ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመር ስልጣኑ ለቒቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያን መራሒ ሰልፊ ዕዮን ኪር ስታርመር፡ ካብ መዝነቱ ክለቅቕ ምዃኑ ሰኑይ ንግሆ 22 ሰነ 2026 ኣብ ዘውጽኦ ሃንደበታዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ስታርመር ነዚ ናይ ስልጣን ምልቃቕ ውሳነኡ ንንጉስ ቻርለስ ብኣካል ከም ዘፍለጦ ሓቢሩ ኣሎ።
ስታርመር ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈቱ - ዳውኒን ስትሪት ቍጽሪ 10 - ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰልፉ ናብቲ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ምርጫ ንኽመርሕ ንሱ ዝበለጸ ሰብ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ ብሰልፉ ከም ዝተላዕለ ብምሕባር፡ "ነቲ ሰልፈይ ዝሃቦ መልሲ ሰሚዐዮ ኣለኹ፣ ብጸጋ ድማ እቕበሎ፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ዝወሰድኩዎ ነፍሲ-ወከፍ ውሳነ፡ ነታ ዝፈትዋ ሃገረይ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ዝተሰረተ እዩ፤ ስለዚ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዕዮ ክለቅቕ እየ፡" ክብል ውሳነኡ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንኣካያዲት ኮሚተ ሰልፊ ዕዮ (NEC) መደብ ግዜ ሓድሽ መረጻ ከተውጽእ ከም ዝሓተተ ገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሕጹያት ንመሪሕነት ካብ 9 ሓምለ ጀሚሮም ክቐርቡን፡ እቲ መስርሕ ቅድሚ ክረምታዊ ዕረፍቲ ባይቶ ክዛዘምን እዩ።
እዚ ማለት፡ ባይቶ ብሪጣንያ ኣብ መስከረም ካብ ዕረፍቱ ቅድሚ ምምላሱ ሓድሽ መራሒ ስልጣን ክሕዝ እዩ። ክሳብ ሽዑ ግን ስታርመር ከም ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ኣብ ስልጣኑ ከም ዝጸንሕ ኣረጋጊጹ።
ስታርመር ንዝትክኦ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ምሉእ ደገፉ ከም ዝህብን ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ንኽሰጋገር ኵሉ ዝከኣሎ ከም ዝገብርን ቃል ኣትዩ።
እቲ ሓድሽ መራሒ፡ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ኵነታት "ዝያዳ ሓያልን ፍትሓዊትን ብሪጣንያ" ከም ዝረክብ ድማ ተማጒቱ።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ጐድኑ ዝነበሩ መሳርሕቱ፡ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት 'ቍጽሪ 10'ን፡ "ኣዝዮም ብሉጻት" ዝበሎም ሰራሕተኛታት ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ኣመስጊኑ።
ስታርመር ብዛዕባ ስድራቤቱ ክዛረብ ከሎ ኣዝዩ ስምዒታዊ ኰይኑ ነይሩ። ካብዚ ናይ ሃገር "ዝዓበየ ስራሕ" ምስ ወጸ፡ ግዜኡ ኣብቲ "ካብ ኵሉ ዝዓበየ ስራሕ" ከም ዘሕልፎ ገሊጹ።
ምስ ንብዓቱ እናተቓለሰ ድማ፡ "ነታ ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን እዋን ኣብ ጐድነይ ኰይና ከም ከውሒ ጽንዓት ዝሃበትኒ ብልጽቲ ብዓልቲ ቤተይ ቪክ ዝበለጸ ሰብኣይ ክዀነላ፡ ከምኡ'ውን ነቶም ኵርዓተይን ታሕጓሰይን ዝዀኑ ደቀይ ዝበለጸ ኣቦ ክዀነሎም እየ፡" ኢሉ።
መግለጺኡ ምስ ዛዘመ ንብዓልቲ ቤቱ ቪክ ሓቝፉ ናብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈቱ ኣትዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ሃንደበታዊ ስልጣን ምልቃቕ ኪር ስታርመር፡ ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እተሕልፎ ዘላ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ቅልውላው መሪሕነትን ዘርኢ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ዳውኒን ስትሪት ተኸታታሊ ስልጣን ምልቃቕ ቀዳሞት ምኒስተራት ኣመዝጊቡ እዩ። ንኣብነት፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ጸቕጥታትን ቅልውላዋትን፡ ቦሪስ ጆንሰን፡ ን45 መዓልታት ጥራይ ስልጣን ዝሓዘት ሊዝ ትራስ፡ ከምኡ'ውን ሪሺ ሱናክ ብተመሳሳሊ ኵነታት ካብ ስልጣኖም ምልቃቖም ይዝከር።
ስታርመር፡ ሰልፊ ዕዮ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ስልጣን ከም ዝምለስ ድሕሪ ምግባር ንኣስታት ክልተ ዓመት ሃገር መሪሑ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ሕጂ ዘጋጠመ ካብ ናይ ባዕሉ ሰልፊ ጸቕጥታትን ስልጣን ምልቃቕን ግን፡ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ተነቃፍነትን ቅልጡፍ ምቅይያር መራሕትን ብዝያዳ ዘረጋግጽ ታሪኻዊ ፍጻመ ኰይኑ ኣሎ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
