እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም ዘይርሰዓ ኣና ፍራንክ፡ ብናዚ ምስተትሓዘት እንታይ ኣጋጢምዋ?
ብንእሽቶ ብዝሰረሐቶ ታሪኽ ኣብ መላእ ዓለም ስማ ዝፍለጥ ኣና ፍራንክ፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ብ12 ሰነ 1929 እያ ተወሊዳ፡፡
ኣብቲ ሆሎኮስት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ጭፍጨፋ ኣብ ኔዘርላንድስ ነይራ፡፡
እቲ ካብ ሃደንታ ዝነበሩ ወታሃደራት ናዚ ተሓቢኣ ዝጸሓፈቶ መዓልታዊ ውዕሎኣ ዘዘንቱ መዝገባ (ዳያሪ)፡ ኣብ መዳጎኒ ናዚ ምስ ሞተት ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት፡ ብ30 ግንቦት 1952 ብቋንቋ እንግሊዝ ተሓቲሙ ተዘርጊሑ፡፡
ሎሚ እቲ ኣና ትንብረሉ ዝነበረት ቤት፡ ካብ ፈቐድኡ ዓለም ንዝመጽኡ ቱሪስት በጻሕቲ ሃገር ካብ ዝኽፈት ሎምዘበን 62 ዓመቱ ገይሩ ኣሎ።
ኣና ምስ ቤተሰባ ኣብ ኣምስተርዳም ትነብር ነይራ፡፡ እቲ ኵናት ምስጀመረን ግፍዕታት ናዚ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ እናኸፍአ ምስ ከደን ኣብ 1942 ንሳን ስድረኣን ካብ ወታሃደራት ናዚ ክሕብኡ ግድን ኮይኑዎም፡፡
ናዚ፡ ኣብ ኣውሮጳ ንዝርከቡ ኣይሁድ ንምጥፋእ ዝዓለመ እኩይ መደብ ሒዙ እዩ ተበጊሱ። ኣና ከኣ ካብቶም ኣብ ሆሎኮስት ብዘሕዝን ኣገባብ ዝሃለቑ ሓንቲ እያ፡፡
ኣና ከኣ ካብ ወተሃደራት ናዚ ተሓቢኣ መዓልታዊ ውዕሎኣ ትጽሕፍ ነበረት፡፡ ድሕሪ ሞታ እኳ እንተተሓትመ እቲ መጽሓፍ ካብቶም ኣብ ዓለም ብዙሕ ዝተነቡ ስሙያት መጻሕፍቲ ክኸውን በቒዑ።
ቊልዕነት ኣና ፍራንክ
ኣናሊስ ማሪ ፍራንክ ብዝብል መጸውዒ እትፍለጥ ኣና፡ ኤዲትን ኦቶን ካብ ዝተባህሉ ኣይሁድ ስድራ ቤታ ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ፍራንክፈርት ተወሊዳ፡፡ ምስ ዓባይ ሓፍታ ማርጎት ናይ ሰለስተ ዓመት ፍልልይ ነይሩወን።
ኣና ድሕሪ ሞታ እዩ ደራሲት ናይ ምዃን ሕልማ ተጋሂዱ፡፡
ወላዲኣ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ሓለፈ ነቲ መዓልታዊ ትጽሕፎ ዝነበረት መዘከርታ ኣሕቲምዎ፡፡
ኣብ ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጀርመን ኣብ ትሕቲ ዓዘቕቲ ድኽነት ወዲቓ ነይራ፡፡ ኣዶልፍ ሂትለር ከኣ ንኹሉ እቲ ጸገማት፡ "ተሓተትቲ ንሳቶም እዮም" ክብል ንኣይሁድ ኣላጊቡሎም።
ናይ ሂትለር ሰልፊ ብ1933 ስልጣን ምስሓዘ ንኣይሁዳውያን ከከላብት ጀሚሩ፡፡ ስድራ ኣና ድማ ካብቲ ዘንጸላሉ ዝነበረ ሓደጋ ክኽወሉ ናብ ርእሰ ከተማ ኔዘርላንድስ ኣምስተርዳም ሃዲሞም፡፡
