ዕጥቂ ተጋዳሊት ዝማረኾ ልቢ 'ምሩኽ'

Published

ኤርትራዊት ተጋዳሊት ዝተመርዓወን ኢትዮጲያዊ ወተሃደር፡ ኣብታ ኣብዚ ቅንያት ሰፊሕ ተነባብነት ኣመዝጊባ ማእከል ዕላል ኰይና፡ ኣቓልቦ ስሒባ ዘላ፡ "አንቱ በእናት" ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህባ፡ መጽሓፍ ብጥበብ ተጸውዩ'ሎ።

ማሞ ኣፈታ ኣዶን ተጋዳሊት ሂወት ተስፋይ ሃብቱን፡ ኣብቲ መጽሓፍ ድማ - ብ'ጆቴ'ን 'ገላየ' ን ዝተወከሉ ሰባት፡ ፈለማ ሌላኦም ኣብ ከባቢ 1982-83 ኣቢሉ እዩ ዝጅምር።

እቶም ኣሽሓት ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጲያ ምርጫኦም ክውስኑ ናጻ ምስ ኮኑ፡ ጆቴ ኣብ ጐድኒ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ክጋደል ወሰነ'ሞ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስድ ግድን ነበሮ።

ወተሃደር ይንበር እምበር፡ በቲ ናይቲ ውድብ መስርሕ ምስራሕ ክሓልፍ ግድን ነበረ።

ተጋዳሊት ሂወት ድማ ኣብቲ ዝተዓለመሉ ከባቢ ሂምቦል፡ ኣባል እንዳ ቝጠባ [ቁጠባ ውድብ] እያ ነይራ።

እታ 'ገላየ' እናበለ ጆቴ ዘቀባጥረላ ተጋዳሊት፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ መፋርቕ 1978 ኣብ እዋን ምዝላቕ፡ ካብ መላእ ኤርትራ ተሰሊፈን ንቝጽሪ ደቂኣንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብተዓጻጻፊ ዘዕበያ፡ 'ካምቦድያ' ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህበን እያ ነይራ።

"ኣብ ግዜ ምዝላቕ፡ ካብ ጋዴን ከባቢ ደቀምሓረ እየ ተሰሊፈ፡" ድማ ትብል።

ምስ ኣፍቃሪኣ 'ጆቴ' - ናይ ሎሚ በዓልቤታ ማሞ - ቅድሚ ምልላያ ዝሓለፈቶ ገድላዊ ተመኵሮ ከተዘንቱ እንከላ፡ "ኣብ እንዳቝጠባ እንከለኹ፡ 'ፖሊስ ከባቢ' ዝብል መጺኡ፡ ስልጠና ወሲደ፡ ፖሊስ ኰይነ ኣብ ሂምቦል እየ ድማ ነይረ።" ትብል።

ሂወት ጓል ማኦ፡ ባህላዊ ምርኢታት ምሒር ትፈቱ፣ ኣብ መድረኽ ደይብካ፡ 'ዓሽ' ምባል ተዘውትር፡ ዳርጋ ክሓልፋ ዘይትደልን ወናም እያ ነይራ። እዚ ባህሪኣ'ዚ እዩ ድማ ምስ ማሞ ዓይኒ ንዓይኒ ክትጋጠምን፡ ናብቲ ምሉእ ጕዕዞ ሂወታ ዝቐየረ ፍቕሪ ክትጽመድ ዝገበራ።

እቶም ኣብ ጥቓና ዝነበሩ ምሩኻት፡ ዝተፈላለየ ማእቶታዊ ስራሕ ይገብሩ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ጐስጓሳትን ዝተፈላለየ ባህላዊ ንጥፈታት የካይዱ ነይሮም፡ ትዝክር ጓል ማኦ።

"ሓደ ግዜ፡ እታ 'ዳግማዊ ልደት ባህል ክፍል' [ዳ.ል.ባ.ክ] እትብል ብምሩኻት ዝተመስረተት፡ ጆቴ ዝመርሓ ዝነበረን ጕጅለ ባህሊ፡ ምርኢት ኣዳለወት። ጆቴ ድማ መራሕ-መደብ 'ኣናውንሰር' ነይሩ፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣሃዱታት ተዓዲሞም መጽኡ።

