ባይደን ብቕትለት ክልተ ሰባት ተኸሲሱ ዝጸንሐ መንእሰይ ነጻ ብምውጽኡ ቁጥዐኡ ገሊጹ

Published

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዊስከንስን ኣብ ዝተልዓለ ዓሌታዊ ናዕቢ ንኽልተ ሰባት ተዅሱ ብምቕታሉ ተኸሲሱ ዝጸንሐ መንእሰይ ብቤትፍርዲ ነጻ ብምውጽኡ ከምዝተቖጥዐ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ ነቶም ደያኑ ዘለዎ ድጋፍ ገሊጹ እኳ እንተነበረ በቲ ብይን ከምዘይተሓጎሰ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ወዲ 18 ዓመት ከይል ሪተንሃውስ፡ ካብቲ ኣብ ኬኖሻ ብ25 ነሓሰ 2020 ምስ ዝተፈጸመ ተዅሲ ብዝተኣሳሰር ዝቐረበሉ ኩሉ ክስታት ነጻ ምስተባሃለ ብሓጎስ ከምዝነብዐ ተገሊጹ።

እቲ ንኣመሪካ ዝመቓቐለ ብይን ድሕሪ ምሃቡ ገለ ሰላማዊ ሰልፍታት ተራእዩ እዩ።

ሚስተር ሪተንሃውስ፡ ንወዲ 36 ዓመት ጆሴፍ ሮዘንባውምን ወዲ 26 ዓመት ኣንቶኒ ሁበርን ተኵሱ ከምዝቐተለን ንወዲ 28 ዓመት ገይግ ግሮስክረውት ከምዘቑሰለን እኳ እንተተኣመነ ህይወቱ ንምድሓን ከምዝፈጸሞ እዩ ገሊጹ።

ኣባል መንእሰያት ፖሊስ ካደት ዝነበረ ሪተንሃውስ ካብ ክልተ ቅትለት ሓደ ፈተነ ቅትለትን ንካልኦት ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእተወ ክልተ ፍጻመን እዩ ነጻ ተባሂሉ።

እቲ ክሱስን እቶም ግዳያትን ኩላቶም ጸዓዱ እኳ እንተኾኑ እቲ ተግባር ንጭካነ ፖሊስ ንምኹናን ሓያል ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ብምፍጻሙ፡ ጉዳይ ዓሌት ክለዓሉ ጸኒሖም ኣለው።

ፕረዚደንት ባይደን ንምርጫ ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንተግባር ሪተንሃውስ ብዘይዝኾነ ጭብጢ ምስ ልዕልና ጸዓዱ ዘተሓሕዝ ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ መንእሰይ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ጸኒዑ እንተሎ ብዓርቢ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ዜና ከምዝሰምዐ ብምግላጽ ንውሳነ እቶም ደያኑ ከም ዘኽብሮ ገሊጹ።

ጸኒሑ ግና ብጽሑፍ መግለጺ ብምውጻእ፡ “እቲ ኣብ ኬኖሻ ዝተወሃበ ብይን ኣነ ንዝርከቦም ብዙሓት ኣመሪካውያን ዘቖጥዕን ዘሻቕልን እኳ እንተኾነ እቲ ፍርዲ ከምዝተዋሃበ ክንግንዘብ ኣሎና” ኢሉ።