ኣና ኣብ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊባ፡ መሓዙት ረኺባ፡ ቀልጢፋ እውን ቋንቋ ዳች መሊኻ፡፡
ኣና ጓል 10 ዓመት ኣብ ዝኾነትሉ ዓመት ከኣ ጀርመን ብ01 መስከረም 1933 ንፖላንድ ስለዝወረረራ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተወለዑ፡፡
ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ጀርመን ንኔዘርላንድስ ወሪራታ። ስርዓት ናዚ ከኣ ኣኣብ ዝኣተዉዎ ሃገር ንኣይሁድ ምህዳን ቀጸሉ።
ኣና ኣብ እዋን ሆሎኮስት
ኣና ጓል 13 ዓመት ምስኮነት ውዕሎኣ እትምዝግበላ ደብተር ተዋሂባታ፡፡ ነታ ደብተር ድማ ኬቲ ኢላ ሰይማታ፡፡
ብ12 ሰነ 1942 ከኣ ንፈለማ እዋን ኣብታ ደብተር መዘክራ ጽሒፋ፡፡
ኣብቲ እዋን፡ ስርዓት ናዚ፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ንዝነብሩ ኣይሁድ ይሃድኖም ነይሩ። ሽዑኡ ምዕባይ ኣና፡ ማርጎት፡ ኣብ ናይ ናዚ ካምፕ ክትሰርሕ ተኣዚዛ፡፡
እንተኾነ ብሰንኪ'ቲ ኣብቲ ካምፕ ንማርጎት ዝወርዳ ዝነበረ ምፍርራሕ፡ ስድራ-ቤታ ኣብ ድሕሪት እቲ ኣቦኣ ዝሰርሐሉ ናይ ንግዲ ቦታ ክሕብኡ ወሲኖም፡፡
ምስኦም ከኣ ቫን ፔልስ ዝተባህለ ኣርባዕተ ኣባላት ዘለዉዎ ቤተሰብ እውን ሓቢሮምዎም ተሓብኡ።
ፈተውትን አዕሩኽን ስድራ ኣና፡ ምግብን ሓበሬታን የቐብሉዎም ነይሮም፡፡
ንኣና ሓንቲ እምንቲ መሓዛ ነይራታ። ምስታ መሓዝኣ እያ ተዕልልን ትጻወትን። እታ እምንቲ መሓዛኣ ከኣ እታ መዓልታዊ ውዕሎኣ ግጥሚታትን ፍጻሜታትን እትምዝግበላ ዝነበረት ደብተር እያ ነይራ፡፡
ኣና ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዝፍጸም ዝነበረ ዘሰቅቕ ሓቂታት ብዝርዝር ትጽሕፎ ነይራ።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ኢንግላድ ዝርከብ ናይ ኔዘርላድስ ቤት ትምህርቲ፡ ዜጋታት ኣብ እዋን ኲናት ዝተጽሓፋ መዓልታዊ ሰነዳት ብኽብሪ ክዕቅቡዎም ዝምሕጸን ምልክታ ብራድዮ ኣቃለሐ።
ነቲ ምልክታ ዝሰምዐት ኣና፡ እቲ መዓልታዊ እትጽሕፎ ዝነበረት መዘከርታ ናብ መጽሓፍ ክትቅይሮ ድርኺት ፈጢሩላ፡፡
ነቲ Het Achterhuis ወይ ድማ The Secret Annex ዝተባህለ መጽሓፋ እናርቀቐት ከኣ፡ ስርዓት ናዚ ነቲ ቤተሰባ ንኽልተ ዓመት ዝተሓብኡሉ መዕቆቢ ረኺቦምዎ፡፡
ነቲ ዝተሓብኡሉ ቦታ ብኸመይ ከምዝረኸብዎ ግን ክሳብ እዚ እዋን ብልክዕ ኣይፍለጥን'ዩ፡፡
እቶም ተሓቢኦም ዝተረኽቡ ሰባት ብ4 ነሓሰ 1944 ናብ መዳጎኒ ኦሽዊትዝ-ቢርካኑ ተወሲዶም፡፡
ኣና ናብቲ መዳጎኒ ቅድሚ ምኻዶም ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ እያ ንመወዳእታ ግዜ ኣብታ ደብተር መዘከርታኣ ኣስፊራ።
ኣና ምስተታሕዘት እንታይ ኣጋጢምዋ?