"ሽዑ ጆቴ፡ መደባት እናመርሐ፡ ኣብ መንጐ-መንጐ ግጥምታት ከንብብን መግለጺታት ክገብርን እንከሎ፡ ኣብ ቅድመኡ ኮፍ ኢላ ብተመስጦ ትሰምዖን ትከታተሎን ተጋዳሊት ከም ዘላ ኣስተብሃለ። ጸኒሑ፡ ሓንቲ ናይ ኣምሓርኛ ደርፊ ደረፈ'ሞ፡ ሽዑ 'ገላየ' መጺኣ 'ዓሽ' በለቶ፣ ዓይኒ ንዓይኒ ድማ ተጋጠሙ።"

ነታ ህሞት ክትዝክር እንከላ ጓል ማኦ፡ "ኵሉ ነገሩ፡ ቁመናኡ ኣዘራርባኡን ኣደራርፍኡን ስሒቡኒ በቃ. . . ርእይ መሰበልክዎ ኣትሒዘ እየ ፈትየዮ፣ ኣለካ ማሽ ናይ ዓይኒ ፍቕሪ'ዩ ንቕድም ተሰሚዑኒ።"

ማሞ፡ ብወገኑ፡ "ሽዑ ቀንዲ ዝዓጀበኒን ዝፈተኽዎን፡ ዕጥቃን ኣተዓጣጥቓኣን እዩ ነይሩ፣ ፍሉይ. . . ንዓኣ ድማ ዘጸብቐላ እዩ ነይሩ፡" ብምባል ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከም ዝረኣዮ ኣይሓብአን።

ካብኡ ንንየው፡ "ጆቴ እናሰረቐ ክርእያ ጀሚሩ።" ንሳ'ውን ብዓይኒ ተማሪኻ ስለዝነበረት፡ ሓደ መዓልቲ ካብ ኣሃዱኦም ፋስ - መፈለጽ ዕንጸይቲ - ክትልምን መጺኣ። ጆቴ ድማ ተረኛ መጋባይ ነበረ፣ "ኣጋጣሚ መጋባይ ስለዝነበርኩ ብደይ ዘረባ ብድድ ኢለ ሂበያ፡" ይብል።

ፍቕሮም እናሓየለ ኸደ፣ መመኽነይታ እናደለኻ ክትርአአ ምድላይ ከኣ ስርሖም ኰነ።

"ብዛዕባኡ ክሓስብ እንከለኹ፡ 'ኣበይ ከ ክረኽቦ እየ፣ ንሱ ኢትዮጲያዊ ዓዱ ክኸይድ'ዩ፣ ከመይ ኢሉ ክኸውን እዩ ርክብና?' ኢለ ባዕለይ እጭነቕን ተስፋ እቘርጽን ነይረ፡" እናበለት ነቲ ስምዒት እዋን ፈለማ ፍቕሪ ተዘንቱ።

ብድሕረኡ፡ እቶም ኣብ ጐድኒ ህዝባዊ ግንባር ክስለፉ ዝወሰኑ፡ ኣብ ሂምቦል ታዕሊሞም ዝወድኡ ምሩኻት ነበር፡ ናብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ምስ ተወዝዑ፡ ማሞ ኣብ ሕሽክብ ማእከላይ ሓለዋ ሰውራ ተመዲበ፡ ይብል።

ድሕሪ ገለ እዋን ድማ ጓል ማኦ ናብ ሓለዋ ሰውራ ተመዲባ ናብ ሕሽክብ መጺኣ፣ ኣብኡ መጺኣ ኣብኡ ድማ ተራኸቡ።

እንተዀነ፡ እቲ በብቝሩብ እናተጋህደ ዝኸደ ፍቕሮም ቀሊል ኣይነበረን። "ብዙሓት፡ 'ነዚ ኣምሓራይ እንታይ ኢልክዮ ኢኺ?' እናበሉ የሸግሩኒ ነይሮም፣ ብፍላይ ኣብ ፈለማ ብዙሕ ሰብ ኣይቅበለካን እዩ፡" ብምባል ነቲ ዝሓለፈቶ መሰናኽላትን ዝወርዳ ዝነበረ ሕሜታታትን ትዝክር።

