ኣብ ቤትፍርዲ ንብዓልቲ ቤቱ ነበርን ዳኛን ዝቐተለ ሰብ ርእሰ-ቕትለት ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኦሮምያ ኣብ ቤትፍርዲ ንብዓልቲ ቤቱ ነበርን ነቲ ዳኛን ብምቕታል ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ ንገዛእ ርእሱ ቀቲሉ።
ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኦሮሚያ ኣብ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ወልመራ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እቲ ኣቅነው በቀለ ዝተበሃለ ውልቀሰብ ኣብ ቤትፍርዲ ገበን ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጉድኣት ከም ዘብጸሐ ሓቢሩ።
ድሕሪኡ ናብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ተወሲዱ ሕክምና ክረክብ ተገይሩ'ኳ እንተ ነበረ ብዓርቢ 12 ሰነ 2018 (ግእዝ) ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ።
እቲ ውልቀሰብ ካብ ሳልሳይ ደርቢ እቲ ሆስፒታል ነብሱ ብምድርባይ ነብሱ ከም ዘጥፍአ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ሆለታ ኣቶ ጫለሳ በቀለ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሰብኣይ ኣብ ጉዳይ ምክፍፋል ንብረት ኣብ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ንብዓልቲ ቤቱን ዳኛን ብጥይት ቀቲሉ ብምምላጥ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጉድኣት ኣብጺሑ።
ኣብቲ ኣብ 27 ግንቦት 2018 ዝተወሃበ ውሳነ ቤትፍርዲ ስዒቡ፡ ንብዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣልማዝ መኮንንን ዳኛ ወይዘሮ ወርቄ ፉካንሳን ብዝሓዞ ሽጉጥ ብጥይት ቀቲልወን።
ኣቶ ጫለሳ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣቶ ኣቀነው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ጳውሎስ ብሓለዋ ፖሊስ ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ12 ሰነ ከባቢ ሰዓት 7 ድሕሪ ቀትሪ ካብ መስኮት እቲ ህንጻ ብምዝላል እዩ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ።
እቲ ሰብ ካብታ ጉዳዩ ኣብ ቤትፍርዲ ዝርአ ዝነበረት ዝቐተላን ካልኦትን ውሉዳት ከም ዘለውዎ ተገሊጹ።
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ከሳሲትን ነቲ ጉዳይ ትሰምዕ ዝነበረት ዳኛን ዝተፈጸመ ገበን፡ ከምኡ'ውን እቲ ሰብ ብኸመይ ሽጉጥ ሒዙ ናብ ቤትፍርዲ ክኣቱ ከም ዝኸኣለን ንምፍላጥ መርመራ የካይድ ኣሎ።
እቲ ጥርጡር ሕክምናኡ ምስ ወድአ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ ትጽቢት እናተ ገበረ እንከሎ እዩ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ።
እቲ ውልቀሰብ ክልተ ኣንስቲ ዝነበርኦ ኰይኑ፡ ምስ ክልቲአን ተፋቲሑ ኣብ ክፍፍል ንብረት ናብ ምስሕሓብ እትዩ። ንውሳነ ቤትፍርዲ ብምቅዋም እዩ ኣብ ልዕሊ ብዓልቲ ቤቱን እታ ዳኛን ስጕምቲ ወሲዱ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
