እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብቻይናዊ ትካል ዝስራሕ ዘሎ ክታበት ኮሮናቫይረስ 86% ሚእታዊት ውጽኢታዊ ምዃኑ ተገሊጹ
Published
ብቻይናዊ ትካል ዝስራሕ ዘሎ ክታበት ኮሮናቫይረስ 86% ሚእታዊት ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ኢማራት ዓረብ ገሊጻ።
እቲ ዝተዋሃበ ሓበሬታ ድሕሪ ናይ ሳልሳይ ጀረጃ ዝተገብረ መርመራ'ዩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢማራት ዓረብ፡ እቲ ክታበት ኣብታ ሃገር ብወግዒ ከምዝተመዝገበ ድሕሪ ምሕባር፡ ብዛዕባ እቲ ክታበት ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
እዚ ዝወጽእ ዘሎ ዜና፡ እቲ ክታበት ኣድማዒ ምዃኑ ናብ ህዝቢ ዝተዘርሐ ናይ ፈለማ ሓበሬታ'ዩ።
እዚ ክታበት ካብ ወርሒ ሐምለ ጀሚሩ ኣብ ኢማራት ዓረብ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ይግበረሉ ነይሩ። እቲ ክታበት ኣብ ወርሒ መስከረም ንዝሓመሙ ሰብሞያ ጥዕና ክውዕል'ውን ፍቓድ ረኺቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እንተኾነ፤ ኢማራት ዓረብን ነቲ ክታበት ዝሰርሕ ዘሎ ትካል ሲኖፋርምን ብዛዕቲ እቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይዘርገሑን።
መንግስቲ ኢማራት ዓረብ፡ እቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ንጥዕና ኣስጋኢ ዝኾነ ጸገማት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ እቲ ክታበት እኹል ሓበሬታ ብዘይምላው ግን ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለው ክኢላታት ይሕብሩ።