ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊትን ዝርርብ ሰላምን እንታይ ኢሉ?

Published

መራሕቲ ትግራይ፡ ካብ'ቲ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቲ ኲነታት ደው ናይ ምባል ውሳነ ንሰላማዊ ፍታሕ መገዲ ንምጽራግ ዝተወስደ ምዃኑ ድማ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐት ከተማ ወልዲያን ከባቢታት ዞባ ሰሜን ወሎን ምሉእ ብምሉኡ ናጻ ከምዝወጽአ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ንዝኣተወት ከተማ ላሊበላ ዳግም ብምቁጽጻር፡ ናብ ከተማ ሰቆጣን ኣብ ኣከባቢኣ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ከምዘምረሐ ብምግላጽ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ከባቢኣን ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ዝነበሩ ገስጋስ ምስተዓግተ፡ ናብቲ ደጀኖም ዝኾነ ክልል ትግራይ ክስሕቡ'ዮም ጸኒሖም።

እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሕድሕድ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይተዓወተን ዘሎ።

ቢቢሲ ፎከስ ኣፍሪቃ ምስ ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ውሳነታት ሓይልታቱን እዋናዊ ኩነታትን ኣመልኪቱ ኣዛሪቡዎ ኣሎ።

------

ቢቢሲ፡ ቅድሚ ዝተወሰኑ ሰሙናት ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ልዕልና ዝሓዙሉ ኩነታት ብምንባሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ነይሮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ስዕረታት የጋጥሞም ምህላዉ ይግለጽ። ሎሚ ዘቕረብዎ ጻውዒትን ሰራዊቶም ካብ ዓፋር ኮነ ኣምሓራ ንኽወጽእ ዝወሰንዎ ውሳነ በዚ ምኽንያት’ዶ ይኸውን?

[ንወሃቢ ቓል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣዘራሪባናዮ ነይርና። ትግራይ ካብ በረራታት ነጻ ክትኸውን ንዝሓትት ጻውዒት ከብርሃልና ብምሕታት ድማ ጀሚርና ኣለና]

ኣቶ ጌታቸው፡ እቲ ደብዳበ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ሰላማዊ ዝርርብ ክካየድን ዝጸውዕ’ዩ። ነፈርትን ድሮናትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንሕስያ ዘይብሉ መጥቃዕቲ የብጽሓ እየን ዘለዋ። እቲ ኲናት ብዙሓት ተዋሳእቲ ይጽምበርዎ ብምህላዉ ዞባውን ዓለምለኻውን ቅርጺ ይሕዝ ከምዘሎ ብንጹር ሪኢና ኣለና። እዚ ከኣ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ግቡእ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝደፍእ’ዩ። ትግራይ ንዝሓለፉ ልዕሊ 13 ኣዋርሕ ወፍርታት ምጽናት ዓሌት ክካየደላ ጸኒሑ’ሎ። ሕዚ’ውን እቶም ኣብ ምፍጻም ገበናት ዝሓበሩ ኣካላት ንኻልኣይ ዙር ይዳለዉ’ዮም ዘለዉ። ስለዝኾነ ድማ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ክሊ ኣየር ክህልው ዝገብርን ካልኦት ተወሰኽቲ ስጉምቲታትን ክውሰዱ ኢና ጸዊዕና።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ድሮናት ክትዛረብ ከለኻ ግን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ድሮናት ዘቕርብ ዘሎ መን ከምዝኾነ ይፍለጥ ድዩ? ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣስማተን ዝለዓላ ሃገራት ኣለዋ። መን’ዩ ዘቕርበን ዘሎ ኢልካ ትኣምን?

