ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023፡ ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥማት ኣንሳሒባ፡ ንቦትስዋና ዕድል ሂባ

ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኤርትራ ካብ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ብምእላያ፡ መጋጥምታ ክትክውን ንዝነበራ ቦትስዋና ብዘይጸወታ ናብ ዝቕጽል ናይ ምድብ ጸወታ ሓሊፋ።

ኤርትራን ቦትስዋናን ኣብዚ ወርሒ'ዚ፡ ናይ ክልተ-እግሪ ጸወታ ቅድመ-መጻረዪ ከካይዳ ዝነበረን ኰይኑ፡ ብመሰረት ዝወጸ ሰሌዳ፡ ቀዳማይ ጸወታአን 21 መጋቢት ኣብ ኤርትራ፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ 29 መጋቢት ከኣ ካልኣይ ጸወታአን ኣብ ቦትስዋና ከካይዳ ነይርወን።

ኤርትራ ካብዚ ውድድራት ከም ዘንስሓበት ዝገልጽ ወግዓዊ ደብዳበ ካብ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ንኽልቲኡ'ዚ ጸወታታት ከም ዝሰረዞ ኣረጋጊጹ።

እንተዀነ ምኽንያት ናይዚ ውሳነ'ዚ ኣይተገልጸን።

ኤርትራ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ጥሪ 2020 ምስ ሱዳን ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥም፡ ኣብ ናይ ዓበይቲ ውድድራት ኣይተሳተፈትን። ኣብ መስከረም 2019፡ ንመጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ኣንጻር ናሚቢያ ዘካየደቶ ጸወታ ከኣ፡ መወዳእታ ዘካየደቶ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ውድድር ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ኤርትራ፡ ብዘይካ'ዚ፡ ካብቲ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ክካየደ ዝነበሮ ካልኣይ ዙርያ መጻረዪ ውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ-17 'ውን ስሒባ'ላ።

ኣይቮሪኮስት ንእተአንግዶ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023፡ ኣብዚ ወርሒ ዝካየዱ ካልኦት ሓሙሽተ ውድድራት ቅድመ-መጻረዪ'ውን ተሰርዖምሉ ኣለው። ነዚ ስዒቡ ዝካየድ ናይ ምድብ መጻረዪ ኸኣ ዝመጽእ ሰነ 2022 ክጅምር መደብ ወጺኡ'ሎ።

ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021፡ [ብሰንኪ ኮሮና] ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ካሜሩን ከም ዝተኻየደን፡ ሰኔጋል ንፈለማ እዋን ዋንጫ ከም ዝዓተረትን ይዝከር።

ውድድራት ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023፡

  • ኤርትራ - ቦትስዋና [ኤርትራ ስለዘንሰሓበት እዚ ውድድር ተሰሪዙ፣ ቦትስዋና ናብ ዝቕጽል ሓሊፋ'ላ]
  • ሳኦቶሜ ፕሪንቺፐ - ሞሪሽየስ
  • ጅቡቲ - ደቡብ ሱዳን
  • ሺሸልስ - ለሴቶ
  • ሶማሊያ - ኢስዋቲኒ
  • ጫድ - ጋምቢያ

እዚ ውድድራት፡ 21 ከምኡ'ውን 29 መጋቢት ክካየድ እዩ።