገር ዳኛ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ምምዛዝ ሳሕቲ ዘጋጥሞም ዓቢ ፖለቲካዊ ዕድል'ዩ ዝቑጸር።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መቐናቕንቲ ትራምፕ ዝኾነት ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ሪፓብሊካን ኒኪ ሄሊ፡ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ሲዲ ዝተኻየደ መባእታዊ መረጻ ሪፓብሊካን ንዶናልድ ትራምፕ ስዒራቶ።

እዚ፡ ሄሊ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ኣብ መረጻ 2024 ንምዃን ኣብ ልዕሊ’ቲ ቀንዲ መነሓንሕታ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ዝረኸበቶ ናይ መጀመርታ ዓወት እዩ።

እንተኾነ ግን እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ቤትፍርዲ ኣብቲ ጽባሕ ዝካየድ "ዓባይ ሰሉስ" (ሱፐር ትዩስደይ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ሓያለ ክፍለሃገራት ዝካየድ ናይ ምድማጽ መስርሕ ትራምፕ ነቲ ዛጊት ረኺብዎ ዘሎ ደገፍ ዝድምድም ዓወት ክጓናጸፍ ዕድል ፈጢሩሉ ኣሎ።

ክረምቲ ከይኣተወ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ሰልፊ ሪፓብሊካን ምዃኑ እንተ ኣረጋጊጹ ድማ፡ ኣድህቦኡ ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዘሎ ጆ ባይደን ከነጻጽር ትጽቢት ይግበረሉ።

ሄሊ ግን፡ ዋላ'ኳ ኣብቶም ዛጊት ዝተኻየዱ መረጻታት ብገፊሕ ክትስዓር እንተጸንሐት፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ሜዳ ውድድር ክትቅጽል ምዃና'ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ምናልባት፡ ትራምፕ ብውሳነ ቤትፍርዲ እንተ ተኣጊዱ ዝብል ትጽቢት እንተነይሩዋ ግን ድሕሪ ናይ ሎሚ ፍርዲ ንውሳኔኣ ክትቅይሮ ከምእትኽእል'ዩ ዝግመት።

ኣብ 2016 ናብ ስልጣን ዝደየበ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጆ ባይደን ምስዓሩ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዋሕጠሉ'ዩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንካልኣይ እብረ ስልጣን ክወዳደር ተመሊሱ ዘሎ።

ዋላ'ኳ ዕድሚኦም ኣቓልቦ ብዙሓት ደገፍቶምን ጸላእቶምን ዝሰሓበ እንተኾነ፡ እዞም ዓበይቲ ዓዲ ዳግማይ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ንመንበረ ስልጣን ዋይት ሃውስ ፖለቲካዊ ቅልስ ክገጥሙ'ዮም።

ወዲ 81 ኮይኑ ዘሎ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ድሮ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ'ሎ። እንደገና እንተ ተመሪጹን ካልኣይ እብረ ብህይወት እንተወዲኡን ድማ ወዲ 86 ምስኮነ'ዩ ካብ ስልጣን ክሰናበት።

ወዲ 77 ትራምፕ ብወገኑ፡ ዕድመ ወሳኒ ኣይኮነን ዝብል ምጉት'ኳ እንተቕረበ፡ ባይደን ግን ኣኽፊኡ ብምባል'ዩ ንብቕዓት መቐናቕንቱ ከነኣእስ ዝስማዕ።

ትራምፕ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ጉዳይ መረጻ ሕጋዊ ዓወት እንተረኸበ፡ ብሓያለ ካልኦት ክስታት ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለስ ምህላዉ ይፍለጥ።