ኲናት ዩክሬን፡ ህንዲ ምስ ሩስያ ካብ ምውጋን ክትቁጠብ ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ

Published

ሓይልታት ሩስያ ካብ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪቭን ቸርኒሂቭን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘንስሓቡ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ [ፔንታጎን] ሓቢሩ።

ጆን ኪርቢ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቶም ሓይልታት "ዳግመ ውደባ ንምግባር ናብ ቤላሩስን ሩስያን ከም ዘቕንዑ" ኣረዲኡ።

"ሓይልታት ሩስያ ኣብ ከባቢ ኪቭ ኮነ ኣብ ቸርንሂቭ ይረኣዩ የለውን" ዝበለ እቲ ኣፈኛ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ካብ ስትራተጂካዊ ሸቶታቱ ሓንቲ'ውን ኣይወቕዐን" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "ንኣሸቱ ከተማታት እዩ ተቖጻጺሩ . . . ንካርኪቭ'ውን ክሕዝዋ ኣይከኣሉን" ኢሉ።

እዚ ምዕባለታት ዝተርኣየ፡ ሩስያ፡ ኣተኩሮኣ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ንዝርከብ ዞባ ዶንባስ ክትገብር ምዃና ድሕሪ ምግላጻ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እዩ።

ሓደ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ፔንታጎን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ወተሃደራት ሩስያ ደጊሞም ናብ ኪቭ ክመጽኡ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ተንተንቲ ኲናት 'ኢንስቲትዩት ፎር ዘ ስታዲ ኦፍ ዎር'፡ እቶም ካብ ኪቭ ዘንስሓቡ ሓይልታት ሩስያ "ንዝተወሰነ እዋን ዳግም ኣብ ውግእ ውጽኢታዊ ናይ ምዃን ዓቕሚ ንምምዕባል" ዘለዎም ተኽእሎ ትሑት እዩ።

ካብቶም ናብ ዩክረይን ዝተልኣኹ 130 ቦጦሎኒታት ሩስያ እቶም ልለሊ 80 ዝኾኑ ጌና ኣብታ ሃገር ከም ዘለው እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ብዝሒ ናይቶም ዘንሳሕቡ ዘለው ወተሃደራት ሩስያ ክሳዕ 24,000 ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣሶሽየትድ ፕረስ ንምንጭታት ምክልኻል ኣሜሪካ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ብኻልእ ወገን ህንዲ ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ካብ ምባል ክትቁጠብ ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ።

ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቁጠባ ፕረዚደንት ጆ ቫይደን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ህንዲ ምስ ሩስያ ካብ ምሽራኽ ክትቁጠበ ኣሜሪካ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ዳይሬክተር ቁጠባዊ ካውንስል ዋይት ሃውስ ብርያን ዲሰ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ንመንግስቲ ህንዲ ክነመሓላልፈሉ እንደልይ መልእኽቲ፡ ምስ ሩስያ ስትራተጂካዊ ዝምድና ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቓሳት ሳዕቤናቱን ዋግኡን ከቢድን ንነዊሕ ዝዘልቕን ክኸውን ምዃኑ እዩ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ኣብ ጉዳይ እቲ ወራር ብውሳነታት ቻይናን ህንድን ዘይተሓጎስናሉ ጉዳያት ኣሎ" ኢሉ።

ህንዲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንዝግበር እገዳ ድጋፍ ኣይሃበትን።

እታ ብኣሜሪካ ኣብ እስያ ከም መዳርግቲ ቻይና እትርአ ህንዲ ካብ ሩስያ ብብዝሒ ኣጽዋር ብምዕዳግ ኣብ ቅድሚት እትጥቀስ ሃገር ምዃና ብሉምበርግ ይጠቅስ።