ሻብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022፡ ናትናኤል ብጫ ማልያ ዓቂቡ

Published
ሕጂ ኣብ ዝተዛዘመ ሻውዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2022 ተቐዳዳማይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ፈረንሳዊ ኣላን ክዕወት እንከሎ፡ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ናትናኤል ተስፍጽዮን ትማሊ ንዝተረከባ ብጫ ማልያ ዓቒቡ ኣሎ።
ተቐዳደምቲ ካብ ከተማ ኪጋሊ ከባቢ ኒያሚራምቦ ተበጊሶም፡ 152.6 ኪሎ ሜተር ብምዝዋር ኣብ ማውንት ኪጋሊ ዝወድእሉ ተሪር ዓቐብ ዝነበሮ መድረኽ ጎልደስተን ዖመር ካብ ጋንታ እስራኤል ፕረሚየር ቴክ ካልኣይ ጅያኒ ማርቻንድ ካብ ታርተለቶ ኣይዞረክስ ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሙ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር መትከል እዮብ መበል 14 ሄኖክ ሙሉብርሃን ኸኣ መበል 17 ኣትዮም።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ንዝስዕቦ ዘሎ ተቐዳዳማይ ጋንታ ተረንጋኑ ፖሊጎን ቡድያክ ኣናቶሎ ናይ 28 ካልኢት ጋግ ኣንጺፉሉ ኣሎ።
ናትናኤል ተስፋጽዪን እተን ንዝበልጸ መንእሰይን ዝበለጽ ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት'ውን ኣብ ዝባኑ'የን ዘለዋ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
