ኲናት ዩክሬን፡ ባይደን ንዩክሬን ንምሕጋዝ 33 ቢልዮን ዶላር ንኮንግረስ ሓቲቱ

Published

ፕረዚደንት ባይደን፡ ንዩክሬን ኣብ መዳያት ምክልኻል፡ ቁጠባን ሰብኣውነትን ንምሕጋዝ ዝውዕል 33 ቢልዮን ዶላር ክጸድቀሉ ንኮንግረስ ሓቲቱ'ሎ።

እንተዀነ ባይደን፡ ኣሜሪካ "ንሩስያ ኣይከተጥቅዕን እያ" ክብል ኣስሚሩሉ፤ ኣሜሪካ፡ ዩክሬን ርእሳ ንኽትከላኸል ኢላ ትሕግዝ ከም ዘላ'ያ ትገልጽ።

ባይደን፡ ነዚ እማመ ንምጽዳቕ ንሓጋጊ ኣካል - ባይቶ - ኣሜሪካ በዳሂ ከም ዝኸውን ብምምልካት፡ እቲ ዕላማ ዩክሬን ርእሳ ንምክልኻል ንክትሕገዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ብመሰረት ዝቐረበ እማመ፡ እቲ 20 ቢልዮን ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ፣ 8.5 ቢልዮን ኣብ መዳይ ቁጠባ፡ እቲ 3 ቢልዮን ከኣ ንሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ባይደን ኣብቲ ብሓሙስ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ መጠን ገንዘብ ቀሊል ኣይኰነን፣ እንተዀነ ንኸምዚ ዓይነት ዕንደራ ዕድል እንተሂብናዮ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዋጋ ከኽፍለና'ውን እዩ" ኢሉ።

እዚ ፕረዚደንት ባይደን ሓቲትዎ ዘሎ መጠን ገንዘብ፡ እዝዩ ገዚፍን ናይቲ ኣሜሪካ ዛጊት ኣብ ዩክረይን ንወተሃደራዊ መሳርያን ሰብኣዊ ሓገዝን ኣውጺኣቶ ዘላ ገንዘብ፡ ልዕሊ ዕጽፊ ምዃኑ፡ ኤዲተር ቢቢሲ ሰሜን ኣሜሪካ ዝዀነት ሳራ ስሚዝ ትገልጽ።

በዚ ኸኣ ፕረዚደንት ባይደን፡ በቲ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዝኹነት ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ኢዳ ዘእተወት ሃገር ቅጽበታዊ ኑክሌራዊ መጥቃዕቲ ክህብ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝገለጾ ዘይንጹር ታህዲድ፡ ከም ዘይግታእ ንምርኣይ ምዃኑ ተዘኻኽር።

ብመሰረት'ቲ ባይደን ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ንዩክሬን ዝሃበቶ ወተሃደራዊ ደገፍ 10 ታንክ ንነፍሲ ወከፍ ሩስያ ናብ ዩክሬን ዘዋፈረታ ሓንቲ ታንኪ እዩ፤ [ዓሰርተ ዕጽፊ ምዃኑ እዩ]።

ኣብቲ ተሪር መደረኡ ግን ባይደን፡ ኣሜሪካ ንሩስያ ኣይኰነትን ተጥቅዕ ዘላ፣ እንታይ ደኣ፡ "ዩክሬን ኣንጻር ወራር ሩስያ ርእሳ ክትከላኸል ምእንቲ ክትኽእል ጥራይ እዩ" ኢሉ።

ብሓሙስ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ምዕራባውያን ዝገብራኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ደገፍ፡ ንጸጥታን ምርግጋእን ኤውሮጳ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ባይደን ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኑክሌራዊ ምፍጣጥ ከም ዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ኣብ ዩክሬን ዘሎ ሓደገኛ ምፍጣጥ ኑክሌራዊ ውግእ፡ ኣቃሊልካ ዝርአ ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ነዚ ዘመልከተ፡ ባይደን፡ "ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣመልኪቱ ዘይሓላፍነታዊ ዘረባ ክዛረብ ኣይግባእን" ኢሉ።

