እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ህወሓት ንህጻናት ሓዊሱ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም- መንግስቲ ክልል ኣምሓራ
ኣብ ከተማ ሸዋ ሮቢት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣባይቲ እንጀራ እናሰንከታን ዕለታዊ ጉልበታዊ ስራሕ እናሰርሓን ንወዲ 16 ዓመት ሓደ ውላደን ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሓ ካብ ኢደን ናብ ኣፈን ዝነብራ ዝነበራ 50 ዓመተን ዝሰገራ ሓንቲ ፍልጥቲ ድኻ ኣደ ነበራ።
እዘን ኣደ ሕጂ ብህይወት የለዋን። ነቲ ከም ብሌን ዓይነን ዝርእየኦ ዝነበራ ሓደ ውላደን ገዲፈን ብሞት ተፈልየን። ሞተን ግን ንቡር ሞት ስለዘይነበረ ንብዙሓት ኣሰምቢዱ።
ሓይልታት ህወሓት ነታ ዝነብራላ ዝነበራ ከተማ ሸዋ ሮቢት ክቆጻጸሩዋ ምስ ቀረቡ እዩ እቲ ሞት ዘምረጸን ሓደጋ ኣጋጢሙወን። ሽዑ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ህይወቱ ከድሕን ካብታ ከተማ ሃዲሙ። እተን ኣደን ካልኦት መህደምን መጸግዕን ዘይነበሮም ፈጣሪኦም ኣሚኖም እዝጊ ዘውዓለና ንውዕል ዝበሉ ኣኣብ ቤቶም ጸኒሖም።
እተን ኣደ ኣብታ ምስ ወደን ተኻርየን ዝነብራላ ዝነበራ ገዛ ንበይነን እንከለዋ ብ11ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ተቖጻጺሮማ። ክሳብ 22 ሕዳር 2014 ከኣ እታ ከተማ ዳግማይ ኣብ ኢድ መንግስቲ እትኣቱ ን11 መዓልታት ኣብታ ከተማ እንታይ ከምዝተፈጸመ ዝፈልጥ ኣይነበረን።
ወኪል ቤት ጽሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ፡ ኮማንደር አሕመድ መሐመድ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ ብዝምልት ሓበሬታ ክእክቡ እንከለው እዮም እተን ምስኪን ኣደ ብሰራዊት ትግራይ ብዕስለ ምስተደፍራ ነብሰን ከምዘጥፈኣ ፈሊጦም።
እቶም ወተሃደራት ትግራይ ንወዲ 16 ዓመት ወደን ኣብ ሓደ ገዛ ዓጽዮም እዮም ደፊሮመን።
"ሽዱሽተ ሰባት ምስደፈሩወን፡ ከመይ ኣቢለ ገጽ ወደይ ክርኢ፡ ንሱ’ኸ ከመይ ኣቢሉ ክርእየኒ ብምባል ብገመድ ተሓኒቐን ነብሰን ቀቲለን” ክብል ካብ ውላደንን ነበርቲ እቲ ከባቢን ሓበሬታ ረኺበ ዝበለ ኮማንደር አሕመድ ይገልጽ። ስነ ስርዓት ቀብረን ከኣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ናይ እስላም መቓብር ከምዝተቐብረ ኣረጋጊጹ።
"እቲ ደኺመን ዘዕበየኦ ወዲ 16 ዓመት ውላደን ከኣ 'ጽድቂ ዝደለየ ሰብ’ ኣጸጊዑዎ ኣሎ” ኢሉ።
ኣብ ካልእ ቀበሌ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ኣብ ዝርከባ ኣዴታት ተመሳሳሊ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመን ዝርዝር ሓበሬታ ይእክቡ ከምዘለውን እቲ ኮማንደር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ናብ ክልል ዓፈርን ኣምሓራን ምስ ለሓመ ኣብቲ ሓይልታት ትግራይ ተቖጻጺሮሞ ዝነበሩ ኣከባቢ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ደቀንስትዮ ከይተረፈ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቀንስትዮን፡ ሕጻናትን መንእሰያትን ወ/ሮ አስናቁ ደረስ፣ ኣብቲ ህወሓት ተቖጻጺሩዎ ዝጸንሐ ኣከባቢ "አሰቃቒ ጾታዊ ዓመጽ" ከምዝተፈጸመ ንቢቢሲ ሓቢራ።
