ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ‘ዝርርብ ሰላም ተስፋ ኣለዎ’ ኢሉ

Published

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ትማሊ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ልዝብ፡ ተስፋ ከምዝረአየሉ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ለይቲ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ወጺኡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ‘እቶም ተላዘብቲ ዝሓዝዎ ቅዋም ዝሓሸ ምዕባለ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ’ ኢሉ።

እንተኾነ ኢሉ፡ “ንረብሓ ዩክሬናውያን መሰረት ዝገበረ ውሳነ ከኸውን ምእንታን፡ ተወሳኺ ግዜ ከድልየና እዩ” ኢሉ።

ኣብ መንጎ ተላዘብቲ ወከልቲ ሩስያን ዩክረይንን ዝተጀመረ ልዝብ፡ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ሎሚ መዓልቲ፡ ንኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ዘረባ ከስመዕ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ።

ሸምጋሊ ሜካይሎ ፖዶሊያክ፡ ግና ኣብ ልዝብ ኣዝዮም ተጻረርቲ ሓሳባት ይቐርቡ ከምዘለዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እንተኾነ ሕዚ’ውን ንሕድገትን ምቅርራብን ዕድል ኣሎ ኢሉ።

ንሰበ ስልጣንን ጋዜጠኛታትን ሩስያ ድማ፤ ነቲ ወራር ብምቅዋም ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ፡ በዓል ዓሰርተ ክልተ ደብሪን [ደርቢ] ካልእ ትሸዓተ ደብሪ ዘለዎን ህንጻታት፡ ካብ ሰራዊት ሩስያ ብዝተተኮሰ ከቢድ ኣጽዋር ጉድኣት በጺሕዎም ተባሂሉ።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ባርዕ ሓዊ ዝተልዓለ ኾይኑ፡ ክልተ ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን 35 ሰባት ካብቲ ህንጻ ምድሓን ከምዝተኽኣለን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቓሲ ምስልታት፡ ካብቲ ህንጻታት ሓያል ትኪ ነቲ ከባቢ ክዕብልኾ የርእዩ።

ኣብታ ርእሰ ከተማ ኣዋጅ እቶ እቶ ዝተነብረ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ነበርቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተሓቢኦም የሕልፍዎ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ገለ ሰብ ስልጣን ዩክረይን፡ እታ ርእሰ ከተማ ‘ኣብ ዝኸፍአን ሓደገኛን’ ኩነታት ከም እትርከብ እውን ገሊጾም ኣለዉ።