ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ መረጻ ምዕዋቱን ስግኣት ሓድሽ ግጭትን

ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብልዑል ድምጺ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብልዑል ድምጺ ተዓዊቱ
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተኻየደ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብዝሓ ድምጺ ባይቶ ዓቂቡ ኣብቲ መረጻ ከም ዝተዓወተ ብወግዒ ተገሊጹ።

እቲ ብ1 ሰነ 2026 ዝተኻየደ መረጻ፡ ብግጭት፡ ክስታት ዓፈናን ውሱን ተሳትፎ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ ዝብል ነቐፌታ ከም ዝቐረበሉ ይፍለጥ።

እቲ ካብ 501 ዝተወዳደሮ ን438 መናብር ዝተዓወተ ሰልፊ ብልጽግና፡ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት እዩ። ኣቢይ ድማ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ንኻልኣይ እብረ ዘመነ-ስልጣኑ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር። እዚ ንደገፍቲ ኣቢይ ዓቢ ተስፋ ኰይኑ፡ ነቲ ንሱ ዝመርሖ ዘሎ ቍጠባዊ ዕብየት ከቕጽሎ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

እንተዀነ፡ ካልኦት ወገናት፡ ኣቢይ ኣብ ስልጣን እንተ ቀጺሉ፡ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልኣይቲ ዝዀነት ሃገር ዘለዋ ውሽጣዊ ፍልልያትን ጸገማት ጸጥታን ክብእስ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

እቲ ወዲ 49 ዓመት ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብ 2018 ብህዝባዊ ተቓውሞታት ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ፍልልያት ንምጽባብ ዘካየዶ ጻዕሪ ናእዳ ረኺብሉ ነይሩ። እዚ እናዀነ ግና፡ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኣብዝሓ ንመንግስቲ ዝመርሑ ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣቘጢዑ እዩ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ምስ ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ግጭትን ምትፍናንን ንምፍታሕ ብዝገበሮ ጻዕሪ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክወስድ በቒዑ።

ይዅን'ምበር፡ ክኢላታት ጸጥታ፡ እታ ሃገር ዳግማይ ናብ ኲናት ክትምለስ ከም እትኽእል ይሰግኡ ኣለዉ። እቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ዓመጽን ህልቂትን ዘስዓበ ግጭታት'ውን ደው ክብል ከም ዘይከኣለ ይሕብሩ።

መረጻ ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡ ኣብተን ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ክልተ ክልላት እታ ሃገር - ኣምሓራን ኦሮሚያን - ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዕጡቓት ጕጅለታት ብዝፈጠሩዎ ስክፍታ ድሕነት፡ 143 ማእከላት መረጻ ክኽፈታ ኣይከኣላን።

ኣብ ኣምሓራ ዝርከቡ ምልሻታት ፋኖን ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ነቲ መረጻን ውጽኢቱን ነጺጐሞ ኣለዉ።

ኣብታ ንኽልተ ዓመታት ኲናት ዝተኻየደላ ክልል ትግራይ መረጻ ኣይተኻየደን፤ ኣብታ 38 ማእከላት መረጻን ሽዱሽተ ሚልዮን ነበርትን ዘለዋ ክልል ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ተገሊሉ ኣብ ዝለወሉ እዋን ድማ ዳግም ኲናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ትግራይ ምስ ኤርትራ ትዳወብ ኰይና ኣብ እዋን ኲናት ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰለፈ ይዝከር። ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ብዝተፈጸሙ ግፍዕታት'ውን ተኸሲሶም እዮም።

እንተዀነ፡ ኤርትራ ነዚ ትነጽጐ። እቲ ግጭት ካብ ዝውዳእ ንደሓር ድማ ዝምድና ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ተዘሪጉ ይርከብ።

1350 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ሃጸያዊ ህርፋን ተንጸባርቕ ኣላ ብምባል ትኸስስ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብይ ሃገሩ ኣብ 1993 ኤርትራ ናጻ ምስ ወጽአት ዝሰኣነቶ ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ዳግማይ ክትበጽሖ ከም ዘድልያ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ።

ኣብዚ እዋን ድማ ኣስመራ ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝምድናታት ብምምስራታ ክኸሳ እንከሎ፡ ዝዀነ ሓድሽ ግጭት እንተ ተላዒሉ፡ ኤርትራ ምስ ሓይልታት ትግራይ ክትውግን ተኽእሎ ከም ዘሎ ይጥቀስ።

ብ1 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእከል መረጻ ዝተርኣዩ ነበርቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብ1 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእከል መረጻ ዝተርኣዩ ነበርቲ

ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን እትዳወብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢዳ ብምእታው ክትክሰስ ጸኒሓ'ያ።

ኢትዮጵያ ነዚ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ነጸገቶ፡ ንዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ዝዀነ ዳዕመ-ሰሪዕ ከም እትድግፍ ግን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ።

ሓይልታት ኤርትራን ትግራይን ብወገኖም፡ ምስቲ ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ዝቃለስ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ጥቡቕ ምትእስሳር ከም ዘለዎም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ውህደታት፡ ኣብቲ ዞባ ዘራጊ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይስጋእ፣ ኣብይ ድማ ገባሪ ሰላም ኰይኑ ዝቐርብ ኣይመስልን።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣብይን ኣብ ትግራይ ዓብላሊ ውድብ ዝዀነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝነበረ ቅርሕንቲ፡ በቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ክዛዘም እዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ። ክልቲኦም ወገናት ግን ነቲ ስምምዕ ብምጥሓስ ይካሰሱ ኣለዉ።