እታ ሓላፊት፡ እቲ ዝሓለፈ መወዳእታ ጥቅምቲ ኣብ ሰሜን ጎንደር ደባርቅን ዳባትን ከባቢኣን፡ ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ጎንደር ጋይንትን ታሕታይ ጋይንትን ከምኡ እውን ኣብ ነፋስ መውጫ ሰሜን ሸዋ፡ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዳህሳስን መጽናዕትን ዘካየደ ቤት ጽሕፈት እቲ ክልል፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ "ብዝወረደን ጾታዊ ድፍረት ህይወተን ከምዘጥፍኣን ኣካላውን ስነ አእምሮኣውን ጉድኣት በጺሑወን” ክትብል ተረድእ።
ወ/ሮ አስናቁ፡ ኣብቲ ኣከባቢ ጥራሕ 147 ደቀንስትዮ ብሓይሊ ከምዝተዓመጻን ን116 ሰባት ብኣካል ከምዘዘራረበትን ካብተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ከኣ እተን 19 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምዝኾና፤ እተን ዝተደፍራ ካብ ጓል 12 ቖልዓ ክሳብ ጓል 80 ዓመት ሽማግለ ከምዝርከበአን እቲ ናይ ዳህሳስ መጽናዕቲ ከምዝሕብር ኣረዲኣ።
ቁጽርን ብዝሕን ናይተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ብምልኣት ንምርካብ ምስ ውልቃዊ ብሕትውናን ስነ ምግባር ሕክምናን ኣሸጋሪ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብቲ ኣከባቢ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ደቀንስትዮ ካብኡ ንላዕሊ ክኾና ከምዝኽእላ ሓቢራ።
"ካብተን ዝተዓመጻ ነብሰ ጾራት እውን ይርከበአን"
ኣብ ከተማ ነፋስ መውጫ ብዙሓት ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንሰትዮ ከምዘለዋ እቲ ዝተኣከበ ሪፖርት ይሕብር። ሓይልታት ህወሓት ብ06 ነሓሰ 2013 ዓመተ ምሕረት ግእዝ ናብታ ከተማ ኣትዮም ንሰሙን ጸኒሖም።
ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ከንቲባ ሙላው ጤናው ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኣብ ከተማ ነፋስ መውጫ ጥራይ ኣርባዕተ ኣዴታትን ክልተ ነብሶ ጾራትን ዝርከበአን ኣስታት 73 ደቀንስትዮ ብዓመጽ ከምዝተደፍራ ሓቢሩ።
"እተን ሰባት ዓመጽ ከምዘጋጠመን ባዕለተን ዝተዛረባ እየን" ዝበለ እቲ ከንቲባ ብሕፍረት ክዛረባ ዘይደልያ እውን ክህልዋ ስለዝኽእላ እቲ ቁጽሪ ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።
ካብተን ከም ዝተደፍራ ዝሓበራ 73 ደቀንስትዮ እተን 28 ኣብ ባህር ዳር ፈለገ ሕይወት ሆስፒታል ናይ ስነ ልቦና ሕክምና ሓገዝ ይግበረለን ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ሙላው ኣብ ወጻኢ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብምትሕብባር ካብ ዝወረዶም ጉድኣት ንኽፍወሳ ጻዕሪ ይግበር ምህላው ሓቢሩ።
ካብተን መርመራ ዝተገብረለን ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ክልተ ናይ ኤች-አይ-ቪ ቫይረስ ከምዝተረኽበን ሓንቲ ድማ ናይ አእምሮ ጸገም ከምዝፈጠረላ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት አምነስቲ ኢንተርናሽናል 16 ብሰራዊት ህወሓት ዝተዓመጻ ነበርቲ ከተማ ንፋስ መውጫ ከምዝኾናን ከምዘዘራረበንን ኣብ ዘውጸኦ ሪፖርት ሓቢሩ።
እተን ደቀንስትዮ ብሻምብቆ ብረት ተገዲደን ከምዝተደፍራን ከምዝተዘምታን ኣካላውን ኣፋውን መጥቃዕትን ጸርፍን ከምዘጋጠመን ኣረዲኡ።
