እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሎም
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣንጻር ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ተጠቒሞምን ኣጋፊዖምን ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ኣሎ።
ምስቲ ተቓውሞ ምትእስሳር ዘለዎ ማሕበር ሓካይም ትማሊ ቀዳም 178 ሰልፈኛታት ከም ዝቘሰሉ ብምግላጽ ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲ ናብ ልክፈኛታት ከምዝተኮሱ ከሲሱ'ሎ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ብወገኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፊ 58 ኣባላት ፖሊስ ጉድኣት ከም ዝበጽሖምን ኣብታ ርእሰ ከተማ ልዕሊ 100 ሰባት ከም እተኣስሩን ገሊጾም።
ኣብቲ ብቐዳም እተገብረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ተቓወምቲ ባንዴራታቶም እናወዛወዙን ኣንጻር'ቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ እናጨርሑን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ናብ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መንግስቲ መሪሾም።
እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ከባቢ እቲ ቀጽሪ ምስ በጽሐ፡ እቶም ብረት ዝዓጠቑ ኣባላት ጸጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ብዘንብዕ ጋዝ ክብትንዎ ፈቲኖም።
ኣብ ከም ፖርት ሱዳን ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታት ሱዳን እውን፡ ሰባት ይእሰሩን ይህረሙን ከም ዝነበሩ ዝገልጽ መርኣያታት ቀሪቡ ኣሎ።
ሰራዊት ሱዳን ስለምንታይ ብመጻኢ እታ ሃገር ዝጣላዕ ዘሎ?
ጀነራላት ሱዳን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዕልዋ ምስ ኣካየዱ ተጣበቕቲ መሰላት፡ ብቐዳም፡ ኣብ ጐደናታት ሱዳን ተኸታታሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክገብሩ መዲቦም።
ድሕሪ እቲ ብ25 ጥቅምቲ እተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምለስ ዝጠልቡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት፡ ብጎደናታት ካርቱም መሪሾም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም። እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾና ኣዋልድን ኣንስትን ጾታዊ ግፍዒ ብምፍጻሞም ተኸሲሶም።
መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ እተኻየደ ወተሃደራዊ ሓደ ሓደ ፖለቲካውያን ጉጅለታት ንሰላማውያን ሰባት ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ የለዓዕሉ ብምንባሮም፡ ሰራዊት ሱዳን ውግእ ሕድሕድ ንኸይውላዕ ብምስጋእ ዝወሰዶ ስጕምቲ ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ጻዕሪ ከም ዝገብርን ነቲ ኣብ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ ከምዝፍጽሞን ገሊጹ። እንተኾነ ኩሉ እቲ ሓለዋ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስለዝካየድ፡ እቲ ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ ክህልዎ ከምዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ጀነራል፡ ተቓውሞታ ነቲ ልሙጽ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክዕንቅፎ ከም ዝኽእል እውን ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እቶም ተጣበቕቲ ዲሞክራሲ ተቓወምቲ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ኣብ 2019 ንኣስታት 30 ዓመታት ዝገዝአ ስርዓት ዑመር ኣል-በሽር ዝኣለየ ሰውራ ከምዝጨወዮ እዮም ዝነቕፉ።