እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተገዝአ ከልቢ ቈልዓ ቀቲሉ
ኣብ ብሪጣንያ: ጓል 17 ወርሒ ቈልዓ ኣብ ገዝኣ ብከልቢ ብዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ ሞይታ፡፡
ቤላ-ረይ ቢርች ብሰኑይ ብድሕሪ እቲ ዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝሞተት ፖሊስ እንግሊዛዊት ከተማ መርሲሳይድ ገሊጹ ኣሎ፡፡
‘‘ኣዚና ንናፍቐኪ፤ ኣይንርሰዐክን’’ ክብሉ ሓዘኖም ዝገለጹ ስድራቤታ እቲ ማሕበረሰብ ንዝገበረሎም ደገፍ ኣመስጊኖም፡፡
እቶም ኣብ ዓሚዩቕ ሓዘን ዝርከቡ ስድራ ቤታ እታ ግዳይ፡ ነቲ ከልቢ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ከም ዝገዝእዎ ዝገለጹ ፖሊስ እቲ ከልቢ ብፖሊስ ከም ዝተቐተለን ዘይሕጋዊ ዓሌት እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ምርመራ ከም ዝገብሩን ኣፍሊጦም፡፡
ብተወሳኺ ከም ኣካል እቲ ምርመራ ነቶም ቅድሚ እቲ ከልቢ ምሻጡ ዝነበሩ ዋናታት ከምዝደልዩዎም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ፡፡
ሞት እታ ቈልዓ ንቤተሰብን ነበርቲ እቲ ከባብን ከም ዘሕዘነ ዝገለጸ ሓላፊ ፖሊስ ስቲቭ ብሪዘል ‘‘ቤላ-ረይ ክትግምቶ ብዘይትኽእል ዘሕዝን ኩነታት ህይወታ ስኢና’’ ኢሉ፡፡
ንሱ ብተወሳኺ ‘‘ዛጊት እቲ እቶም ቤተሰብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝገዝእዎ ከልቢ ኣብ ውሽጢ መንበሪኦም ንቤላ-ረይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመላ ኢና እንፈልጥ’’ ብምባል: ዋላ'ኳ እታ ቈልዓ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ሕክምና እንተተገበረላ ክትተርፍ ከም ዘይከኣለት ተዛሪቡ፡፡
ሓንቲ ጆርዳን ዝተባህለት ኣውያት ሰሚዓ ክትረድእ ዝመጸት ጎረቤት ድማ ወለዲ ቤላ ብስንባድ ‘‘ሓውሲ ተጸሊሎም ነይሮም’’ ክትብል ተዛሪባ፡፡
ካልኦት ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ በቲ ኩነታት ኣዝዮም ከም ዝሰንበዱ ሓቢሮም፡፡
ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ዝረኣዩ ወይ ብዛዕባ እቲ ከልቢ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ንፖሊስ ከፍልጥ ተሓቲቱ ኣሎ፡፡