ጌታቸው፡ ኢማራትስ ኣብዚ ጉዳይ ከምዘላትሉ ኣጸቢቕ ኢና ንፈልጥ። ቅድሚ 13 ኣዋርሕ እቲ ወፍሪ ክጅመር ከሎ ንወተሃደራዊ ዓቕምታትና ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ይፍጽማ ነይረን። ካልኦት ሃገራት እውን ኣብዚ ተሳትፎ ከምዘለወን እፈልጥ’የ። ቻይና ድማ እንተስ ብመሸጣ ወይ ብሓገዝ ድሮናት ተቕርብ ኣላ። ኢራናውያን እውን ተሳትፎ እናገበሩ እዮም። ዝርዝር ናይተን ሃገራት [ተሳትፎ ዝገብራ ዘለዋ] ቀጺሉ’ሎ።

ቢቢሲ፡ “ኲናት ደው ኣቢልና ንዝርርብ ንጽውዕ ኣለና” ኢልኩም ኣለኹም። እዚ ግን ነዊሕ ጊዜ ወሲዱ’ሎ። ብዙሓት ሰባት ሞይቶምን ንብረት ዓንዩን ካልኦት ብዙሓት ድማ ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ። ስለዚ ነዚ ናይ ሰላም ኣማራጺ ኣቐዲምኩም ዘይምውሳድኩም የጠዓሰኩም’ዶ?

ጌታቸው፡ ህይወት ሰባት ብምጥፍኡ ኩሉግዜ እየ ዝሓዝን። ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን ብዘየገድስ ሲቪላትን ዕጡቓትን ህይወቶም ብምጥፍኡ ኩልጊዜ ዘሕዝነኒ ጉዳይ እዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ግን ንሕና ኣይኮንናን ንድርድር ዕንቅፋት ዝኾንና። ህዝብና ኣብ ዕጽዋ እዩ ዘሎ፤ ህዝብና ከም ኤልክትሪሲቲን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ዝበሉ ኣገልግሎታት ተቋሪጽዎ እዩ። ሰብኣዊ ረድኤት ዝቐርበሉ መገዲ’ውን ከም ሓደ መሳርሒ ኲናት ንምጥቃም ተዓጽዩ’ሎ። ኣብ ኲናት ምቕጻል ድልየትና ኣይኮነን። እቲ ናይ ሎሚ ደብዳበ ከኣ ንሰላም ድልዋት ከምዝኾንና ዘነጽር’ዩ። ናትና ኣብ ዓፋር ወይ ኣምሓራ ምጽናሕ ዕንቅፋት እንተኾይኑ፡ ዕድል ንምሃብ ብዝብል ወሲንና ኣለና።

ቢቢሲ፡ ብርግጽ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳ ካብ እትልእኹ ሓጺር እዋን’ዩ ዘሎ። ግንከ ካብ ወገን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዝሰማዕኹምዎ ግብረመልሲ ኣሎ’ዶ?

ጌታቸው፡ የለን። ሕዚ ንዓኺ እናዛረብኩኺ ኣብ መቐለን ካልኦት ከባብታት ደቡብ ትግራይን ናይ ድሮናት መጥቃዕቲ ይፍጸም ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ዒላማ ዝግበሩ ዘለዉ ድማ ሰላማውያን ሰባት’ዮም። እዚ ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽእስድ ዘገድድ’ዩ።

----

ብመራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተፈሪሙ ትማሊ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተልኣኸ ድብዳበ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ እጃሙ ክዋጻእ ይጠልብ።

እቲ ኣብ ዕግታ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥሜት ንምንጋፍ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቕልጡፍ ብዘይገደብ ዝኣትወሉ ውሑስ ናይ ኣየርን ምድርን መስመራት ክኽፈቱ'ውን እቲ መግለጺ ጸዊዑ'ሎ።

"ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግብኣና መሰላት ክኽበር እንተዘይኮይኑ፡ንባዕልና መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ድሌት የብልናን" ድሕሪ ምባል፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ጸዊዖም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣባል ማእከላይ እዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ እቲ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጎኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዘካየድዎ ዘሎ ኲናት 'ይዛዘም ስለ ዘሎ፡ ኣድላይነት ልዝብ ኣይርኣየንን' ክብል ንክልላዊ ቴሌቪዥን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕትሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበዪ ረዲኤት ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።