እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረት ዓሪፋ
ካብ ቼክ ተሰዲዳ ንኣመሪካ ዝኣተወት ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ማድሊን ኣልብርይት ኣብ 84 ዓመታ ዓሪፋ።
ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝለዓለት ዲፕሎማት ማድሊን ኦልብራይት ኣብ 1997፡ ኣብ ዘበነ መንግስትነት ፕረዚደንት ክሊንተን እያ።
መብዛሕትኡ ግዜ ከም "ተሓላቒት ደሞክራሲ" እትረአ ማድሊን ዓሌታዊ ግጭት ኮሶቮ ንከብቅዕ ዓብዪ እጃም ነይሩዋ።
ስድራ ቤታ ብሕማም መንሽሮ ከም ዝሞተት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣረጋጊጾም ኣለው።
ማድሊን ብስድራ ቤትን ፈተውትን ተኸቢባ እያ ዓሪፋ። ስድራኣ ከኣ ፈቃር ኣደን፡ ሓብትን መሓዛን፡ ኣሞን ሓትኖናን ተፈልያትና ኢሎም።
ሕልፈታ ምስተነግረ ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተንን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን ሓዘኖም ገሊጾም።
"ነቲ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ እዋንን ሓላፍነትን ምሉእ ብምሉእ ዝበቕዑዎ ውሑዳት ሰባት እዮም" ዝበለ ክሊንተን "ዕላማ ስርሓ ውሳነታት ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ንምምጻእ ምዃኑ ስለ እትፈልጥ ንስራሓ ከም ግዴታን ዕድልን እያ ተጠቒማትሉ" ኢሉ።
ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀነራል ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ፡ "ናይ ሓርነት ሓይልን" ከምኡውን "ሓያል ሞጓቲት ናይ ኔቶ ሻምፕዮን ኔራ" ክብል ይገልጻ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ፡ ኣልብረይት "ሰላማዊት ዓለም ንክትህሉ ኣገዳስነት ናጻ ሕብረተሰብ ኣጸቢቑ ዝርድኣ ዝነበረት ሰብ እያ " ክብል ናእድኡ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ፡ ዓለም "ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብ ጐድኒ መትከላት ኦልብራይት ደው ክትብል ይግባእ" ኢላ።
ኣብ ቸኮስሎቫክያ ነበር ብ1937 ኣብ ፕራግ እተወልደት ማሪ ጃና ኮርቤሎቫ፡ ማድሊን ኦልብራይት፡ ናዚ ንጀርመን ብ1939 ንቼክሎኮዛቭያ ምስ ተቘጻጸራ ምስ ስድርኣ ዝተሰደት ጓል ሓደ ዲፕሎማሰኛ እያ።
ማድሊን ብ1948 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገዓዘት።
ኣብታ ዓመት እቲ ከኣ ስድራ ቤታ ተጻረርቲ ናይቲ ንሃገሮም ዝመርሖ ስርዓት ብምዃኖም ንዓዶም ክምለሱ ከም ዘይክእሉ ብምግላጽ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንኽወሃቦም ሓተቱ። ብ1957 ድማ ኣመሪካዊት ዜጋ ኰነት።
ብድሕርዚ ኣልብረይት ኣብ ምምሕዳር ጂሚ ካርተር ከም ኣመሓዳሪት፡ ጸኒሓ ከኣ ከም ኣማኻሪ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ብምዃን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ምስ ብዙሓት ምክትል ፕረዚደንትን ሕጹያት ፕረዚደንትን ሰርሐት።
ቢል ክሊንተን ብ1993 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ፡ ማድሊን ኦልብራይት ኣምባሳደር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገይሩ ሸይሙዋ። እዚ ከኣ ናይ መጀመርታ ዲፕሎማስያዊ ስርሓ ነበረ።
ብ1997 ንብዙሕ ተቓውሞታት ሰጊራ ከኣ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኰነት።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምምሕዳር ክሊንተን ነቲ ብሰርቢያዊ ስርዓት ስሎቦዳን ሚሎሰቪች ኣብ ኮሶቮ ዘካየዶ ጃምላዊ ዓሌታዊ ህልቂት ደው ንምባል ጣልቃ ንክኣቱ ብምድፍኣ ተፈላጥነታ ዓበየ።
ገሊኦም ነቐፍቲ ነቲ ስዒቡ ዝመጽአ ደብዳብ ነፈርቲ ኔቶ "ናይ ኦልብራይት ውግእ እዩ" ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ ።
ኣብቲ ግዜ እቲ "ነቲ ሚሎሰቪች ክገብሮ ዝመደበ ነገር ኢድና ኣጣሚርና ክንርኢ ኣይግባእን እዩ። ኣነ ምሉእ ሓላፍነት ክወስድ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንና "ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክፍጸም ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና" ኢላ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኮሶቮ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ምትእትታው ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2008 ካብ ሰርብያ ናጻ ከም ዝወጽአት ኣዊጃ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ቮሳ ዑስማን፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "መዘና ዘይነበራ መሓዛ" ከም ዝሰኣኑ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኦልብራይት "ንናጽነትናን ንዴሞክራሲናን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ፈጺምካ ኣይርሳዕን እዩ" ኢሉ።
ብ2012፡ እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበረ ባራክ ኦባማ ንማድሊን ኦልብራይት፡ ኣብ ሃገራት ባልካን ብዝገበረቶ ዕዮ፡ እቲ ንሲቪላዊ ዕዮ ብፕረዚደንት ዝወሃብ ዝለዓለ ሽልማት መዳልያ ናጽነት ሸሊሙዋ።
ፕረዚደንት ነበር ኦባማ "ዘይትጸዓድ ክኢላ" ክብል ንኢዱዋ እዩ።
ኣብ 2015፡ ኦልብራይት ደቂ ኣንስትዮ ብፖለቲካዊ ሓይሊ ስልጣን እንተ ረኺበን እቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ርጉእ ከም ዝኸውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ፡ ኣብ ድሮ ወራር ዩክረይን፡ ኦልብራይት ምስ ሓደ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣሰናዳኢ መደብ፡ ብዛዕባ እቲ ብ2000 ስልጣን ምስ ሓዘ ንፈለማ ግዜ ዝረኸበቶ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዛሪባ።
"ዩክረይን፡ ጐረባብታ መን ምዃኖም ብዘየገድስ፡ ልኡላውነታ ክትረክብ ኣለዋ። ኣብዚ ግዜና ከኣ ዓበይቲ ሃገራት ነዚ ክቕበልኦ ኣለወን፤ ፑቲን እውን ከምኡ'' ኢላ።