እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናጽነት ሃይማኖት፡ ሰብመዚ ኤርትራ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ኣሲሮም
ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 17 ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ኣመንቲ ኣብ ሓደ ቦታ፡ "መንፈሳዊ ኣኼባ" እናካየዱ እንከለዉ'ዮም ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ናብቲ ካብ ርእሰከተማ ኣስመራ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ከምዝተወስዱ ኸኣ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ብዙሓት ኣባላት ናይተን ዝተኣገዳ ኣብያተክርስትያናት ክእሰርሉ ዝጸንሑ ምዃኑ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2002 ሓያሎ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ድሕሪ ምዕጻወን፡ ንዝበዝሑ ካብ መራሕተን ብዘይፍርዲ ብምእሳር ንሰዓብተን ከሳድድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ክሳዕ ሕጂ ንኣስታት 20 ዓመታት ብዘይፍርዲ ዝተኣስሩ ከምዘለዉ'ውን ይፍለጥ። እቶም እሱራት ፍሉጣት ሓካይም ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን'ውን ይርከብዎም።
ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብን፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ሃይለ ናይእዝጊን ገለ ካብቶም ፍሉጣት ካብ 2004 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ ዘይተፈትሑ እዮም።
ኣብ ዝተፋለለየ እዋናት ዝፍትሑ'ኳ እንተሃለዉ፡ ማእሰርቲ ስለዘየቋረጸ እቲ ኵነታት ለውጢ ከምዘይብሉ ኣብ ስደት ዝርከቡ ገለ መራሕትን ሰዓብትን 'ታ ቤተክርስትያን ይዛረቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ተኸታታሊ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ "ኤርትራ፡ ዛጊት ነቲ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ሰባዊ መሰላት ዝሕለወሉ ትካላውን ሕጋውን መሰረት ኣየንበረትን" ክብል ንኵነታት ኤርትራ ገሊጽዎ ነይሩ።
ቅዋም፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ዘይምህላዎም፡ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ ከም ዘየለ ዘርኢ ምዃኑ'ውን እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባዊ መሰላት መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ጠቒሱ።