ምስ ፑቲን ፍቕራዊ ርክብ ከምዘለዋ ዝዝረበላ ኣሊና ካባኤቫ መን’ያ?

Published

እታ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ዝፈፀመት ሩስያ ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሕ እገዳታት ተሸሚማ ምህላዋ ይፍለጥ። ምስ ፑቲን ፍቕራዊ ርክብ ከምዘለዋ ዝዝረበላ ፖለቲከኛ፣ ሓላፊት ሚድያ፣ ኦሎምፒካዊት ከምኡ ድማ ሓቂ እንተኾይኑ ፍቕራዊ መሓዛን ኣደ ገለ ካብ ደቁን ከምዝኾነት ዝዝረበላ ኣሊና ካባኤቫ’ውን ዒላማ ሕብረት ኣውሮጳ ኮይና’ላ።

ብሕብረት ኣውሮጳን ካልኦትን ዝንበሩ ዘለዉ ማዕቐባት ነቶም ኣብ ዙርያ ፕረዚደንት ሩስያ ዝርከቡ ሰባት ንምቕፃዕ ዓሊሞም ዝተወጠኑ እዮም። እቶም ማዕቐባት ነቶም ምስ ፑቲን ብዘለዎም ቅርበት ተረባሕቲ ዝኾኑ ምልከ-ውህዳን፣ ፖለቲከኛታትን ሹመኛታትን ዒላማ ይገብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሜሪካን ብሪጣኒያን ኣብ ልዕሊ: ፑቲን ካብ ናይ ቀደም በዓልቲቤቱ ዝወለደን ጓል 36 ዓመት ማሪያን 35 ካትሪናን ማዕቐብ ከምዘንበራ ይዝከር።

ኣሊና ካባኤቫ ግን ክሳብ ሎሚ ኣብ ምህዳም ትርከብ። ምናልባት ንሳ’ውን ዒለማ ትኸውን ከምዘላ ከይተገንዘብት ኣይትተርፍን። ካብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ክትስጎግ ዝጠልብ ፊርማ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ’ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት ብኦንላይን ተኻይዱ ነይሩ።

ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ምንጪታት ከምዘረጋገጽዎ ድማ ኣሊና ሓንቲ ካብ'ቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብሕብረት ኣውሮጳ ማዕቐብ ክንበረሎም ዝርዝር ኣስማቶም ዝተትሓዙ ሰባት’ያ።

ዒላማ ዝኾነትሉ ምኽንያት ከኣ ንግዝኣት ክረሚያ ብዝምልከት ፕሮፓጋንዳ ብምዝርጋሕን ምስ ወዲ 69 ዓመት ፕረዚደንት ፑቲን ብዝለዋ ርክብን ከምዝኾነ ፀብፃብ ኤኤፍፒ የመልክት።

ሓዳርን ሕቡእ ፍቕራዊ ርክብን

መራሒ ሩስያ ፑቲን ብዛዕባ ውልቀ ህይወቱ ካብ ምዝራብ ወትሩ ምስተዓቀበ እዩ። ነዚ ዝምልከቱ ሕቶታት ክቐርቡሉ ከለዉ ሽፍንፍን ኣቢሉ ክሰግሮም’ዩ ዝመርፅ።

ምስ ኣሊና ርክብ ከምዘለዎ ንዝዝረብ ግን ነጺግዎ’ሎ።

‘ሞስኮቭስኪ ኮረስፖንደንት’ ዝተብሃለ ጋዜጣ ሩስያ ኣብ 2018 ዝዘርግሖ ዜና፡ ፑቲን ንበዓልቲ ቤቱ ልዩድሚላ ፈቲሑ ንኣሊና ካባኤቫ ክምርዓዋ ውጥን ከምዘለዎ ኣቃሊዑ ነይሩ። ክልቲኦም ግን ነቲ ሓበሬታ ነፂጎምዎ።

ብዙሕ ከይፀንሐ እቲ ጋዜጣ ብሰበስልጣን እታ ሃገር ተዓፅዩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ ልዩድሚላን ፑቲንን ከምዝተፋትሑ ብወግዒ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሽዑ ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ኣሊና ርክብ ከምዘይብሉ ብምግላፅ ነቶም ዝወጽኡ ሓበሬታትት ነፂግዎም’ዩ። ንሳ ድማ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ዝለዓለ ዝና ካብ ዝረኸበትሉ ጂምናስቲክ ናብ ፖለቲከኛነት ክተዛዙ ጀሚራ።

ተወዳዳሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን በቲ ስፖርት ኣብ ዓለም ብልፅቲ ክትብሃል በቒዓ ነይራ።

ኣሊና መን’ያ?