መንጐኛ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ኲናት ኣስታት 600,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግምት። መንግስቲ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሓገዝ ብምኽልካል ይኽሰስ, እንተዀነ ነዚ ክሲ ኣይቅበሎን።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝሰርሕ ዝነበረ ተንታኒ ኣፍሪቃ ካሜሮን ሃድሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ሓደጋታት ሓቀኛን ብኽልቲኡ ወገን ዝድረኽን'ዩ፡" ኢሉ።

ቅድሚ እቲ መረጻ ምክያዱ፡ ህወሓት ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ምምሕዳር መሊሱ'ዩ።

"ተጋሩ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሓላፍነት ዝስከሙ ኰይኖም፡ ንመኸተ ምሕዳስ ይሸባሸቡ ከም ዘለዉ ዝሕብር ምንቅስቓሳትን መግለጺታትን ክገብሩ ጸኒሖም እዮም፡" ይብል ሃድሰን።

ህወሓት፡ ብሓይሊ መንእሰያት የዕጥቕ ከም ዘሎ ዝሕብር ጸብጻባት'ውን ኣሎ።

ኣባል ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ዝዀነ ሸዊት ውዳሴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዙሓት መናእሰይ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጽንበሩ ይምልመሉ ስለ ዘለዉ ህዝቢ ትግራይ ስክፍታ ኣለዎ፡" ኢሉ።

ሓደ ነባሪ ከተማ ዓድዋ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስቪላዊ ክዳን ዝለበሱ ዕጡቓት ገዛ ንገዛ ብምኻድ፡ "ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክንጽንበር ይኣስሩና ከም ዘለዉ፡" ተዛሪቡ።

ሰበስልጣን ዝዀነ "ግዱድ ምልመላ" ከም ዘየሎ ብምግላጽ ነዚ ክስታት ነጺጐሞ።

"እቶም መናእሰይ ነብሶም ንምክልኻል ጥራሕ ስልጠና ይወስዱ ኣለዉ፡" ይብል ሓላፊ ጸጥታ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ተስፋይ ኣባዲ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ብህወሓት ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት፡ ኣብይ፡ "ካብቲ ስምምዕ ብምውጽኡን ንተጋሩ ዘስግእ ምንቅስቓስ ብምግባሩን፡" ዝድረኽ ምዃኑ ሀድሰን ይዛረብ።

ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ሸዊት ውዳሴ

ምንጪ ስእሊ, Shewit Wudassie

መግለጺ ስእሊ, "ኣብ ትግራይ ብዙሓት መናእሰይ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጽንበሩ ይምልመሉ ስለ ዘለዉ ህዝቢ ኣብ ጭንቀት ኣሎ" - ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ሸዊት ውዳሴ

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀረባ እዋን መጠንቀቕታ ብምሃብ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ "ቅልጡፍ ምርግጋእ" ክመጽእ ጸዊዑ።

ኣመሪካ - ንስምምዕ ሰላም 2022 ወሳኒ ተራ ዝነበራ - ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርቲ ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ስድራቤቶምን" ዕላማ ዝገበረ ገደብ ቪዛ ምግባራ ኣፍሊጣ።

ዝርዝር እቶም ገደብ ቪዛ ዝተገበረሎም መራሕቲ እቲ ውድብ ብስም'ኳ እንተ ዘይተጠቕሰ፡ "እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ፍታሕ ከይረክብ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ወይ ድማ ተሓባበርቲ ንዝዀኑ ውልቀሰባት ዒላማ ዝገበረ እዩ፡" ይብል።

ኣብ ክራይስስ ግሩፕ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ማግኑስ ተይለር፡ ክልቲኦም ወገናት ብቝልጡፍ ናብ ኲናት ክምለሱ'ዮም ዝብል እምነት የብሉን። እቲ ዝቕጽል ዘሎ ትሑት ደረጃ ወጥሪ ግን "ሓደገኛ ተርእዮ" እዩ ይብል።

"ህወሓት ምስ ጸላእቲ ኢትዮጵያ ይውግን ኣሎ ዝብል ጫፍ ዝሓዘ፡ መርዛም ዞባዊ ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ዞባዊ ግጭት ክዓብየሉ ዝኽእል ዕድል ዝለዓለ እዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሸዊት ብወገኑ፡ እቲ ጸገም ክልቲኦም ወገናት ዕንቅጽና ዘርእዩ "ፍልልዮም ብድርድር ክፈትሑ" ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም እዩ።

"ስልጣኖም ንምርግጋጽ ግዜ ዝጽበዩ ዘለዉ ይመስለኒ። እዚ ድማ ጐንጺ ከስዕብ ይኽእል'ዩ።"

ብመሰረት ሀድሰን፡ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ንመጻኢ ኢትዮጵያ ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።

"ብዙሓት ኣብይ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ምጥንኻር፡ ንትግራይን ነቲ ጐንጺን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንከብቅዕ ንምግባር ወይ ፍታሕ ንምሃብ ክጥቀመሉ'ዩ ዝብል ስክፍታ፡" ግቡእ ምዃኑ'ዉን ይዛረብ።