ኬንያ: ሓደ ኣባል ፖሊስ ንበዓልቲ ቤቱ ሓዊሱ ሽድሽተ ሰባት ቀቲሉ

Published

ሓደ ኣባል ፖሊስ ኬንያ ናብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዝተወሃቦ ጠበንጃ (ክላሽን) ንበዓልቲ እንድኡ ሓዊሱ ሽድሽተ ሰባት ከምዝቐተለ ተገሊፁ።

ሓደ ጎረቤት እቲ ኣባል ፖሊስ ሎሚ ከባቢ ሰዓት 1፡00 (ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ) ኣብ ናይቲ ፖሊስ ገዛ ከቢድ ተኹሲ ክትኮስ ከምዝሰምዐ፡ ፀብፃብ ፖሊስ ኣመልኪቱ።

እዚ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ካቤቴ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝነብር ኣባል ፖሊስ፡ ሂወት በዓልቲ ቤቱ ተኵሱ ምስ ኣጥፈአ በዚ ኣየብቀዐን፡ ናብ ደገ ብምውፃእ ንካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ብኣልማማ ተኲሱ ቀቲሉ።

እቲ ኣባል ፖሊስ ኣብ መወዳእታ ርእሰ-ቅትለት ከምዝፈጸመ ተፈሊጡ።

እቲ ፖሊስ ንምንታይ ነዚ ቅትለት ከምዝፈፀመ ዛጊድ ኣይተነጸረን።

ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ፡ ንፖሊስ እታ ሃገር ብምፅራሕ (ብምጥቃስ)፡ እቶም መፃምዲ ቅድሚ ሕዚ ብርቱዕ ፅልኢ ከምዝነበሮም ፀብፂቡ።

ሓለቓ ፖሊስ ፍራንሲስ ዋሆሜ፡ “ክሳብ ሕዚ ኣብ ባህሪ እቲ ኣባል ፖሊስ ዝኾነ ስግኣት ኣይነበረናን። ስርሑ ብዝገባእ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ፤ ቅድሚ ሕዚ’ውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ተሳቲፉ ኣይፈልጥን” ክብል ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ገሊፁ።

እዚ ንሓለዋ ብዝተወሃቦ ብረት ቅትለት ዝፈፀመ ኣባል ፖሊስ ኬንያ ቤንሰን ኢምባሲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ምስቀተለ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ካልኦት ሰባት ተኹሲ ከፊቱ።

ፖሊስ ኬንያ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ቅትለት እንክሳተፍ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ካሮላይን ካኖጎጎ ዝተብሃለት ኣባል ፖሊስ ንመሳርሕታ ሓዊሱ ንክልተ ደቂተባዕትዮ ብምቕታላ ኣዛራራቢት ኮይና ኔራ።

ካሮላይን ነቶም ሰባት ድሕሪ ምቕታላ ሞይታ ተረኺባ።

ፖሊስ ኬንያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ምስ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላታት ንዝቃለሱ ኣባላት ፖሊስ ንምሕጋዝ መደብ ምጅማሩ ይዝከር።

ቅድም ክብል፡ ሓለቓ ፖሊስ ሂላሪ ሙታምቤ፡ “ወጥርን ስምባደን” ዘጋጥሞም ኣባላት ፖሊስ ፈውሲ ንዝጠልብ ስነ ልቦናውን ስምዒታውን በሰላ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ኔሩ።

ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ቅትለት ዝፈፀመ ቤንሰን ኢምባሲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ምስ ቀተለ፡ ናብ ህዝቢ ወፅዩ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ብኣልማማ ክትኩስ ከምዝጀመረ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ።

ካልእ ምስክር ዓይኒ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ “ምስ ዘወርቲ ሞተር ሳይክል ናብ ዝነበርና ሰባት ጠበንጃ (ክላሽን) ሒዙ መፅዩ፡ ካብኡ ኣብ ልዕሌና ክትኩስ ጀሚሩ” ኢሉ።

ክልተ ዘወርቲ ሞተር ሳይክል በቲ መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ ግዳያት እንትኾኑ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ድማ ተጎዲኦም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

ነቲ ቅትለት ስዒቡ፡ ኣብ ካበቴ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝነበሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ኬንያ ፀብፂበን።