ናትናኤል ተስፋጽዮን ፍልይቲ ማልያ ተሸሊሙ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስ ኢጣልያዊት ክለብ ፈሪሙ

ናትናኤል ተስፋዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን
Published

ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2022 ናትናኤል ተስፋዮን ኣብቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክካየድ ዝቐነየን ትማሊ ዝተዛዘመን ዙር ኣልፐስ ብዘርኣዮ ብቕዓት ፍልይቲ ማልያ ተሸሊሙ።

ኣብቲ ብተረርቲ ዓቐበታት ዝተዓብለለ ሓሙሽተ መድረኻት ዝነበሮ ዙር ኣልፐስ ምስ ጋንትኡ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጆካቶሊ ኮይኑ ውድድር ከካይድ ዝቐነየ ናትናኤል፡ ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ፡ ካብቲ ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ፈረንሳዊ ሮማይን ባርደት ብ8 ደቒቕን 13 ካልኢት ድሒሩ መበል 22 ኮይኑ'ኳ ውድድሩ እንተዛዘመ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብዘርኣዮ ህልከ'ዩ ክዕወት ክኢሉ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ ዙር ኣልፕስ ከርእዮ ብዝቐነየ ብሉጽ ተወዳዳርነት (most aggressive rider)፡ ንዝኽሪ ገዲም ተቐዳዳማይን ኣብ ውድድር ኣልፐስ ኣብ 2017 ብሓደጋ መኪና ዝሞተ ሚሸል ስክራፖኒ እትዳሎ ብጫ ማልያ ዙር ኣልፕስ 2022፡ ካብ ኢድ ስድራ ቤት ሚቸል ስክራፖኒ ተቐቢሉ።

ኣብ ጽቡቕ ቁመና ከም ዝርከብ ዝግለጽ፡ ናትናኤል ተስፋዮን ኣብ ክልተ ካብተን ሓሙሽተ መድረኻት ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም ክኢሉ'ዩ።

ኣብ ዙር ኣልፐስ ብዘይካ ናትናኤል ምስ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኢፊኬሽን ዝወዳደር ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቁዱስ'ውን ተሳቲፉ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስ ኢጣልያዊት ፕሮፌሽናል ክለብ በርድያኒ ሲኤስኤፍ ፍያንዘ ተጸንቢሩ።

ሄኖክ፡ ኣብታ ካብ ትምስረት 40 ዓመታት ኣቑጺራ ዘላ ክለብ ክጻወት ዝፈረመ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ እታ ጋንታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣፍሊጣ።

ሄኖክ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ምስ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ ብምዃን ኣንጸባራዊ ብቕዓት ዘርኣየን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ወርቂ መዳልያ ኣብ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብሩር መዳልያ ዝተሸለመ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 እዩ።

ሄኖክ ኣብ መወዳእታ ናይ 2021 ምስ ድቡብ ኣፍሪቃዊት ኩቤካ ኔክስትሃሽ ካብ መጀመርታ ናይ ዓመተ 2022 ከኣ ኣብ ዎርልድ ቱር ክወዳደር ዝኽእል ስምምዕ እኳ ፈሪሙ እንተነበረ፡ እታ ጋንታ ብሃንደበት ብፋይናንሳዊ ጸገማት ስለዝተበተነት ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት ናብ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይደ ወሪዱ ክወዳደር'ዩ ጸኒሑ።

ምስታ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ዝተጻወተላ ባይክ አይድ ብምዃን ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተካየደ ዙር ኣንታልያ ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ሻዱሻይ ኮይኑ ውድድሩ ክዛዝም ክኢሉ'ዩ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ'ውን ብተመሳሳሊ ካብቲ ሸሞንተ መድረኻት ኣብ ሽዱሽተ ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኮይኑ ውድድሩ ብምዝዛም፡ ጋንትኡ ኣብቲ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና ውድድራ ንኽተዛዝም ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ተጻዋታይ እዩ።

ሄኖክ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022: ኣብ ብጫ ማልያ ሓሙሻይ ኮይኑ ክዛዝም እንከሎ ንመንእሰይን ንዘበለጸ ኣፍሪቃውን ኣብ ዝውሃባ ክልተ ማልያታት ንናትናኤል ተስፋጽዮን ተኸቲሉ ካልኣይ ብምዃን'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብቲ ካብ 6 ግንቦት ዝጅምር ጂሮ ዲ ኢታሊ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ኣልፐስ ብዘርኣዮ ብቕዓት፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስ'ዛ ሓዳስ ጋንታኡ፡ ቢንያም ግርማይ ከኣ ምስ በልጂማዊት ጋንታ ኢነተርማ ማርች ዋንት ጎበርት ብምኻንን ካልኦት ኤርትራውያንን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።