እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ዝተሃረመት ቫለንቲና ኦረላና-ፐራልታ ኣብ ሕቑፊ ኣዲኣ ሞይታ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ እንዳ ክዳውንቲ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ሕቝፊ ኣዲኣ ከምዝሞተት ወላዲታ ገሊጻ።
ካብ ቺለ ናብ ኣመሪካ ዝገዓዘት ቫለንቲና ኦላና-ፐራልታ ምስ ኣዲኣ ኣብ ሓደ እንዳ ክዳውንቲ ድኳን እንከለዋ፡ ፖሊስ ናብ ሓደ ጥርጡር ብዝተኮሱዎ ጥይት እያ ተሃሪማ።
እታ ጥይት ኣብ መንደቕ ሃሪማ እያ ተመሊሳ ንቫለንቲና ወጊኣ ቀቲላታ።
ኣዲኣ ሶለዳድ ፔራልታ፡ እቶም ፖሊስ ነታ እተጐድአት ጓላ ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት ክገብሩላ እኳ እንተተማሕጸነቶም ንሳቶም ግን እናበኸየት ሓዲጎምዋ ከምዝኸዱ ሓቢራ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ካብ ቺለ ናብ ሎስ ኣንጀለስ ዝመጸ ኣቦ እታ መዋቲት ቖልዓ ጁዋን ፓብሎ ኦላና፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ጓሉ "ኣብ ዓለም እታ ብጸጥታኣ ዝሓሸት ሃገር ኣመሪካ እያ" ኢላቶ ከምዝነበረት ተዛሪቡ።
ኩሉ ተግባራት እቶም ኣባላት ፖሊስ ዕሽሽነት ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ኩሎም ገበነኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳዕ ዝኣትው ኣይክዓርፍን እየ" ኢሉ።
ኣዛዚ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ሚሸል ሙር፡ ነቲ "ዕግርግር ዝመልኦ ፍጻመ" ኢሉ ዝጸውዖ ሓደጋ "ግሉጽን ንጹርን መርመራ" ክገብረሉ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ብጠበቓ ኣብ ዝተነበ መግለጺ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሓደ ክዳን ዝዕቀነሉ ክፍሊ ዱኳን ሰሜን ሆሊውድ፡ ንሳን ጓላን ናይ ልደት ኣልባሳት እናፈተና እንከለዋ ዕግርግርን ዋጭዋጭታን ምስ ሰምዓ ተሓቛቚፈን ክጽልያ ከምዝጀመራ የዘንቱ።
ወ/ሮ ፐራልታ፡ ሽዑ ንጓላ ገለ ነገር ክሃርማ ከም እተሰምዓን ክልቲአን ኣብ ምድሪ ከምዝወደቓን ሓቢራ።
ቫለንቲና ዘልሓጥ ኢላ ኣካላታ ደርብያቶ። እታ ኣደ ነቕኒቓ ከተንቅሓ እኳ እንተፈተን ጓላ ግን ኣይተንሰአትን።
ረዲኤት ክትረክብ እኳ እንተገዓረት ዝሓገዛ ግን ኣይነበረን።
"ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ፖሊስ መጺኦም፡ ካብቲ ክዳን ዝዕቀነሉ ክፍሊ ኣውጺኦም ወሲዶሙኒ፡ ንጓለይ ክሕግዝዋ እኳ እንተ ደለኹ፡ ግን ንበይና ሓዲጎምዋ ከይዶም" ኢላ።
ወ/ሮ ፐራልታ፡ "ንዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ወዱ ወይ ጓሉ ኣብ ገዛእ ሕቝፉ ክመውት ምርኣይ፡ ካብቲ ሰብ ክሓስቦ ዝኽእል ስቓይ ንላዕሊ እዩ" ኢላ።
ፖሊስ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ እቲ ዱኳን ኰይኑ፡ ንዓማዊሉ ብሰንሰለት መፍትሕ ብሽክለታ የጥቅዖም ከም ዝነበረ ዝገልጽ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ እዮም ነቲ ሰብ ክቆጻጸሩ መጺኦም። እቲ ሰባት ዘሸግር ዝነበረ ሰብ እውን ብጥይት ተቐቲሉ'ዩ።
እቲ ናብ ፖሊስ እተደወለ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ እቲ ጥርጡር ሽጉጥ ከምዘለዋ እኳ እንተተነግሩ ዳሕራይ ግን እቲ ሰብ ብረት ኣይተረኽቦን።
እቲ ናይ ፖሊስ ቪድዮ ካሜራ እቲ ጥርጡር ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ እናገረፋ እንከሎ ከምእተጸግዑዎ የርኢ።
ሓደ ፖሊስ ምስተኮሰሉ እቲ ዳንኤል ኤለና ሎፐዝ ዝተባህለ ወዲ 24 ዓመት ጥርጡር ኣብቲ ቦታ ሞተ።
ፖሊስ ሓንቲ ጥይት ምስ መንደቕ ተጋጭያ ነቲ ናይ ክዳን መቐየሪ መንደቕ ከም ዝወቕዓቶ ምእማኑ ኣሶሸትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
እታ በቲ ጥርጡር ዝተጠቕዐት ስማ ዘይተጠቕሰ ሰበይቲ ኣብ ርእሳ፡ ገጻን አእዳዋን ከቢድ ጕድኣት ኣጋጢምዋ።
ስድራ ቤት ቫለንቲና፡ እታ ጓል 14 ዓመት ጓሎም ምስኣል ትፈቱ ብምንባራን ኣብ በዓል ልደት መስኣሊ ሰሌዳ ከምዝዓደጉላ ሕጂ ግን "ምስ መላእኽቲ መታን ክትስእለሉ ነቲ ህያብ ናብ መቓብር ክንወስዶ ኢና" ክብል ሚስተር ኦላና ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ወላዲኣ፡ "ልበይ ካብ ሰብነተይ ተበርቊቛ ከም ዝወጸውአት እዩ ዝስመዓኒ ዘሎ" ኢሉ ።
እታ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሐት ቫለንቲና፡ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድሮ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺኣ ነይራ።
ቫለንቲና ኣብታ ዝሞተትላ መዓልቲ ናብቲ ድኳን ክትከይድ ከላ፡ ኣብ ትምህርታ ጽቡቕ ነጥቢ እናምጸአት ክትቅጽል ከም እትደሊ ንኣዲኣ ነጊራታ። ኣብ መወዳእታኡ ከኣ መሃንድስን ኣመሪካዊት ዜጋን ክትከውን ሕልሚ ከም ዝነበራ፡ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ጸብጺቡ።