ብተወሳኺ ባይደን፡ ነቲ ሩስያ ትገብሮ ዘላ ምቝራጽ ቀረብ ጋዝ ንፖላንድን ቡልጋርያን ኣመልኪቱ "ብጋዝ ምፍርራሕ" ክብል ገሊጽዎ።

ሩስያ፡ ምፍርራሕ ብምግባር ካብቲ ተነቢሩላ ዘሎ ማዕቀብ ንክትወጽእ'ውን "ዕድል ክንፈጥረላ የብልናን" ኢሉ።

እዚ ብባይደን ቀሪቡ ዘሎ እማመ ብባይቶ ኣሜሪካ ክጸድቕ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ዘርቸር ገሊጹ።

"ባይደን ኣብዚ ንዘቤታዊ ቀዳምነታቱ ካብ ኮንግረስ ባጀት ንኽረክብ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ኮንግረስ ግን ንዩክረይን ወተሃደራዊ ደገፍ ንምሃብ ልዑል ድሌት ኣለዎ" ይብል።

"ሰላሳን ሰለስተን ቢልዮን ቀሊል ገንዘብ ኣይኰነን፣ ካብ ዝሓለፈ እንተርኢና ግን ብቐሊሉ ክጸድቕ ይኽእል እዩ"።

ኲናት ዩክሬን ድሕሪ ምጅማሩ ባይደን ዝሓተቶ'ሞ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ብኮንግረስ ዝጸደቐሉ መጠን ገንዘብ፡ ትሕቲ 14 ቢልዮን ዶላር እዩ ነይሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ባይደን፡ ንወተሃደራዊ ሓገዝ ዩክረይን ዝውዕል 800 ሚልዮን ዶላር፣ ንቐጥታዊ ቁጠባዊ ሓገዝ ዝኸውን ከኣ 500 ሚልዮን ዶላር ኣጽዲቝ እዩ።

ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ኣብ ለካቲት ምስ ጀመረ፡ ኣሜሪካ ተቐላጢፋ ንዩክረይን ኣብ ምሕጋዝ እያ ኣትያ።

ካብቲ ዝገበረቶ ሓገዛት፣ ንወተሃደራውን ጸጥታውን ሓገዝ ዝውዕል 3.7 ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቓ፣ 100,000 ወተሃደራታ ናብ ኣባላት ኔቶ ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳ ኣንቀሳቒሳ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሃብቲን ፖለቲከኛታትን ሩስያ፡ ቁጠባዊ ማዕቀብ፡ ምድስካል ገንዘብን እገዳ ምንቅስቓስን ኣጽኒዓ።

ኣብ ርእሲ'ዚ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንብረትን ርእሰማልን ሩስያውያን ሰብሃብቲ ክተሓዝን ክሽየጥን፡ ኣታዊኡ ድማ ንዩክሬን ክወሃብ ዝብል እማመ ትማሊ ሓሙስ ኣቕሪቡ'ሎ።

ምዕራባውያን መሻርኽትን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተጠርየ ሃብቲ ልሂቃን ሩስያውያን ከም ዘይሰርሕ ንምግባሩ ብሓባር ክሰርሓ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ።

ጸብጻባት ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዘመልክትዎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣሜሪካ ሓደ ቢልዮን ዝግመት ንብረት ክትእግድ እንከላ፡ ኤውሮጳ ብሓባር ኣስታት 30 ቢልዮን ኣደስኪላ'ላ።

እዚ ትማሊ ቀሪቡ ዘሎ እማመ እገዳ፡ ኣሜሪካ ነቲ ካብ ዝተሃገረ ንብረት ዝተረኽበ ገንዘብ፡ "ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ንዝተጐድኡ ወገናት ንምሕዋይ" ክትጥቀመሉ ዘኽእላ እዩ ተባሂሉ።

እዚ፡ ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ 'ምድስካል ንብረት ሰብ ሃብቲ ሩስያውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምህጋር'ውን ንክኽእሉ፡' ዝቐረበ ሓሳብ፡ ኣብ ሊበራላውያን ጕጅለታት ኣሜሪካ ሕቶታት ኣልዒሉ'ሎ።

እንተዀነ፡ 'ኣብ ኮንግረስ ደገፍ ክልተኡ ሰልፊታት ዝረክብ እዩ ዝመስል፡' ክትብል ሳራ ስሚዝ ትግምግም።