እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሩስያ መዓልታዊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብኮቪድ ክሞቱ ጀሚሮም
ኮቪድ-19 ካብ ዝኽሰት ጀሚሩ፡ ኣብ ሩስያ ንፈለማ እዋን ትማሊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሽሕ ሰብ ክመውት ጀሚሩ።
እቲ ብዝሒ ሞት ሰሙናዊ እናወሰኸ ዝመጽአ ኾይኑ፡ መንግስቲ ግን ህዝቢ ሩስያ ክታበት ዘይምውሳዱ ወቒሱ።
ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ሲሶ ጥራይ ተኸቲቡ ኣሎ ተባሂሉ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ክታበት ሰፊሕ ዝኾነ ጥርጣረታት ሰፊኑ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።
ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ ዳህሳሳት ከምዘርእይዎ፡ ልዕሊ 50 ሚኢታዊ እቲ ህዝቢ ክኽተብ ኣይደልን።
እታ ሃገር ኣርባዕተ ክታበታት ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ወሲና ኣላ። እንተኾነ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዛጊድ ኣፍልጦ ኣይረኸቡን።
ብሓፈሻ፡ ኣብ ሩስያ 220 ሽሕ ሰባት ምስ ኮቪድ-19 ብዝዛመድ ህይወቶም ዝሳአኑ ኮይኖም፡ ትማሊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 33 ሽሕ ሰባት ተለኺፎም ተባሂሉ።
መንግስቲ፡ ዝኾነ እገዳታት ዘልዓለ እንትኾን፡ ምንቕቓሕ እታ ቁጠባ ሃገር ከም መመኽነይታ እዩ ዘቕርብ።
መንግስቲ ንህዝቢ ክታበት ንክወስድ ጥራይ እዩ ዝምዕድ ዘሎ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ፡ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ “ሕዚ ብዝሒ መልከፍቲ ይውስኽ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ብዛዕባ ክታበት ደጋጊምና ምዝራብ ክንግደድ ኢና” ኢሉ።
መንግስቲ፡ እቲ መልከፍቲ ካብ ዓቕሚ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ንላዕሊ ኣይኮነን ይብል።
ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር፡ ቅድም ክብል ብስግኣት ኮቪድ-19 ካብ ስረሖም ጠፊኦም ዘለዉ ሰብ ሞያ ክታበት ወሲዶም ናብ ስረሖም ክምለሱ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ በቲ ሕማም ይሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ብዝሖም 750 ሽሕ ዝበጽሕ ኮይኑ፡ እቲ ለበዳ ናብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ብሓፈሻ 8 ሚልዮን ሰባት ከምዝተለኽፉ መረዳእታ የመልክት።