ኣናን ቤተሰባን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ስለዝነበሩ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ መዳጎኒ ክሰርሑ ተኣዚዞም፡፡
ኣቦ ኣና ካብቲ ቤተሰብ ተፈልዩ፤ ቀጺሉ ኣናን ማርጎትን ካብ ኣዲአን ተፈልየን፡፡
እቲ ቤተሰብ ኣብ ኣምሰተርዳም ተሓቢኡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምግቢ ዘቐብሉዎም ዝነበሩ መሓዙት ኣቡኣ ነቲ ናይ ኣና መዘከርታ ረኺቦሞ። ሓደ መዓልቲ ክትምለስ እያ ኢሎም ስለዝሓሰቡ ከኣ ብስርዓት ኣቐሚጦምላ። ኣና ግን ኣይተመለሰትን፡፡
ኣብ ጥቅምቲ 1944 ኣናን ሓፍታ ማርጎትን ቤርገን-ቤልሰን ናብ ዝተባህለ መዳጎኒ ምስተወስዳ ጥዕነአን ክመዛበል ጀሚሩ፡፡
ኣብ 1945 ከኣ ብናይ ሒደት መዓልታት ፍልልይ ክልቲአን ብሕማም ታይፎይድ ሞይተን፡፡ ኣዲአን ኤዲት እውን ተቐቲላ፡፡
ካብታ ቤተሰብ ካብ ቅትለት ሆሎኮስት ኣቦአን ጥራሕ ተረፈ። ድሕሪ ስዕረት ናዚ ከኣ እቶም ኣብ ኣምስተርዳም ዝነበሩ ፈተውቱ እታ ኣና ጓሉ መዓልታዊ ውዕሎኣ እትምዝግበላ ዝበረት ሰነድ ሂቦምዎ፡፡
ኣና ምስ ሞተት እውን ኣብ ጽሑፋታ ዘበናት ተሳጊራ ክትነብር ከምእትደሊ ዝተረደአ ወላዲኣ ነቲ ናይ ጓሉ ጽሑፍ ኣሐቲምዎ፡፡
ብ25 ሰነ 1947 ከኣ ካብ 3 ሽሕ ንላዕሊ ቅዳሓት ብቋንቋ ዳች ተሓቲሙ፡፡ ነዊሕ ከይጸነሐ ከኣ እቲ መጽሓፍ ብብዙሕ ቋንቋታት ተሓትመ፡፡ ብድራማን ፊልምታን እውን ተሰርሐ፡፡
ታሪኽ ኣና ኣብ መላእ ዓለም ሚልዮናት ሰባት ኣንቢቦምዎ እዮም፡፡
ደራሲት ናይ ምዃን ሕልማን ካብ ናዚ ተሓቢኣ ዘሕለፈቶ ህይወት ዝገልጽ መጽሐፍ ናይ ምሕታም ሕልማን ከኣ ድሕሪ ሞታ ጋህዲ ኮይኑ፡፡
ብድሕሪኡ እቲ ምስ ቤተሰባ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ገዛ ንበጻሕቲ ክፉት ኮይኑ፡፡ እቲ ቀንዲ መበቆላዊ ቅዳሕ ናይቲ መዘከርታ ሰነድ እውን ኣብቲ ገዛ እዩ ዝርከብ፡፡