"ኣነ ግን፡ ዝዀነ ይዅን እንታይ ኣእተወኩም፣ ውድበይ እንተፍቂዳትለይ ንዓኻትኩም እንታይ ይምልከተኩም? ልዕሊ ዅሉ ሰብ ከማይ እዩ፣ ሰብ እየ ኣፍቂረ። ደሓር ከኣ ዝዀነ ይዅን ካብ ዝመጸ ይምጻእ፡ ኣብዚ ሕጂ ተጋዳላይ ከማይ ብጻየይ ምዃኑ እየ ዝፈልጥ. . . የፍቅሮ እየ ድማ፡ ይብሎም ነይረ።" ብምባል ፍቕሪ ዘይስዕሮ ነገር ከምዘየለ ትገልጽ።

"ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ኣንደር - ትሕቲ መሬት - ክልተና ንበይንና እናዕለልና፡ ሓላፊኣ ኣብ ቦታኣ መጺኡ ስኢንዋ ናብቲ ዝነበርናዮ መጺኡ። ሽዓ መዓልቲ ፍቕርና ተገላሊጽና ግን ዋላ ሓንቲ ዝተገብረ ኣይነበረን፡" ይብል'ሞ ማሞ፡ ይከታተልዎም ስለዝነበሩ ግን፡ ከም መቕጻዕቲ ጕድለት ዲሲፕሊን ተሓሲቡ፡ ንዕኡ ናብ ካልእ ዝረሓቐ ቦታ ቀየርዎ።

ደሓር ግን፡ ድሕሪ'ቲ ናይ መጋቢት 1984 'ውቃው እዝ' ዝተሳዕረሉ ውግእ፣ ንሱ ነቶም ዝመጽኡ ሓደስቲ ምሩኻት ክምህር፡ ንሳ ድማ ኣባል ሓለዋ ኰይና፡ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ከም ዘተራኸቡ፡ ክልቲኦም የዘንትው።

"ኵሉ ሰብ ሓደ ኣይኰነን ዝድግፈካ'ውን ኣሎ፡" ኢላ ድማ ኣብዚ ሓጐጽጐጽ'ዚ፡ ሳባ ዮሃንስ 'ቡፍ'፡ ትበሃል ተጋዳሊት ብጸይታ፡ 'ኦጆኺ፡ ንድሕሪት ከይትብሊ፡' እናበለት ኣብ ጐድና ደው ካብ ዝበሉ ተጋደልቲ ሓንቲ ምንባራ ትዝክር።

በቃ ወሲነ፡ እቲ ፈለማ ዝስምዓኒ ዝነበረ፡ 'ኣበይ ክንራኸብ ኢና?' ዝብል ፍርሒ እናጠፍአ፣ ብሓደ ክንነብር ከም እንኽእል ከኣ እናኣመንኩን ልበይ እናረግአን መጺኡ፣ ብድሕሪኡ ጸኒሕና ዝምድናና ኣብ፡ 1986 ብወግዒ ኣማእኪልናዮ፡ ትብል።

'ምምእካል ዝምድና' ብባህልን ስነምግባርን ገድሊ ከም ሕጸ ስለዝሕሰብ፡ ዋላ'ኳ 'ቲ ናይ ውልቀሰባት ትሒም-ትሒም እንተዘይተረፈ፡ ብድሕሪኡ ከም ሕጹያት፡ ናጻ ኰይኖም ክበጻጽሑን ከዕልሉን፡ ብሕጊ ዘሕትቶም ኣይነበረን።

ማሞ ከም ዝዝክሮ፡ ኣብ ሳሕል ጓል ማኦ 'ገላየ ገላየዋ፡' እናበለት ትደርፍ ምንባራ ዝሰምዑ፡ ንጓል ማኦ፡ 'ገላየዋ' ኢሎም ሳጓ ኣውጺኦምላ ነይሮም።

ስም ናይታ ኣብቲ መጽሓፍ ንኣኣ ዝወከለት ጠባይ 'ገላየ' ዝተባህለሉ መንቀሊ ድማ፡ ንሱ ምዃኑ ይገልጽ።

መርዓን ውላድን

ማሞ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ህይወት ምሩኽ፡ ኣብ 1982 ናጻ ተባሂሉ፣ ክጋደል ወሲኑን ማዕረ ካልኦት ተጋደልቲ ኤርትራውያን መሰል ረኸበ።

