እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጾታዊ ዓመጽ ዝተጠርጠረ ተጻዋቲ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ
ተጻዋቲ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ማሶን ግሪንዉድ ብጾታዊ ግህሰት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ተገሊጹ።
ማሶን ግሪንዉድ፡ ምስ ጾታዊ ግህሰትን መጥቃዕትን ዝተሓሓዝ ክስታት ብማሕበራዊ ሚድያ ምቕራቡ ስዒቡ’ዩ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወ።
ፖሊስ ማንቸስተር “ሓንቲ ሰበይቲ ንፍጻመታት ኣካላዊ ጥቕዓት ዝሕብር ናይ ስእሊን ቪድዮን መረዳእታ ኣብ ማሕበራዊ ብምጥቅዓ” እቲ ጉዳይ ክፍለጥ ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ’ሎ።
ወሲኹ ድማ “ምስዚ ናይ ግህሰትን ጥቕዓትን ክሲታት ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠረ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ክነረጋግጽ ንኽእል ኢና” ክብል ኣፍሊጡ።
ግሪንዉድ ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰረ ሕቶታት ይቐርበሉ ብምህላዉ ገና ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይወጽአ ይግለጽ።
ጋንትኡ ማንቸስተር ዩናይትድ ብወገና ክሳብ ተወሳኺ ወግዓዊ መግለጺ ዝወሃብ ንልምምድ ኮነ ንጻወታ ናብ ሜዳ ከምዘይምለስ ሓቢራ’ላ።
“ዝኾነ ይኹን ጥቕዓት ሸለል ኣይንብሎን” ዝበለት ጋንትኡ፡ ነቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝቐረበ ክስታት ከምዝፈለጠት ግን ከኣ “እቲ ምጽራይ ክሳብ ዝውደብ” ዝኾነ ዓይነት ርእይቶ ካብ ምሃብ ከምእትዕቀብ ገሊጻ።
ማሶን ግሪንዉድ ብወገኑ ነቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝቐረበ ክስታት መልሲ ወይ መብርሂ ኣይሃበን።
እቲ ወዲ 20 ዓመት ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ኣካዳሚ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዝዓበየን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ምስታ ጋንታ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ውዕሊ ከምዝተፈራረመን ይፍለጥ።