እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ: ኣሜሪካ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ጽዑቕ ዲፕሎማሲ ተካይድ ከምዘላ ገሊጻ
ኣሜሪካ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ቀፂሉ ዘሎን ኵናት ንከብቅዕ፡ ብዕቱብ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
ምብቃዕ እቲ ኵናት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ መጠነ ሰፊሕ ግፍዕታትን ስቓያትን ንምግታእ፡ ፍታሕ ከምዝኾነ ድማ ገሊፃ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣሜሪካ፡ እቲ ኵናት ኣብ ሓፂር ግዘ ንከብቅዕ ትኹረት ብምሃብ ፅኑዕ ዲፕሎማሲ ትኽተል ከምዘላ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ሰሙን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያን እቲ ልዕሊ ዓመት ዘቑፀረ ኵናት ብልዝብ ንምፍታሕን፡ ንፈለማ እዋን ብስልኪ ተዘራሪቦም እዮም።
ቤት-ፅሕፈት ፕረዚደንት ጆ ባይደን (ዋይት ሃውስ) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝወሰዶ ምፍታሕ ፍሉጣት እሱራት ፖለቲካ ብምንኣድ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት ንሲቪላውያን ግዳይ ይገብር ምህላዉ ከምዘሻቐሎ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።
"ክልቲኦም መራሕቲ ብልዝብ ዝተበፅሐ ምቁራፅ ተፃብኦታት ዝግበረሉ መንገዲ ንምቅልጣፍ፡ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝበፅሓሉ ኩነታት ምምሕያሽን፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ዝተፀልዉ ኢትዮጵያውያን ዘሎ ስክፍታታት ንምፍታሕን ተመያዪጦም" ክብል መግለፂ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተገበረ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ ኣካል እዚ ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ተዓዲሙ ናብ ኢትዮጵያ መፅዩ ዝነበረ ተሰናባቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማንን ንዕኡ ዝትክእ ዴቪድ ሳተርፊልድን፡ ከምኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆን፡ ነቲ ኵናት መፍትሒ ንምንዳይ ብቕርበት ይሰርሑ ኣለዉ ድማ ኢሉ።
ኦባሳንጆ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ብምኻድ፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ፅቡቕ ዘተ ከምዝገበረ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝተኸሰተ ቅልውላው ፍታሕ ንምምፃእ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ምስ ዘለዉ መራሕትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብቕርበት ትሰርሕ ከምዘላ፡ ኔድ ፕራይስ ኣረዲኡ።
እቲ ወሃቢቃል፡ “ሕዚ ዘሎ ኩነታት ንክልቲኦም ወገናት ምምሕያሻት ከምዘሎ ከርእዩ ዝሕግዞም’ዩ። እቲ ኵናት ብምግታእ ናብ ድርድር ክመፅኡ ይኽእሉ’ዮም። በዚ ድማ ዕላማ ኩሎም ዝኾነ ኵናት ንከብቅዕ ይሕግዝ” ኢሉ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ብዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝገለፀ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ፡ እዚ ደብዳብ ኣየር፡ ፕረዝደንት ባይደን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ደው ንክብል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ኣብ ዘተሓሳሰበሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ደው ንምባል ቃል ኣትዩ ድዩ? ኣሜሪካ’ኸ እቲ ዝፍፀም ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ደው ምባሉ ንምርግጋፅ እንታይ እያ ክትገብር? ዝብሉ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ንኔድ ፕራይ ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ ሕቶታት’ዮም።
ኔድ ፕራይስ ነዞም ሕቶታት እንትምልስ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም መራሕቲ ኣብ ዝነበረ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ ፕረዝደንት ባይደን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕትን ቅትለት ሲቪላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዘለዎ ስግኣትን ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልዒልሉ’ዩ ኢሉ።
ኣሜሪካ ቅድሚ ሕዚ ከምዝገበረቶ፡ ተሳተፍቲ እቲ ኵናት ዝኾኑ ኩሎም ኣካላት ብዛዕባ ዝፈፀምዎም ግህሰታት ብተደጋጋሚ ምስቶም መራሕትን ብመግለፂን ካብ ምልዓል ንድሕሪት ኣይክትብልን ኢሉ።
ሃገሩ፡ ተሓታትነት ክህሉ ኣለዎ ኢላ ከምትኣምን ዝገለፀ ኔድ ፕራይስ፡ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዘፃርይ ካልእ ዘይሻራዊን ናፃን ኮምሽን ንክጣየሽ ንዝወሰኖ ውሳነ ምድጋፋ፡ ናይዚ መርኣያ’ዩ ክብል ኣረዲኡ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ብዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 17 ነበርቲ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይገልጹ።
ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ንሰብመዝ እቲ ከባብን ንመሰኻኽር ዓይንን ጠቒሶም ንሮይተርስ ከምዝበልዎ፡ በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ብዙሓት'ውን ቆሲሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መፅለሊ ስደተኛታት ብዝተፈፀመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ 56 ሰባት ተቐቲሎም’ዮም።
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ደደቢት ዝተፈፀመን ሂወት 56 ሰባት ዝቐዘፈን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ገሊፁ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ይፍለጥ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ስደተኛታት እቶም ክልተ ህፃናት ከምዝኾኑ ዝገለፀ እንትኾን፡ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ'ውን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ንነዘ ኣብ ትግራይ ብተዳጋጋሚ ዝተፈፀሙን ብዙሓት ሰባት ዝቐተሉን ናይ ኣየርን ድሮንን መጥቃዕትታት ኣመልኪቱ ብወግዒ ዝበሎ ነገር የለን።
ኮምሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ካብ ታሕሳስ 10 ክሳዕ 15 ኣብ ትግራይ ብመጥቃዕቲ ኣየር ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ’ዩ።
ኣብዝሓ እቶም መጥቃዕትታት፡ ኣብ ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ማይጨው፣ መኾኒን ምላዛትን ኣብ ዝኣመሰሉ ከተማታት ደቡብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ምዃኖም’ውን እቲ ኮምሽን ጠቒሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመልኪቱ እንታይ ዓይነት ቃል’ዩ ኣትዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኔድ ፕራይስ፡ “እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተዛረቦ ንምንባብ ንባዕሎም ንኢትዮጵያውያን ገዲፈዮ ኣለኹ” ኢሉ።
ዋይት ሃውስ’ውን እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብትኽክል ብዛዕባ ዝተዛረቦ ነገር ኣመልኪቱ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምግዳፍ ቅዋም ከምዝህልዎ እግምት ክብል ኣረዲኡ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ገይሩን ኣሎ።
ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ፌደራል ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክበፅሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ብተደጋጋሚ ምሕታቶም ይፍለጥ።
እዚ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐፀለ ኵናት ንከብቅዕ ኣሜሪካ ሓዊሱ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሴጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ፃዕርታት ይገብሩ ኣለዉ።