ዙር ርዋንዳ 2022: ናትናኤል ተስፋጽዮን ራብዓይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሻዱሻይ ኮይኖም ዛዚሞም

ሎሚ ሰሉስ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ከተማ ኪጋሊ ናብ ከትማ ሩባቩ 155.9 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ከም ሙሃንዘን ሩባቡን ዝኣመሰላ ዞባታት ብምስንጣቅ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ደንደስ ቀላይ ኬቩ እዩ ተዛዙሙ።
ኣብቲ ሽውዓተ ተጻወትቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ተፈንጪሎም ብቕጽበታዊ ውድድር ዝዛምዎ ጸወታ፡ ኮሎምብያዊ ቫለንሽያ ጆናታን ካብ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ቀዳማይ፡ ላውረንስ ኣክሰል ካብ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ካልኣይ፡ ስጳኛዊ ማድራዞ ኣንገል ካብ በርጎዝ ቢኤች ሳልሳይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ራብዓይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሚም።
ምስታ ተፈንጪላ ኣብ ቅድሚት ዝወዓለት ጉጀለ ዝንበረ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኸኣ ሻዱሻይ ውጺኡ።
እዛ መድረኽ እታ ዝነውሐት መድረኽ ኮይና ተረርቲ ዓቐበታት ዘለዋ'ያ ነይራ።
እቶም ኣብ ናይ ዓቐበት ሓያላት ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ክኸስቡላ ከምዝኽእሉ ኸኣ ብኣጋ ተገሚቱ ነይሩ'ዩ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብዚ ውድድር ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን እቲ ዝበለጸ ግዜ ብምምዝጋብ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካልኣይ ተሰሩዑ ኣሎ።
ንመንእሰያት ኣብ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያ'ውን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ንተጻዋታይ ቢ ኤንድ ቢ ላውረን ኣክዘል ስዒቦም ካልኣይን ሳልሳይን ተሰሪዖም ኣለው።
ኣብ መበል 115 ኪሜ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓቐበት ነጥቢ ዘውህብ ቅጽበታዊ ውድድር፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ተመራሪሖም ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣትዮም።
ምስታ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ'ውን ክሳብ ሰልስተ ደቒቕን ፈረቓን ክግፍሕዎ ክኢሎም ነይሮም'ዮም።
ጸወታ ክዛዘም 12 ኪሎሜትር ኣብ ዝተረፈሉ ግን እቲ ፍልልይ ናብ 2 ደቒቕን 25 ካልኢትን ወሪዱ።
ኣብ መወዳእታ ኸኣ እታ ሽውዓተ ተቐዳደምቲ ዝነበርዎ ጉጀለ 17 ካልኢት ከሲባ ውድድራ ዛዚማ።
ኣብ ብጫ ማልያ ወዲ ጋንትኡ ንናትናኤል ተስፋጽዮን ቫለንሽያ ጆናታን ንውድድሩ ብ7 ሰዓትን፡ 27 ደቕቅን 22 ካልኢትን ብምዝዛም ብጫ ማልያ ክርከብ እንከሎ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ጆናታን ብ13 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ራብዓይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን'ውን ካብ ቀዳማይ ብ20 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ሻዱሻይ ታርታ ሒዙ ኣሎ።
ሄኖክ ኣብ ናይ ትማሊ ውድድር'ውን ራብዓይ ምውጽኡ ይዝከር።
ትማሊ ኣብ ዝተኻይደ ናይ 148 ኪሎሜተር ርሕቐት ዝሸፈነ፡ ብቕጽበታዊ ውድድር ኣብ ዝተዛዘመ ጸወታ፡ ሳንዲ ካብ ዳይረክት ኢነርጂ ንውድድሩ ብሰለስተ ሰዓት፡ 25 ደቒቕን 28 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ፡ ላውረንስ ካብ ቢ ኤንድ ቢ ሆተሊስ ካልኣይ፡ ቫለንሽያ ጆናታን ካብ ድሮን ሆፐር ሳልሳይ ከምኡ ኸኣ ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ርብዓይ ብምኻን ውድድም ምዛዛሞም ዝዝከር'ዩ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