ካብተን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረበን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን 16 ደቀንስትዮ እተን 14 ብጉጅለ ከምዝተደፍራ ሓቢረን።
እቲ ዳህሳስ ኣብ ዘይሸፈኖ ኣከባቢ እውን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከምዘጋጠመ ተመዝጊቡ ኣሎ። ሓይልታት ህወሓት ካብ ፈለማ ነሓሰ ክሳብ መስከረም ተቖጻጺሩዎ ኣብ ዝጸንሐ ወረዳ መቄት ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ እውን ምንጭታት ሆስፒታል ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ወረዳ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ፍላቂት አቶ ይበልጣል ጌታ፡ እቲ ኣከባቢ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መንግስቲ ምስ ኣተወ ካብተን ብሰራዊት ህወሓት ዝተደፍራ ደቀንስትዮ ኣብቲ ሆስፒታል መጺአን ክሕከማ ከምዝጀመራን ገሊጾም።
"ሸሞንተ ጾታዊ ዓመጽ ዝወረደን ደቀንስትዮ ኣብ ሆስፒታል ፍላቂት ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩለን" ዝብል አቶ ይበልጣል፣ ኣብቲ ወረዳ "ሰለስተ ደቀንስትዮ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጽ ሞይተን" ኢሉ።
እተን ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ክልል ዕድመ ከምዝርከባን "ኣንስቲ ካህናት" ከይተረፋ ግዳይ ከምዝኾና አቶ ይበልጣል ሓቢሩ።
አቶ ይበልጣል "ክሳብ ሕጂ ብዘለና ሓበሬታ 32 ደቀንስትዮ ተደፊረን። እቲ ቑጽሪ እውን ክውስኽ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
ህወሓት ነቲ ብሰራዊቱ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ብዝርዝር እኳ እንተዘይመለሰ ቅድሚ ሕጂ ኣምኒስት ኣብ ዘውጸኦ ሪፖርት ግን ሕቶ ከምዘለዎ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ከምዘለዎ ሓቲቱ ነይሩ።
ወ/ሮ አስናቁ እተን መጥቃዕቲ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ንስነ አእሙራዊ ጸገማትን ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ተቓሊዐን ከምዝረኸበትን ተዛሪባ።
ኣብቲ ዳህሳስ ዓመጽ ካብ ዘጋጠመን 147 ደቀንስትዮ እተን 21 ዝኸፍአ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙወን ንሆስፒታል ከምዝኣተዋ እታ ሓላፊት ሓቢራ።
ካብአን እተን 18 ሕክምናዊ ክንክን ተገይሩለን ኣኣብ ኣከባቢአን ናብ ዝርከብ ናይ ጥዕና ትካላት ምክትታል ንኪግበረለን ከምዝተፋነዋ ገሊጻ።
ንዝኸፍአ አካላው ጉድኣት ዝተቓልዓ ሕጻናት ዝርከቡወን ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ግን ሕጂ እውን ኣብ ባህርዳር ፈለገ ሕይወት ሆስፒታል ኣገልግሎት ሕክምና ይግበረለን ከምዘሎ ወ/ሮ አስናቁ ንቢቢሲ ሓቢራ።
እተን መብዛሕተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ብጉጅለ ከምዝተደፍራን ገሊአን ንፊስቱላ ከምዝተቓልዓን እውን ሓቢራ።
ካብተን ንፊስቱላ ዝተቓልዓ ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ከባቢ ጭና ዝተደፍረት ሕጻን ከምእትርከበን እታ ሓላፊት ኣረዲኣ።
