እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣቦመንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብርሃ ደስታ ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ገሊጹ
ኣቦ-መንበር ውድብ ዓረና ትግራይ ንዲሞክራስን ንሉእላውነትን ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝወጽአ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣፍሊጡ።
እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ኣብ ሕዳር 2020 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣብርሃ፡ ህወሓት ንመቐለን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሩ'ዩ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ።
"ድሕሪ 82 መዓልታት፡ ብናይ ቤት ፍርዲ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ብር ዋሕስ ውሳነ መሰረት ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሐ ኣለኹ" ክብል ሎሚ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነት መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝፈረሰን ገለ ኣባላቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸዱን ይፍለጥ።
ብወገን ሰብ መዚ ጸጥታ'ኳ ምኽንያት ማእሰርቱ ብዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ እንተዘይነበረ፡ ገለ ኣባላት ቤተሰቡ ግን "ዘይሕጋዊ ሽጉጥ ብምሓዝን፡ ብናይ ጽልኢ ዘረባን" ተኸሲሱ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እንተኾነ ግን ነቲ ብመንግስቲ ዝተዋህቦ ብረትን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሰነድን ንሰብ መዚ ጸጥታ ኣረኪቡ ክብል ሓዉ ተዛሪቡ ነይሩ።
"መንግስቲ ፈሪሙ ዝሃቦ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሃቦ ሕጋዊ ዝኾነ ሽጉጥ ነይርዎ። ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን ናብ ጋና ኣክራ ኣኼባ ነይርዎ እንትኸድ እቲ ሽጉጥ ሒዝዎ ክኸድ ስለ ዘይፍቀደሉን፡ ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብ ሆቴል ስለ ዝነብርን ኣብኡ ከቐምጦ ስለ ዘይኽእል፡ ንዓና ሂቡና ነይሩ። እንተኾነ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይፅሕፎ ዘሎ ክወስድዎ ስለ ዝደለዩ፡ ሽጉጥካ ኣረክብ ኢሎም" ክብል ሓዉ ተወልደ ደስታ ምግላጹ ይዝከር።
እንተኾነ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፡ ኣብዚ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ስለ ምንታይ ከም ዝተኣስረ ወይ ብዛዕባ ዝቐረበሉ ክስታት ዝምልከት ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብርሃ ደስታ፡ ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ንዝፍጸም ዝነበረ ማእሰርቲ ብምኹናን፡ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓውሞታቱ የስምዕ ነይሩ'ዩ።
ፖለቲካዊ ባይታ ትግራይ ንተሓናሕቲ ውድባት ጥጡሕ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ንመንግስቲ ኣትሪሩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ እቲ ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ መረፃ ኢትዮጵያ 2007 ምክያዱ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2006 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብቲ እዋን ነታ ሃገር ይመርሕ ብዝነበረ ኢህወደግ፡ ምስ ጉንበት ሸውዓተን ደምሒትን ርክብ ኣለካ ብዝብል ብግብረ-ራዕዲ ተኸሲሱ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተኣሲሩ ምንባሩ ይዝከር።
ሰብ መዚ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲተት ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ተጋሩ ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ቀይዲ ብምእታዎም ብተጣበቕቲ መሰላት ክኽሰሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣብታ ሃገር ምእዋጁ ይዝከር።
ነቲ ኣዋጅ ብምጥቃም ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሲቪላውያን ሰባትን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ዋላ'ኳ መንግስቲ እቶ ግዳያት ማእሰርቲ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምትእስሳር ዘለዎም'ዮም እንተበለ፡ ብዙሓት ኣባላት ቤተሰብን ተጣበቕትን ግን፡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ'ውን ይካየድ ከም ዘሎ'ዮም ዝኸሱ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምእታው ሓያሎ ኣገደስቲ ከተማታት ዝርከብኦም ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልቲኡ ክልላት ብድልየቶም ከም ዝወጽኡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ብሓይሊ ተደፊኦም ከም ዝወጽኡ'ዮም ዝዛረቡ።
እቲ ንልዕሊ 13 ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ይርከብ።