ካብ ሓደጋ ነፋሪት ቻይና፡ ብህይወት ዝተረፈ እንተሎ ንምርካብ ጻዕሪ ይቅጽል ኣሎ

Published

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ቻይና፡ ካብታ ትማሊ 132 ተሳፈርቲ ሒዛ ኣብ ደቡብ ቻይና ዝወደቐት ነፋሪት ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እንተሎ ኣለሻ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ፡ ስድራ ናይቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ቅባጸት ንኽንገሮም ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፋሪት ኮይኖም ይጽበዩ ኣለዉ።

እታ ብቻይና ኢስተርን ኣየርላየን ትውነን ነፋሪት ትማሊ 132 ገያሾ ሒዛ እናበረረት እንከላ'ያ ኣብ ዞባ ጓንጉዚ ቻይና፡ ኣብ እምባታትን ጫካታትን ዝበዝሖ ቦታ ወዲቓ።

እቲ ሓደጋ ንብዙሓት ከሰንብድ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ቻይን ጠንቂ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ቅልጡፍ መርመራ ክግበረሉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣማኢት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ከባቢ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ማዕከናት ዜና ቻይና ኣብቲ ከባቢ ስብርባር ናይ ነፋሪት ከምዝተረኸበ ብስእሊ ኣሰንየን ከቃልሓ ኣምስየን።

ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ምውታት'ኳ እንዘይተነገረ፡ ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ብህይወት ዝተረፈ ክህሉ ከም ዘይክል'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ስድራን መቕርብን ናይቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ገያሾ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ግዋንግዞ ተኣኻኺቦም ድሃይ ክንገሮም ይጽበዩ ኣለዉ።

ሰብ መዚ እታ መንገዲ ኣየር መንነት ናይቶም ተሳፈርትን ኣባላት በረራን'ኳ ክሳብ ሕጂ እንተዘይገለጹ፡ ማዕከናት ዜና ግን ንስድራ ገያሾ ኣዘራሪበን ብዝረኸበኦ ሓበሬታ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ሽዱሽተ ኣባላት ሓደ ጉጅል ኣብ ጉዋንግዞ ቀብሪ ንምስታፍ ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም ምንባሮም ገሊጸን።

ሓንቲ ሰበይቲ'ውን ሓፍታን መሓዛኣን ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበራ፡ ንሳ'ውን ኣብታ ነፋሪት ትኬት ቆሪጻ ምንባራን ኣብ ውዱእ ሰዓት ሓሳባ ብምቕያር ምስታ ቅድሚኣ ዝነበረት ነፋሪት ከም ዝተጓዓዘት ንማዕከን ዜና ጀምያ ሓቢራ።

ሓደ ሰብ'ውን ታን ዝተብሃለ ወዲ 29 ዓመት ዓርኩ ኣብታ ነፋሪት ከም ዝነበረ ንሮይተርስ ገሊጹ።

እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ንሓደ ሰዓት ክትበርር ድሕሪ ምጽናሕ'ያ ሃንደበት ካብቲ ትበሮ ዝነበረት ብራኽ ብቅጽብት ንታሕቲ ወሪዳ።

መደበር ቴሌቪዥን ቻይና ካብ ናይ መኪና ካሜራ ብዝተወሰደ ስእሊ፡ ሓንቲ ነፋሪት ብናህሪ ብኣፍንጫኣ ናብ መሬት እናተነቖተት ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣርእዩ ነይሩ፡ ቢቢሲ ግን እዚ ስእሊ ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

ቦይን 737-800 ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቃይቕ ኣሽሓት ሜትሮታት ናብ ንታሕቲ ገጻ ከምዝወረደት ንበራታት ካብ ዝቆጻጸር መርበብ ሓበሬታ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

እታ ነፋሪት ኣብ 29100 ፊት ብራኸ ክትበርር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ውሽጢ 2 ደቒቕን 15 ካልኢትን ብቅጽበት ናብ 9075 ፊት ወሪዳ።

ንመወዳእታ ግዜ ኸኣ ኣብ ሰዓት 14:22 ኣብ ብራኸ 3225 ፊት ምስ ተራኣየት ካብ ራዳር ጠፊኣ፥

መንገዲ ኣየር ቻይና ኢስተርን ኣየርላይንን ኣቬሽን ቻይናን ብሓባር ኮይኖም መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ብወገኖም ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ነታ ንኹሉ ንጥፈታትን ዘረባታትን እቶም ፓይሎታት እትቀድሕ 'ብላክ ቦክስ' ከምኡ'ውን ንመርመራ ዝሕግዝ ዝኾን ነገር ንምርካብ ኣብ ምድላይ እዮም ዘለዉ።