ብ1983 ኣቆፃፅራ አውሮጳ ዝተወለደት ኣሊና ገና ቆልዓ 4 ዓመት እናሃለወት ጂምናስቲክ [ብፍሉይ ሪትሚክ ጂምናስቲክስ] ዝብሃል ስፖርት ጀሚራ።

“ፈለማ ምስረኣኽዋ ክኣምን ኣይከኣልኩን። እታ ቐልዓ: ክልተ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዘይትረኽቦም ብቕዓታት ኣዋሂዳ ዝሓዘት ነይራ። እቶም ኣብ ሪትሚክ ጂምናስቲክስ ወሰንቲ ዝበሃሉ ብቕዓታት ተዓፃፃፍነትን ንጡፍነትን እዮም” ክትብል ትገልጻ ኣሰልጣኒታ ኢሪና ቫይነር።

ኣብ 1996 ፈላሚ ዓለም ለኻዊ ውድድራ ዝተሳተፈት ኮይና፡ ብ1998 ከኣ ብዙሓት ብዘይተፀበይዎ ኣብ ሻምፒዮንሺፕ ኣውሮጳ ክትዕወት በቒዓ።

ብ2000 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ሲድኒ ብሰንኪ ቀሊል ስሕተት ነሓስ ሒዛ ዝተፋነወት ኣሊና ድሕሪ 4 ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኣቴንስ ግን ነታ ወርቂ ንኻልእ ተወዳዳሪ ኣሕሊፋ ኣይሃበትን። ሒዛታ ናብ ሩስያ ኣተወት።

ካብቲ ውድድር ክትሰናበት ከኣ 18 ሚዳልያታት ውድድራት ሻምፒዮንሺፕ ዓለም ከምኡ’ውን 25 ሜዳልያታት ሻምፒዮንሺፕ ኣውሮጳ ሒዛ ነይራ።

ኣብ 2001 ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ሩስያውያን ኣትሌታት ንሳ’ውን ሓይሊ ወሃቢ ንጥረ-ነገር ወሲዳ ስለዝተረኸበት ዝረኸበቶም ሜዳልያታት ክትመልስ ከምዝተገበረት ይፍለጥ።

ገፃ ናብ ፖለቲካ ምስመለሰት ከኣ ናብ መራሒ ውድብ ‘ዩናይትድ ሩስያ ፓርቲ’ ብምፅምባር ኣባል ታሕተዋይ ባይቶ እታ ሃገር ክትኸውን በቒዓ።

ኣብ 2014 ነቲ ኣብ ሩስያ ገዚፍ ዝኾነ ‘ናሽናል ሚድያ ጉሩፕ’ ብኣዶ መንበርነት ክትመርሖ ተሸይማ።

እቶም ሚድያታት፡ ኣብ ኲናት ዩክሬን ንሩስያ ዝድግፉ ፕሮፓጋንዳታት ኣብ ምዝርጋሕ ዝተፀመዱ ኮይኖም’ዮም ተራእዮም። ዩክሬን ንናይ ብዓላ ከተማታት ትድብድብ ከምዘላን ወተሃደራት ሩስያ ናይ ነፃነት ሰራዊት ከምዝኾኑን ክገልፁ ተሰሚዖም።

ፑቲንን ኣሊናን መዓዝን ኣበይን ተራኺቦም ንዝብል ንፁር መልሲ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ ዕውታት ኣትሌታት ኦሎምፒክ ክራኸብ ግን ዘይልሙድ ኣይኮነን። ኣብ 2001 ዓብዪ ሃገራዊ ክብሪ ክሽልማ ከሎ ዘርእይ ፎቶ ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ካብ ክልቲኦም ዝተወለዱ ቆልዑ ከምዘለዉ ዝሕብሩ ሓበሬታት ዝወጽኡ ኮይኖም፤ ክንደይ ቆልዑት ኣብ ዝብል ግን ዝተፈላለየ ብዝሒ እዩ ዝቐርብ።

ሓደ ኣብ ስዊዝ ዝሕተም ጋዜጣ ከምዘቃልዖ፤ ኣሊና ካባኤቭ ኣብ 2015 ኣብ ጥቓ ደቡብ ስዊዘርላንድን ሰሜናዊ ጣልያንን ዘራኽብ ዶብ ዝርከብ ‘ቀላይ ሉጋኖ’ ናብ ዘሎ ክሊኒክ ከይዳ ሓደ ቆልዓ ወሊዳ ነይራ። ካልኣይ ቆልዓ ድማ ብ2019 ኣብቲ ቦታ ደጊማ።

መንግስቲ ሩስያ ግን ነቶም ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ዝቐርቡ ክስታት ኩሎም ክነፅጎም ይስማዕ።

ኣብ 2015 ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ፑቲን “ናይቲ ዝተወለደ ቆልዓ ኣቦ ቭላድሚር ፑቲን ከምዝኾነ ዝገልጽ ሓበሬታ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኮነን” ኢሉ ነይሩ።

ኣሊና ብወገና ብዛዕባ እቲ ምስ ፑቲን ኣለዋ ዝብሃል ርክብ ክዝረብ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ንደሓር ንነብሳ ካብ ህዝባዊ መድረኻት ክተርሕቕ መሊሳ ድማ ቅልቅል ክትብል ትረኣይ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተወልዓ ኲናት ከምእትድግፍ ዝዝረበላ ኣሊና፡ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቐባት ክድንገጉ ዝጽውዑ ወፍርታት ይረኣዩ ኣለዉ።