ምስ ሓንቲ ተጋዳሊት ዝጀመሮ ፍቕሪ ድማ መዛረቢ ኰነ።

ኣብ 1988፡ ኣብቲ 36 ጽምዲ [72 ተጋደልቲ] መርዓውቲ፡ ኣብ ናቕፋ ብሓደ ቃልኪዳን ዝኣሰሩሉ ኣጋጣሚ፡ "ሓደ ኢትዮጲያዊ ምሩኽ ወተሃደር ነበር፡ ማሞ ኣፈታ ምስ ሓንቲ ኤርትራዊት ተጋዳሊት - ሂወት ተስፋይ ሃብቱ - ጓል ማኦ" ተዛሚዱ [ቃልኪዳን ኣሲሩ] ተባሂሉ ኣብ እዋኑ፡ ኣብ ሰውራ ዓቢይ ኣርእስቲ ኰነ።

ክልቲኦም ድማ ብውልቃዊ ሂወቶም ዓቢይ ሰውራ ከም ዘርኣዩ እዮም ዝኣምኑ።

ማሞ፡ እቲ ኣብ ጽባሕ ምድምሳስ ናደውን ምፍራስ ግንባር ናቕፋን፡ [መጋቢት 1988] ኣብ ናቕፋ ቃልኪዳን ዝኣሰሩሉ ኣጋጣሚ፡ ድሙቕ ምንባሩን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኽብሩ ተባሂሉ ብኣምሓርኛ 'እስክስታ' ከምዝተደርፈን ይዝክር።

"ይዝከረኒ ሽዑ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ሙሳ ናይብ እዩ መግለጺ ሂቡ፡" ኣብ መንጐና ንፈለማ ግዜ ሓደ ኢትዮጲያዊ ቃልኪዳን ክኣስር ዕድል ከም ዝረኸበ ተዛሪቡ፡ ኢላ'ውን ጓል ማኦ ንዕለት መርዓኦም ትዝክር።

ናቕፋ ኣብ 1976 ሓንሳእ ሓራ ምስ ወጽአት ደጊማ ብሰራዊት ኢትዮጲያ ዘይተታሕዘት፡ ክሳብ ምፋርስ ናደው ከቢድ ምርብራብ ዝተገብረላ ታሪኻዊት ከተማ እያ።

መርዓኦም ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ኸኣ፡ ኣብ ሕጽኖቶም ኣብታ ማሞ፡ ቅድመኡ ቅድሚ 12 ዓመታት ዝተማረኸላ፡ ካብ ናቕፋ ኣስታት 65 ኪሎሜትር እትርሕቕ ኣፍዓበት ክዛወሩ ፍቓድ ምርካቦም እዩ።

ማሞ፡ ነቲ ስምዒት ብመገዲ'ቲ ኣብ መጽሓፉ ዝፈጠሮ ገጸባህሪ እዩ ዝገልጾ፣ "ጆቴ ብህይወት ተሪፉ ዳግማይ ኣፍዓበት ክርእያ እንከሎ፡ ኣዕጽምቲ'ቶም ምስኡ ነይሮም ዝወደቝ ኢትዮጲያውያን ዝረግጽ ዝነበረ ኰይኑ ስለዝተሰምዖ ምኽኣል ስኢኑ ብኣፉ ወደቐ፣ 'ገላየ' እውን ምስኡ ወደቐት።"

እቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረ ስምዒታት ከኣ፡ ድሕሪ ኪዳኖም 'ኣድማስ' ዝሰመይዎ በዅሪ ወዶም ምስ ተወለደ ዝያዳ እናጠፍአ ኸደ።

ሸውዓተ ኣዋርሕ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ድማ፡ ኣታ 'ረቲና' ዝሰመይዋ ካልኣይቲ ውላዶም ሰዓበት።

"ድሕሪ ናጽነት፡ ናብ ኣደይ፡ ናብ ጋዴን ክንከይድ እንከለና ራብዓይ ርእሰይ እየ ነይረ፣ ተመርዕየ ክልተ ወሊደ ተመሊሰያ - ነደይ።"

ኣብ ገዛና፡ ኣደይ ሓፍተይ ደቂ ሓፍተይ እዮም ጸኒሖምኒ፣ ደቀይ ሓቝፈ ብምምጽአይ ነቲ ስምዒታት ውሒጥዎ እዩ - ብመጠኑ። ኣቦይ ግን ኣብ ደቀምሓረ እዩ ነይሩ፣ 'ኣምሓራይ ከኣ ሒዝክለይ መጺእኪ' [ብተለምዶ ኣብ ኤርትራ፡ ኵሉ ኢትዮጲያዊ ኣምሓራይ እዩ] ኢሉ ሓንሳእ ጸርጸር ኢሉ ነይሩ፡ ብምባል እናሰሓቐት ትዝክሮ።

