ካብታ 132 ሰባት ሒዛ ዝወደቐት ነፋሪት ቻይና ብህይወት ዝተረፈ የለን

Published

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ቻይና፡ ክሳብ ሕጂ ካብታ 132 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረትን ኣብ ጎቦታት ደቡብ ቻይና ዝወደቐትን ነፋሪት ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ኣይረኸቡን።

መርመርቲ እታ ብሰኑይ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢስተርን ዝኾነት ቑጽሩ በረራ MU5735 ዝወደቐትሉ ምኽንያት ዘረድእ ሓበሬታ እውን ኣይተረኸቡን።

ኣባላት ስድራ እቶም ተጉዓዝቲ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እንተሎ ንምፍላይ ይጽበዩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ቻይና ከቢድ ሓዘን ነይሩ።

እዛ ቦይንግ 737-800 ነፋሪት ኩሚንግ ካብ ዝብሃል ከተማ ናብ ጓንግዡ ዝተባህለ ግዝኣት ክትጉዓዝ እንከላ ኣብ ግዝኣት ጓንግዢ ምስ ወደቐት ሓዊ ከም ዝተላዕለ ተገሊጹ።

ን36 ሰዓታት ዝኣክል ክሳብ ምምሕዳር ሲቪል ኣቪየሽን ቻይና መግለጺ ዝህብ ብዛዕባ በቲ ሓደጋ ዝበጽሐ መጉዳእቲ ዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይነበረን።

"ክሳብ ሕጂ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓደ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ኣይረኸቡን። ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሓበሬታ ምኽንያት ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዝምልከት ግልጺ ገምጋም የለን" ክብል ዳይሬክተር ድሕነት ኣቺየሽን እቲ ምምሕዳር ዙ ታኦ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ ተቖጻጸርቲ ኣየር እታ ነፋሪት ንቑልቑል ክትወርድ እንከላ ተደጋጋሚ ጻውዒት እኳ እንተገበሩ መልሲ ግን ኣይረኸቡን ኢሉ።

እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ክኢላታት ክሳብ ሕጂ ዝተቓጸለ ስብርባር ኣካላት እታ ነፋሪት ዝረኸቡ ኮይኖም፡ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ስእልታት ደብዳበታት፣ ሻንጣታት፣ ማሕፉዳን መለለዪ መንነትን እቶም ተጉዓዝቲ ተቕርብ ነይራ።

መገዲ ኣየር ኢስተርን ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኩለን ቦይንግ 737-800 ካብ በረራ ኣጊዱወን ኣሎ።

እታ ነፋሪት 123 ተጉዓዝትን ትሸዓተ ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ ከም ዝነበረት ክግለጽ እንከሎ ስድራ ግዳያትን ፈተውትን እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት ትዓርፈሉ ትጽቢት ይግበረሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ ተኣኪቦም ኣለው።

ሰብ መዚ ግን ክሳብ ሕጂ መንነት ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ወግዓዊ ኣይገበሩን።

መስመር በረራ ነፈርቲ ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ ፍላይትራዳር23 ናይ መወዳእታ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ቀትሪ ሰዓት 02፡22 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 3225 ጫማ ብራኸ ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ ጥራይ ዝተመዝገበ ምዃኑ ይሕብር።