ጋዜጠኛ ድምጺ ወያነ ትግራይ ፍቕሩ ወልዱ ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ

ፍቕሩ ወልዱ

ምንጪ ስእሊ, ፍቕሩ ወልዱ

Published

ስርዓት ቀብሪ ነብስሄር ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መቐለ ዓዲ ሹምድሑን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ማርያም ጽዮን ሰዓት 9 ይፍጸም ኣሎ።

ጋዜጠኛ ድምጺ ወያነ ትግራይ ዝነበረ ፍቕሩ ወልዱ ብዝሓደሮ ናይ ደም ካንሰር ሕማም ከምዝዓረፈ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሰምሃር ስምዓኒ ንቢቢሲ ገሊፃ።

እቲ ጋዜጠኛ፡ እቲ ሕማም ምስ በርትዖ ካብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር መቐለ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ንህፁፅ ሕክምና ተወሲዱ።

ይኹን እምበር እቲ ጋዜጠኛ ትማሊ ኣማሲዩ ከምዝዓረፈ ተገሊጹ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ፣ ኣባላት ድምፂ ወያነ ትግራይ፣ መሓዙቱን ፈተውቱን፡ ኣስከሬን መንእሰይ ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ብኽብሪ ንምቕባል ኣብ ኣሸጎዳ ከምዝተረኽቡ ሪፖርተር ቢቢሲ ገሊጹልና።

ፍቕሩ ወልዱ መን እዩ?

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ካብ ኣብኡ ኣይተ ወልዱ ኣፅብሃን ኣዲኡ ወይዘሮ እህታለም ደመናን 2 መስከረም 1979 ዓ.ም ኣብ ከተማ ወልድያ ተወሊዱ።

ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ከተማ ወልድያ ምስ ፀንሐ ምስ ቤተሰቡ ናብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መበል ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተማሂሩ።

ኣብ 2000 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ፡ ብጋዜጠኝነትን ህዝባዊ ርክባትን ብቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ።

2001 ዓ.ም ናብ ዓውዲ ስራሕ ጋዜጠኛኝነት ዝተፀንበረ ፍቕሩ ወልዱ፡ መጀመርታ ኣብ ጋዜጣ ወይን፣ ብምቕፃል ቴሌቭዥን ትግራይ፣ ድሓር ድማ ኣብ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብጠቕላላ ን8 ዓመታት ኣገልጊሉ።

ድምጺ ወያነ ከምዘስፈሮ፡ ካብ ፋና ብሮድካስቲንግ ስራሕ ለቒቁ ናብ ድምፂ ወያነ ቴሌቭዥን ዝተጸንበረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝሰርሑ ናይ ፀለመ ፕሮፖጋንዳታት ብምቅዋም ምዃኑ መደብር ዜና ድምጺ ወያነ ይገልጽ።

ካብኡ ድማ፡ ብላዕለዋይ ኣሰናዳእነትን ድምፂ ወያነ ቴሌቭዥን ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ መተሓባበርን ጋዜጠኛን ኾይኑ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ።

ብድሕሪ እውን ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ወያነ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ብዝወሰዶ ናይ ምዕፃው ስጉምቲ፡ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ መቐለ ከይዱ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ እናገልገለ ፀኒሑ።

ጐንፅን ምምዝባልን ዞባ ጉጂ፣ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ህዝቢ ሲዳማን ዛዕባታት ግድብ ህዳሰን ናብቶም ከባብታት ተንቀሳቒሱ ከምዘቃለሐ ይዝከር።

ድምጺ ወያነ ንጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ "በሊሕ፣ ለባምን ትዕግስተኛን፤ ኣብ ኩሉ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ብልዑል ሞያዊ ብስለት ሰሪሑ ዘዐወተ ንፉዕ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ" እንትብል ገሊጽዎ።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ፡ ወዲ 33 ዓመት እንትኸውን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን እዩ ነይሩ።