ኣብ ግዜ ናጽነት'ውን ኣሽሓት ምሩኻት፡ 'ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኢትዮጲያ' ስለዝነበሩ፡ ማሞ ኣብ ስራሕ ጕዳይ ምሩኻት ጽሙድ ነበረ። ብባጽዕ ኣቢሉ ድማ ናብ ኣስመራ ከም ዝኣተወ ይዝክር።

ብዛዕባ ሓዳሮም ክዛረብ እንከሎ ማሞ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኪዳኖም ጸኒዖም ከምዘለውን ኣርባዕተ ውሉዳት ከም ዘለውዎምን ይገልጽ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ገዛ ተዋሂቡና፡ ኣብኡ ሓዳር መስሪትና ናብራና ጀሚርና፡ ይብል ማሞ። ኣብ ኣስመራ ድማ፡ ነቲ ኣብ እዋን ንእስነቱ ዝተፈልዮ ትምህርቲ ክቕጽል ዕድል ረኺቡ፣ ኣብቲ ፍሉጥ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ [ቀሃስ] - ኣስመራ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ፣ ንዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣምጺኡ ነይሩ። ፊልሞን ዝሰመይዎ ቈልዓ ሰሊሶም ድማ ናብራኦም ኣብ ኣስመራ መሊሱ ሞቐ።

ብድሕሪኡ ግን፡ ኣደኡ ንኽኣሊ ተፈቒድዎ፡ ተጣይሱ ካብ 1995 ኣቢሉ ናብራኦም ናብ ኢትዮጲያ ገዓዘ። እታ ሕጂ ሆስተስ ዘላ ራብዓይቲ ጓሎም፡ "ሄናን" ድማ ኣብኡ ተወልደት።

ኣብዚ እዋን ናብራኦም ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዘሎ ማሞን ሂወት ጓል ማኦን፡ እቲ ኣብ ሳሕል ዝተወልደ ኣድማስ በዅሪ ወዶም፡ ተመርዕዩ ከም ዝወለደን ሓጐታት ክዀኑ ከም ዝበቕዑን ብሓጐስ ይገልጹ።

ዝቐጸለ ጸገም

ኣብ ሳሕል ከለና፡ ሕርስን ውላድን ምስ መጽአ፡ ኣብ እንዳ ሓራሳት እየ ነይረ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣይጸናሕኩን ተጣይሰ። ካብኡ ኣብ 1995 ኣቢሉ ኣብ ኢትዮጲያ እናነበርና፡ ኣብ '98 ጉዳይ ባድመ ተላዒሉ፡ ትብል ጓል ማኦ።

ሽዑ ተጋደልቲ 'ሻዕቢያ' ኰይኖም ኣብኡ ዝነበሩ፡ ናብ ምምሕዳራቶም ከመልክቱ ከም ዘለዎም መምርሒ ወጽአ'ሞ፡ ጓል ማኦ ከኣ ኣመልከተት።

በቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት ድማ፡ ፖሊስ ኣብ ገዝኣ መጺኦም፡ ፈለማ ኣብ ሓደ መደበር ፖሊስ ኣሰርዋ።

ካብኡ፡ 'ሸጐሌ' ናብ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተወስደት። ሞሞ ኸኣ ቈልዑ ሒዙ ኣመና ተሸገረ።

እንታይ ከም ዝወርድ ከኣ ንኽልቲኦም ኣሻቓሊ ነይሩ።

ማሞ ብዝፈልጦም ኣዕሩኽቱ ገይሩ ኵነታታ ክሓትት፡ ላዕልን ታሕትን ክብል ኣየዕረፈን።

ድሕሪ ገለ መዓልታት ማእሰርትን ምክልባትን ግን፡ "ኣደ ቈልዑ እያ፣ ሰብኣያ ድማ ኢትዮጲያዊ እዩ፡" ተባሂሉ ክትፍታሕ ተገብረ።

ጓል ማኦ፡ ናብ ደቃን ሰብኣያን'ኳ እንተተመልሰት ናብራ ግን ቀሊል ኣይነበረን።

ብፍላይ ንሳ፡ ዓመታት ብሽቝረራን መንነታ ሓቢኣን ክትነብር ተገደደት።

"ትግራወይቲ እየ" ኢለ ኣየ ዝነብር ነይረ፡ ኸኣ ትብል። '

