እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ከተማ ኒው ዮርክ ንመጀመርታ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፖሊስ መዚዛ
ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ 176 ዓመታት ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ኩቻንት ሰወል ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት ፖሊስ ብረቡዕ ከምዝመዘዘት ከንቲባ እታ ከተማ ኤሪክ ኣዳምስ ሓቢሩ።።
ጓል 49 ዓመት ኩቻንት ሰወል፡ ንዝሓለፈ 23 ዓመታት ፖሊስ ኮይና ዝሰርሐት ኮይና ካብ መስከረም 2020 ጀሚራ ላዕለወይቲ ፖሊስ ሎንግ ኣይላንድ ኮይና ክትሰርሕ ምጽናሓ ተገሊጹ።
ፖሊስ ከተማ ኒው ዮርክ [NYPD] ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ዓቕሚ ሰብ ዘለዎ ምምሕዳር ፖሊስ እዩ።
ከንቲባ ኒው ዩርክ ኤሪክ ኣዳምስ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ፖሊስ ኮይነን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዩ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ጥራይ ከምዝጽመዳን ዕቤት ከምዘይረኽባን እዩ ክግበር ጸኒሑ" ኢሉ።
ብምስዓብ "እዚ ካብ ሕጂ ደው ኢሉ ኣሎ" ኢሉ።
ኩቻንት ሰወል፡ ኣቅድም ኣቢላ ኣብ ኒው ዮርክ ከባቢ ናሳኡን ናርኮሮክን ዝሰርሐትን፡ ጅሆ ንዝተተሓዙ ሰባት ኣብ ምፍታሕ ላዕለወይቲ ተዛታይት ኮይና ሰሪሓ ነይራ እያ።
ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚራ መዝነት ትርከብ ኩቻንት ሰወል፡ ኣብ ታሪኽ ፖሊስ ኒውዩርክ እታ ሳልሰይቲ ጸላም ኣመሪካዊት ነዚ መዝነት እዚ ዝበቐዐት ክትከውን እያ። ኣቐዲሞም ክልተ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣዘዝቲ ፖሊስ ኒውዮርክ ኮይኖም ሰሪሖም ነይሮም እዮም።
ኩቻንት ሰወል ላዕለወይቲ ፖሊስ ኮምሽነር ከተማ ኒው ዩርክ ኮይና ከምዝተመዘዘት ምስ ተሓበራ "ታሪኻዊ ነገር እዩ" ድሕሪ ምባል ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ነበርቲ ኒው ዮርክን ዘሎ ርክብ ኣብ ምድልዳል ኣጸቢቓ ክትሰርሕ ምዃና ተመባጺዓ።
ፖሊስ ኒው ዮርክ ኣስታት 35 ሽሕ ዓቕሚ ሰብ ዘለዎ ኮይኑ ካብዚኦም እተን 18 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዩ እየን።