ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ዘተ ክሳተፋ ጸዊዐን

Published

ሰለስተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ድርድር ክሳተፋ ከምዝግባእ ገሊጸን።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ከምኡ'ውን ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት) ብረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ዝኾነ ዝርርብ ሰላም ንህወሓት ጥራይ ዘሳትፍ ክኸውን የብሉን ኢሎም።

"ዘላቒ ሰላም ክፍጠር ዝኽእል ምስ ህወሓት ብዝግበር ዝርርብ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ሓዊሱ ንኹሎም ሓይልታት ትግራይ ብዘሳትፍ ከይዲ እዩ።"

ኣብዚ እዋን'ዚ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምውጽኦም፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ይንገር።

ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ'ቲ ኲናት ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ኣቐዲሙ ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ጉዳይ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦለሰጉን ኦባሰዳንጆ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ዛጊት ዝተራእየ ጭቡጥ ነገር የለን።

ሰለስቲኦም ውድባት ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኮይኖም ኣብቲ ኣብ መስከረም 2020 ዝተኻየደ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ዝተባህለ ክልላዊ ምርጫ ተሳቲፎም ምንባሮም ይዝከር።

ገለ መራሕትን ኣባላትን ናይቶም ውድባት፡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ይቃለሱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ህወሓት ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታት እቲ ክልል የጓንዮም ምህላውን፡ ርእይቶታቶም ከምዘይስማዕን ብምግላጽ ብተደጋገሚ ክነቕፉ ጸኒሖም ኣለዉ።

እተን ውድባት "ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ክተብል፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ክትፈቅድን ነቲ ኲናት ዘጋድድ ዘሎ ኢድኣታውነት ካልኦት ሃገራት ጠጠው ንኽብልን ማሕበረሰብ ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ንጽውዕ" ኢሎም።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓም ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ምምርሑ ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሚልዮናት ሰባት ከምዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝኾኑን ይግለጽ።