"እኹል ሓበሬታ ኣይረኸብናን እምበር ንዘይተደልየ ጥንስን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተቓልዓ ከምዘለዋን ሰሚዕና ኣለና" ኢላ።
ፊስቱላ ብከቢድ ጻዕሪ ሕርሲ፣ ብዓመጽ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ፤ ብመርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ማእከል ክልተ ኣካላት ሰብነት ውሽጣውን ግዳማውን ክፍሊ ዝፍጠር ቀዳድ እዩ።
እተን ግዳይ ፊስቱላ ዝኾና ደቀንስትዮ ሽንተንን ቀልቀለንን ክቆጻጸራ ስለዘይክእላ ንዝተፈላለየ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ይቃልዓ።
ኣብ ርእሲኡ እተን መብዛሕተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ገሊአን ኣብ ቅድሚ በዓል ቤተን ደቀንን ኣባላት ስድራ ቤተንን ስለዝተደፍራ ከቢድ ስነ ልቦናዎ ጉድኣት ከምዘጋጠመን የረድኡ።
" እታ ናይ ሸዋ ሮቢት ኣደ፡ ‘ከመይ ኣቢለ ገጽ ውላደይ ክርኢ’ ብምባል እያ ነብሳ ኣጥፊአን” ክትብል ከኣ ከም ኣብነት ኣቕሪባታ።
ነተን ግዳያት እንታይ ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረለን ኣሎ?
እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ቖልዑን ዘጋጥም ከቢድ በሰላ ውግእ እቲ ዝገደደ እቲ ጾታዊ ዓመጽ ዘስዕቦ ስቓይ እዩ። ንግዳያት ግቡእ ደገፍን ሓገዝን ስለዘይግበረለን ከኣ ብዙሓት ደቀንስትዮ ነቲ ዘጋጠመን ግፍዒ ክሳብ ፍጻሜ ህይወተን ኣብ ውሽጠን ሰቲረንኦ ይጓዓዛ። ምስ መረረን ከኣ ነዛ ምድሪ ፈንፊነን ብገዛእ ኢደን ነብሰን ዘሕልፋ ከምዘለዋ ክኢላታት ይሕብሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ዘጋጥመን ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ኣደራዕን ንዘይተደልየ ጥንስን ተመሓላለፊ ሕማምን ስለዝቃልዓ ህይወተን ዝበላሾ ከኣ ብዙሓት እየን።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዜጋታት ሰብኣዊ ረድኤት ካብ ምቕራብ ወጻኢ ጾታዊ ዓመጽ ንዘጋጠመን ደቀንስትዮ ናይ ምድጋፍ እኹል ኣቓልቦ ዝተዋህቦ ኣይመስልን።
ወ/ሮ አስናቁ ብሰንኪ ውግእ ኣብቲ ኣከባቢ ዝነበረ ናይ ጥዕና ትካላት ስለዝዓነወ ነተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ግቡእ ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዘይከኣለ ተዛሪባ። ይኹን እምበር እቲ ኣከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ምስ ኣተወ ካብተን ዝኸፍአ ናይ ጥዕና ጸገም ኣጋጢሙወን ናብ ትካላት ሕክምና ዝመጽኣ 116 ደቀንስትዮ ነተን 114 ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝውሰደ ስልጠና ከምዝተዋህበን ሓቢራ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ኣከባቢ ብዘለው ናይ ስነ ልቦና ኪኢላታት እውን ደገፍ ይግበረለን ከምዘሎ ዝገለጸት እታ ሓላፊት" ሕጂ እተን ትካላት ጥዕና ስራሕ ንክጅምራ ኣቓልቦ ሂብና ንሰርሕ ኣሎና” ኢላ።
ካብተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቀንስትዮ ንብረተን ዝተዘርፈ እውን ስለዘለዋ ናይ ገንዘብን ዓይነትን ደገፍን ረድኤትን ይወሃባ ከምዘለዋ ወሲኻ ኣረዲኣ።