ኮሮናቫይረስ፡ ቆልዑ ኣብ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ግደ ንተመራመርቲ ኣስደሚሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍንጫ ቆልዑ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ክጸንሕ ከም ዝኽእል ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ገሊጹ።
ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ መርመራት ከም ዘርእይዎ መብዛሕትኦም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ቆልዑ ቀሊል ምልክታት እዮም ዘርእዩ፤ ወይ ዝኾነ ምልክት ኣየርእዩን።
እዚ ዝተረኽበ ሓዲሽ መጽናቲ ግና ቆልዑ ክሳብ ክንደይ ነቲ ቫይረስ ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ከም ዘለዎም ከብርህ ክኢሉ ኣሎ።
እቲ መጽናዕቲ ብቐንዱ ተማሃሮ ናብ ትምህርቲ ኣብ ዝምለስሉ እዋን ምሕላው ማሕበራዊ ርሕቐትን ጽሬትን እንታይ ዓይነት ተራ ከም ዝህልዎም ንምርኣይ እዩ ኣተኲሩ።
ፕረዚደንት ሮያል ኮሌጅ ሕክምና ቆልዑ ፕሮፌሰር ራሰል ቫይነር ብዛዕባ ቆልዑን ኮቪድ-19 ሰለስተ ዝተፈላለዩ ግና ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ከም ዘለው ይገልጽ።
- ቆልዑ በቲ ቫይረስ ክልከፉ ይኽእሉ ዶ?
- እቲ ቫይረስ ክሳዕ ክንደይ ክብርትዖም ይኽእል?
- ናብ ካልኦት የመሓላልፍዎ ዶ?
ቆልዑ በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከም ዝኽእሉ ርግጸኛታት እኳ እንተኾንና፡ ኣብ ጸረ-ታሕዋስ ዝተገብረ ናይ ደም መርመራ ከም ዘርእዮ ምስ ዓበይቲ ብምውድዳር፡ ብፍላይ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ቆልዑ፡ በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ዝተሓተ ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ቫይነር ይዛረብ።
ብተወሳኺ፡ ቆልዑ፡ በቲ ቫይረስ እንተተለኽፉ'ውን ናይ ምሕማም ተኽእሎኦም ካብቶም በጽሒታት ዝተሓተ ምዃኑ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም እዮም። ብዙሓት ዝኾነ ምልክታት እቲ ሕማም ኣየርእዩን።
ዛጊት እቲ ምሉእ መልሲ ዘይረኸበ እምበኣር እቲ ሳልሳይ ሕቶ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ደቡብ ኮርያ መጽናዕቲ ክምልሶ ፈቲኑ ኣሎ።
እቲ ናይ ደቡብ ኮርያ መጽናዕቲ እንታይ'ዩ ረኺቡ?
እዚ ኣብ 91 ቆልዑ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ሒደት ወይ'ውን ፍጹም ምልክታት ዘየርእዩ ቆልዑ ክሳብ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ቫይረስ ክርከብ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ክልለ ዝኽእል ቫይረስ ኣብ ኣፍንጭኦም ምጽንሑ፡ ነቲ ሕማም ከመሓላልፉ ከም ዝኽእሉ ዘነጽር ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉን ከም ዝግለሉ ዝተገበረን ቆልዑ ምስ ረኸቡ፡ ክሳዕ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ዝኾኑ ብተደጋጋሚ መርመራ ተኻይዱሎም።
ቆልዑ ነቲ ቫይረስ ክስከምዎን ናባ ካልኦት ከመሓላልፉ ተኽእሎ ከም ዘሎን ካብቲ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ሓድሽ ሓበሬታ እዩ። ግናኸ ከምቶም ካልኦት መርመራት ዘይመለሶ ግድል ኣሎ።
ኣብ ኣፍንጫ ሓደ ቆልዓ ቫይረስ ስለ ዝተረኽበ ጥራይ፡ ልክዕ ከም ዓበይቲ የመሓላልፉ ኣለው ንምባል እኹል መረጋገጺ ኣይኸውንን።
ኣብ ሃገራዊ ሆስፒታል ህጻናት ዋሽንግተን ዲሲ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሕማማት ቆልዑ ዶክተር ሮቤርታ ደብያሲ፡ ቆልዑ እቲ ቫይረስ እንተለዎም "ኣብ ምትሕልላፍ ተራ የብሎምን ኢልካ ምሕሳብ ዘይመጎታዊ እዩ" ትብል።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊቨርፑል ፕሮፌሰር ጥዕና ህጻናት ካሉም ሰምፕል ግና፡ "እቲ ቫይረስ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ምጽንሑ፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ ምስዓልን ምሕንጣስን ምልክታት ኣብ ዘይብሎም ሰባት፡ ምስ ምምሕልላፍ ክመዓራረይ የብሉን" ይብል።
ካብዚ እንታይ ክንድምድም ንኽእል?
ኣብ ቆልዑ ኮነ ኣብ በጽሕታት፡ እቶም ሒደት ወይውን ፍጹም ምልክታት ዘየርእዩ - ማለት ዘይስዕሉን ነቲ ቫይረስ ናብ ኣየር ዘይዝርግሑን- ሰባት ብዙሕ ከየመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ብሓፈሽኡ ድማ ቆልዑ ፈኲስ ምልክታት እቲ ሕማም እዮም ዘርእዩ።
እንተኸነ ግና ካብቶም ምልክታት ዘየርእዩ ሰባት ብዙሓት ኣብ ምትሕልላፍ እቲ ሕማም ዓቢይ ተራ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ከምቲ ፕሮፌሰር ቫይነር ዘነጸሮ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጺኻ ምቕጻል'ውን ኣብ ምዕባለ እቶም ህጻናት፡ ትምህርቶምን ጥዕና ኣእምሮኦምን ናቱ ሳዕቤን ስለዘለዎ ተመራጺ ኣይኮነን።
እቲ ቆልዑ ዝፈጥርዎ ስግኣት ንግዚኡ መዕለቢ ዘይረኸበ ሕቶ ኮይኑ፡ ምምላሱ ኣብ ምቁጽጻር ናይ መጻኢ ለብዕታት ኣገዳሲ እዩ።
"መብዛሕትኦም ዝተለኽፉ ቆልዑ ፈኲስ ወይ ዘይልለይ ምልክታት ሕማም ስለዘርእዩ" ናብ ማሕበረሰብ ኣብ ምልባዕ "ኣገዳሲ" ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ደብያሲ ሓቢሩ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
