ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክኽፈለን ኣብ ስምዕዕ ተበጺሑ

Published

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ክፍሊት ክወሃበን ምስ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ በጺሐን፡፡

ኣጥቃዒት ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ ኣሌክስ ሞርጋን ነቲ ስምምዕ "ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚ" ክትብል ገሊጻቶ፡፡

እተን ተጻወትቲ 24 ሚልዮን ዶላር ክኽፈለን ኮይኑ፡ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ውድድራት ንናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባትዮን ሃገራውያን ጋንታታት ማዕረ ከም ዝኸፍሎም ቃል ኣትዩ፡፡

ኣብ መጋቢት 2019፡ እተን 28 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣድልዎ ተፈጺሙና ዝብል ክሲ ኣቕሪበን ነይረን፡፡

ሞርጋን ነቲ ውሳነ ኣመልኪታ ትማሊ ንጉድ ሞርኒንግ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ‘‘ዘደንቕ መዓልቲ እዩ’’ ኢላ፡፡

ብተወሳኺ ዋጋን ክብርን ከም ዝተውሃበን ከም ዝተሰመዓ ዝገለጸት እታ ናይ ክልተ ግዘ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም "እዚ ዓወት ናይ ጋንታና ወይ ስፖርተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ዓወት ከም ዝኾነ እየ ዝቖጽሮ" ኢላ፡፡

ካልእቲ ኣባል እታ ጋንታ ሚጋን ራፒኖ ብተመሳሳሊ እዚ እዋን ‘‘ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ናብ ጽቡቕ ዝተቐየረሉ እዋን’’ ገይራ ከምእትዝክሮ ተዛሪባ፡፡

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ ኣብ 2019 ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ዝወሰደት ኮይና ኣብ ሓሙሽተ ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት እውን ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና እያ፡፡

ኣብ 2016 ሞርጋንን ራፒኖን ዝርከበአን ሓሙሽተ ምኩራት ኣባላት እቲ ጋንታ ኣብ ክፍሊት ኣድልዎ ይፈጸመን ከም ዘሎ ዝገልጽ ክሲ ናብ ፌደሬሽን ኩዕሶ አግሪ ኣመሪካ ኣቕሪበን ነይረን፡፡

ኣብ 2020 ዘቕረበኦ ናይ 66 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃበን ዝገልጽ ክሲ እውን ቤት ፍርዲ ውዱቕ ገይሩዎ፡፡

ኣብ ወርሒ መስከረም ግና እቲ ዝነበረ ምስሕሓብ ንምፍታሕ እቲ ፌዴሬሽን ንናይ ክልቲኦም ጾታ አባላት ሃገራዊ ጋንታ ማዕረ ክፍሊት ዝሓዘ ውዕል ኣቕሪቡ፡፡

ትማሊ ሰሉስ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግርን ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ ድማ ብማዕረ ክፍሊት ከምዝተሰማምዑን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ከምዝተፈተሐን ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