ብዛዕባ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝዝትይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ርያድ ኣትዩ

Published

ብሚንስተር ገንዘብ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኩነታትን ኣተሓሕዛን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውን ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንምዝርራብ ናብ ሪያድ ከምዝኣተወ ኤምባሲ ኢትዮጵ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣፍሊጡ።

እዚ ጉጅለ ልኡኽ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ኣዝዩ ሕሱም ብዝኾነ ኩነታት ይሳቐዩ ምህላዎም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ ናብታ ሃገር ገይሹ ዘሎ።

እቲ ጉጅለ ብዘይካ’ቲ ንኣተሓሕዛ ኢትዮጵያውያን እሱራት ኣመልኪቱ ዘካይዶ ዘተ፡ ኣብ ካልኦት ክልትኣዊ ጉዳያትን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዘሎ ኲናትን ብዝምልከት መብርሂ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

ካብ ኢትዮጵያ ዝኸደ ልኡኽ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ክዝትይ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ምንጪታት ሓበሬታ የመልክቱ።

ብረቡዕ 18 ጥሪ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ናብ ሪያድ ዝኣተወ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን፣ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፣ ዓበይቲ ዓድን ዲፕሎማሰኛታትን ዝሓቖፈ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሚንስትር ድኤታ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ፣ ቀሺ ታጋይ ታደለ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሌንጮ ባቲን ካልኦትን ይርከብዎ።

እታ ብሃብቲ ነዳዲ እትፍለጥ ሃገር ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብርኦም ንምምሕያሽ ብስደት ካብ ሞንጎ ዝኸዱለን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ሓንቲ ምዃና ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ስራሕን መንበሪን ፍቓድ የብሎምን ንዝበሎም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ኣዝዮም ጸበብትን ዘይምችዋትን ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘጽንሖም ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሰራሕናዮም ጸብጻባት ሓቢርና ኔርና።

እቶም እሱራት እኹል መግብን ኣገልግሎት ሕክምናን ክረኽቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡ ይዛረቡ።

ቅድሚ መዓልታት ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ቪድዮ ድማ ነቲ ዘለዉሉ ኩነታት ዘረጋግጽ’ዩ። ኣብ ጸቢብ ክፍሊ ተጨናኒቖም ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ክዳውንቶም ተወዲኡ፣ ጸሊም ፌስታል ተኸዲኖምን ተጎሳቚሎምን ኣብቲ ቪድዮ ይረኣዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝርከቡን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ድልየት ዘለዎምን ዜጋታቱ ካብ ስዑዲ ከውጽኦም ጸኒሑ’ሎ። ኩነታት ኣተሓሕዛ እሱራት ንምትዕርራይ ድማ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ክዘራረብ ምጽንሑ ይገልጽ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝበጽሖም ዘሎ ገልታዕታዕን ስቅያትን ንኽንኪ እኹል ጻዕሪ ኣይገበረን ክብሉ ይነቕፉ።

ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካብ መንግስቶም ፍታሕ ከምዝጽበዩ ገሊጹ ነይሩ።

“ንመንግስቲ እዛ ሃገር ክንወቅስ ኣይንኽእልን። ክንወቅስ እንተኾይንና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢና ንወቅስ። መንግስቲ ሃገርና ስለዝኾነ ኢና ክተሓባበሩና ንሓትት ዘለና” ይብል።

ወሃቢ ቓል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ቁሩብ ምዝሕሓል እንተነበሮ’ኳ ከምዘይተቛረ’ዩ ሓቢሩ።

ነቶም ኣብ ስዑዲ ተጸጊሞም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕቲ መሊሱ ከምዝጅምር’ውን ገሊጹ ነይሩ።