ኤርትራዊ መንእሰይ ስነ-ጥበባዊ በረኸት ሰመረኣብ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ብሃንደበት ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Bereket
Published
ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ዝነብር መንእሰይ ስነ ጥበበኛ በረኸት ሰመረኣብ፡ ትማሊ 11/ሓምለ/2020 ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ መበል 31 ዕድሚኡ ሃንደበት ዓሪፉ።
በረኸት ቅድሚ ሳልስቲ ምስ ምሉእ ጥዕንኡ፡ ኣብ ስሩዕ ንጥፈታት ህይወቱ ምንባሩ ዝሓበሩ ፈለጥቱ፡ መንበሪ ገዝኡ ብፖሊስ ከምዝተዓሸገን ሬስኡ ንዝያዳ መርመራ ናብ ሕክምና ከምዝተወስደን ሓቢሮም።
ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ኣስመራ ዓብዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልምዓት ዝተማህረ መንእሰይ በረኸት፡ ኣብ ንእስነቱ ኣብ ጓይላታት እናደረፈ ስነ-ጥበባዊ ክእለቱ ዘማዕበለ ብባህሪኡ ሕውሱን ሕያዋይን ምንባሩ መተዓብይቱ ይዛረቡ።
በረኸት ከም ብዙሓት መንእሰያት ተሰዲዱ ፈለማ ንሱዳን፡ ካብኡ ከኣ ንካናዳ ኣትዩ ህይወቱ ክመርሕ ጸኒሑ። በረኸት ናይ ሰለስተ ወርሒ ሕጻን ቖልዓ ከምዝገደፈ እውን ፈለጥቱ ይሕብሩ።
ኣብ ዩቲዩብ "ዓይነይን ናተይ ኩንን" ዘርእስተን ፍቕራዊ ደርፍታት ዝዘርገሐ በረኸት ኣብ ሃገራዊ በዓላትን ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ማእከላት መዘናግዕን ይጻወት ነይሩ'ዩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
