እስራኤልን ሕዝቦላህን ተዅሲ ከቋርጹ ከም ዝተሰማምዑ ኣመሪካ ገሊጻ፡ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ኣብ ሊባኖስ ቀጺሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ 47 ሰባት ዝቐተለ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ድሕሪ ምክያዱ፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዝተሰማምዑ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ።
እዚ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ዝተገብረ፡ እቲ ሕዝቦላህ ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል ዝቐተለሉ ውግእ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ውግእ ንምብቃዕ ዝተገብረ ስምምዕ ከይዓናቕፎ ካብ ዝነበረ ስግኣት ስዒቡ እዩ።
ሓይልታት እስራኤል እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ እኳ እንተ ኣረጋገጹ፡ ጸኒሑ ግን ሓደ ወሃቢ ቃል፡ ሓይሊታቶም "ነቲ ብቕጽበት ዘንጸላሉ ስግኣት ምእላይ ክትቅጽል እያ፡" ኢሉ።
ሕዝቦላህ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ዛጊት ብወግዒ ባዕሉ እኳ እንተ ዘይኣረጋገጸ፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ጕጅለ ሸኽ ናይም ቃሰም ግን፡ "ነቲ ሕዝቦላህ ንምድምሳስ ዝተሓንጸጸ መደብ ፈሺሉ እዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ከተማ ናባቲየ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ረድኤትን ህይወት ኣድሕንን ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ብናይቲ ከባቢ ሰዓት 16:00 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ እንተ ወሓደ 12 ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ተፈጺሙ ኣሎ።
እዚ ሰባት ዝሃለቑሉ ህጹጽ ምስሕሓብ፡ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምስ ኢራን ዝገበሮ ስምምዕ ብምሉእ ዓቕሙ ይቈጻጸሮ ከም ዘየሎ ዘርኢ ካልእ ምልክት እዩ።
እቲ መዘክር ምርድዳእ ኣብ ሊባኖስ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ዝጽውዕ እዩ። ይዅን እምበር፡ እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይምዃኑ ንቴህራን፡ ትራምፕ ንእስራኤል ክገትኣ ኣይከኣለን ክትብል ክትከስሶ ደሪኽዋ እዩ።
ትራምፕ ባዕሉ፡ ነቲ መሻርኽቱ ዝዀነ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብዘይተለምደ መንገዲ ክዀሶ ተሰሚዑ እዩ፤ ናታንያሁ ምስ ሕዝቦላህ ኣብ ዝገብሮ ውግእ ንሲቪላት ብዘይ ዝዀነ ይዅን ርትዓዊ ምኽንያት ይቐትል ከም ዘሎ ብምሕባር እዩ ወቒስዎ።
እቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ትማሊ ምሸት ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ግጭት ተወሳኺ ጸገማት ፈጢሩ ኣሎ።
ዋይት ሃውስ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ከም ዘሎ ይጣበቕ እኳ እንተ ሃለወ፡ የማናዊ ኣረእእያ ዘለዎ ምኒስተር ኢታማር ቤን ግቪር ንሞት ወተሃደራት እስራኤል ብምጥቃስ፡ "ሊባኖስ ክትነድድ ኣለዋ... ንሓንቲ ንብዓት ኣደ እስራኤላዊት፡ 1,000 ሊባኖሳውያን ኣዴታት ክበኽያ ኣለወን፡" ክብል መሊሱ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ብወገኑ፡ እስራኤል "ቀጻሊ ውግእ" ትደሊ ኣላ ክብል ብምኽሳስ፡ ኣብቲ መዘክር ምርድዳእ ሰፊሮም ዘለዉ ግቡኣት ዝግበር ዝዀነ ይዅን ጥሕሰት፡ "ተሓታትነቱ ናብ ኣመሪካ ከም ዝጽጋዕ፡" ኣስሚርሉ።
ናታንያሁ ነቲ ምስ ሕዝቦላህ ዝግበር ወተሃደራዊ ስርሒት ክቕጽሎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ፤ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ድማ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ እተካይዶ ወተሃደራዊ ወራር ክሳብ ዝቐጸለ መጥቃዕትታቱ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ እዩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ኤፊ ደፍሪን፡ እስራኤል፡ "ነቲ ብቕጽበት ዘንጸላሉ ስግኣት ምእላይ ክትቅጽል፡ ንጥሕሰታት ሕዝቦላህ ምላሽ ክትህብ፡ ከምኡ'ውን ንዜጋታትና ንምክልኻል ዘድሊ ኵሉ ክትገብር እያ፡" ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ሕዝቦላህ ሸኽ ናይም ቃሰም ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነቲ ሕዝቦላህ ንምድምሳስ ዝተሓንጸጸ መደብ ፈሺሉ እዩ፡ እስራኤላውያን ድማ ካብ ነፍስ-ወከፍ ስድሪ መሬትና ክስሕቡ እዮም፡" ኢሉ።
ሕዝቦላህ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንሓደ ጕጅለ ሰራዊት እስራኤል ድብያ ከም ዝገበረሉ፡ ሰለስተ ታንክታት ብተመራሒ ሚሳይላት ከም ዘዕነወ፡ ከምኡ'ውን ነቶም ወተሃደራት ብሮኬትን ብመድፍዕን ከም ዘጥቅዐ ምስ ገለጸ እዩ እቲ ሓድሽ ውግእ ተፈጢሩ። ካብቶም ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ወተሃደራት ሓደ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ከም ዝገለጾ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል፡ ኣንስትን ህጻናትን ዝርከቡዎ 47 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ፡ 97 ድማ ቈሲሎም።
እቲ ምኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መግለጺ፡ ኣብ ዞባ ናባቲየ፡ ኣብ ሓሩፍ ትሽዓተ ሰባት፡ ኣብ ሓቡሽ ሸውዓተ ሰባት፡ ኣብ ኣል-ዱወይር ድማ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ሹድሽተ ሰባት ተቐቲሎም።
ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ናይታ ሃገር፡ እቲ ብሓሙስ ምሸት ኣብ መላእ ዞባ ናባቲየ ዝተኻየደ ደብዳብ ካብቲ ኣብዚ ውግእ ዝተራእዩ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ሓደ ከም ዝነበረ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ዜና፡ እቶም ተመዛቢሎም ዘለዉ ሊባኖሳውያን ብጥርጣረ እዮም ተቐቢሎሞ፤ ንሳቶም እስራኤል ንስምምዕ ሰላም ከተኽብሮ እያ ዝብል እምነት የብሎምን።
ሓደ ሰብኣይ ንወኪል ሮይተርስ ክዛረብ ከሎ፡ "እቲ ስምምዕ ጽቡቕ እዩ፤ ኵላትና ስምምዕ ንደሊ ኢና። እስራኤላውያን ግን ኣየኽብርዎን እዮም። ክንደይ ሳዕ ስምምዓት ገይሮም? ካብ ሓደ ሳዕ ንላዕሊ፡ ኣይእመኑሉን እዮም፡" ኢሉ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሊባኖስን እስራኤልን ዝግበር ቀጥታዊ ዘተ፡ "ቀጻሊ ሰላም" ንምውሓስ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ከም ዝቕጽል ገሊጹ።
ከም ጸብጻብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሊባኖስ፡ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሰፍ ዓውን ንዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝግበር ዘተ ንቕድሚት ንምስጓም፡ "ናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ መሬት ሊባኖስ" ዝውድእ "ኵለመዳያዊ ምቍራጽ ተዅሲ" ከም ዘድሊ ሓቢርዎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