ተጋደልቲ ሻዕቢያ' ኴንካ፡ ኣብ ከምኡ ዝበለ ዝተወጠረ ሃዋሁ ብዅሉ መዳያቱ ክትነብርን ደቅኻ ከተዕብን ከቢድ ሽግራት ከም ዘሕለፉ፣ ሕጂ ግን ብተዛማዲ ደቈም ኣእኪሎም ፍቕሪ ዝመልኦ ናብራ ይነብሩ ከም ዘለው፡ ፍናን እናተሰምዖም ይገልጹ።

ማሞ፡ እተን ክረድአን ኢሉ ሓንሳእ ምስተፈልየን ድሕሪ 18 ዓመታት ዝረኸበን ዘቅፍረን ኣደኡ ኸኣ፡ ኣብዚ እዋን ምስኦም ይነብራ ከም ዘለዋ፡ ወሲኹ የዘንትዩ።

መደምደምታ

ደራሲ ማሞ ኣፈታ፡ ካልኣይ ክፋል መጽሓፍ "ኣንቱ በእናት" ክስዕብ ምዃኑ፡ ንቐዳማይ ክፋል መጽሓፉ ከኣ፡ ኣብታ ዝዓበየላ ተገፍቲና ዝጸንሓንቶ ቤቱ፡ መንነቱ ከይነገረ ነተን ን18 ዓመታት ዝተፈልየንን ዝጋገያኦን ኣደኡ ዝረኸበሉ መሳጢ ኣጋጣሚ ኣዝንትዩ ዛዚምዋ'ሎ።

ማሞ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ወተሃደር ተመኵሮኡ ምርኩስ ገይሩ፡ ነቲ፡ "ሰራዊት ደርግ ኣብ መወዳእታ ዝተሳዕረሉ ምኽንያት እንታይ ኢልካ ትሓስብ?" ተባሂሉ ብጋዜጠኛ ኢቢኤስ ዝቐረበሉ ሕቶ ከብርህ እንከሎ፡ ብወተሃደራዊ ሳይንስ፡ ካብ ማእከል እናረሓቕካ ክትከይድ እንከለኻ ደጀን ትስእን፤ መልክዓ-ምድሪ እቲ ቀንዲ ማእከል ኲናት ዝነበረ ብፍላይ ሳሕል 'መፈጠርካ ክሳዕ ትጸልእ' ጽንኵር እዩ።

ብኣንጻሩ ኤርትራውያ ንዕላማኦም ጸኒዖም ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር ኵነታት ን30 ዓመታት እዮም መሬት ነኺሶም ተዋጊኦም፤ ዝዓበዩሉ፡ ዝጐበዙሉ፡ ዝተማህሩሉ፡ ዝነገዱሉ፡ ዝተመላለስዎ፡ መእተዊኡን መውጽኢኡን ኣብ ዝፈልጥዎ መሬት እዩ 'ቲ ውግእ፣ ህዝቢ ድማ ንናጽነት ብዝነበሮ ክቱር ድሌት፡ ገዚፍ ደገፍ ገይሩ እዩ፡ ብምባል ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጲያ ብናቱ ኣረዳድኣ ኣብሪሁ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ እቲ ብዛዕባ'ዚ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ብዙሕ ቤላቤለውን፡ ንሰራዊት ኢትዮጲያ ኣነኣኢስካ ምርኣይን ግጕይ ምዃኑ፣ እቲ ሰራዊት ብዝከኣሎ ከም ዝተዋግአ፣ ግን ከኣ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ናይ ናጽነት ድሌትን ንናጽነትካ ሓያል ናይ ምቅላስን ክስዕሮ ከም ዘይከኣለ ኣረዲኡ።

ደራሲ ማሞ ኣፈታ፡ ኣብ ገበር ድሕሪት መጽሓፉ፡ 'መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጲያ፡ ደቁ ኣብቲ ኲናት እንታይ ከም ዘጓነፎም ስለዘይፈልጥ፡ ደራሲ ከየጋነነን ከየጕደለን ከቕርብ ፈቲኑ'ሎ. . .።' ብምባል ንትሕዝቶን ኣገዳስነትን ኣቀራርባን እቲ መጽሓፍ ኣተንቢሁ'ሎ።

"እዚ መጽሓፍ ኣብ ልቢ ኢትዮጲያውያንን ኤርትራውያንን ዝሰፍር ሰነድ እዩ፡" ድማ ይብል።